'ንሓፍተይ ቀቲሎም ናብ ፋኛትራ ደርብዮማ' - ድምጻዊ ሚዛን ተስፋይ

መንእሰይ ፀጋ ተስፋይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘላ ሸገር ብዝብል እትፍለጥ ከተማ ተቐቲላ ተረኺባ።

ሓዋ ድምፃዊ ሚዛን ተስፋይ፡ ንእሽተይ ሓፍቱ ፀጋ ተስፋይ ተኽሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ 02 ታሕሳስ 2017 [ኣቆፃፅራ ግእዝ] ኰየ ፈጪ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ናብ ገዝኣ እናተመለሰት እንከላ ከም ዝተቐተለት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ንእሽተይ ሓፍተይ እያ ንዓይ። ጓል 27 ዓመት እያ። ኣብ ሸገር ሲቲ ኰየ ፌጪ ምሸት ናብ ገዝኣ እንትኣቱ እያ ተቐቲላ። ፀጋ ካብ ስራሕ ምስ ወፅአት ናብ ስፖርት መስርሒ ትኸይድ እያ። ምሸት ናብ ገዝኣ እናተመለሰት እንከላ፡ ናብ ገዛ ንምብፃሕ ሓደ ብሎክ ምስ ተረፋ እያ ተቐቲላ" ኢሉ።

ኣስዒቡ "ቅድሚ ናብ ገዝኣ ምእታዋ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ሰብ ዱኳን ሰላም ኢላ እያ ሓሊፋ። ግና ንገዝኣ ኣይኣተወትን….. ንጉሆ ሬሳኣ ረኺብና" ክብል ገሊጹ።

ሓሙስ ንጉሆ ሬሳ ሓፍቱ ኣብ ሓደ ፋኛትራ ተደርብዩ ከም ዝተረኸበ ድማ ሓቢሩ።

ኩነታት ኣቀታትልኣ ንምፍላጥ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ይምርምሮ ከም ዘሎን፡ ዛጊት ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ስድራ ከም ዘይፈልጡን ድምፃዊ ሚዛን ተስፋይ ገሊፁ።

"ሓፍተይ ቀቲሎም ናብ ቱቦ (ፋኛትራ) እዮም ደርብዮማ። ኣብ ዝባና ሒዛቶ ዝነበረት ሻንጣ ዋላ ሓደ ኣይተፈተሸን። ሞባይላ ግና ወሲዶማ እዮም። ፖሊስ ነዚ ጉዳይ ሒዝዎ ኣሎ" ኢሉ።

ፀጋ፡ ኣብ ከባቢ እስጢፋኖስ ኣብ ዝርከብ ኮሪደር ልምዓት ትሰርሕ ከም ዝነበረትን፡ ካብ ስራሕ ምስ ወፅአት ድማ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዘ ስፖርት ከም እትሰርሕ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ሓወይ ባዕሉ እዩ ስፖርት ዘስርሓ ነይሩ። ረቡዕ ስለዘይኣቱ ግና ሻቡ ንበይና'ያ ከይዳ። ካብ ስራሕ ናብ ስፖርት፡ ካብኡ ናብ ገዝኣ እያ ትመፅእ። ፀጋ ብባህሪኣ'ውን ፍልይ ዝበለት እያ፤ ካብ ኩላትና ጥዕምቲ እያ።

"ዘሻቕላ ወይ ዘፈራርሓ ኣካል ከም ዘሎ ገሊፃትልና ኣይትፈልጥን። ዓርኪ'ውን ኣይነበራን። ካራቴ ተማሂራ ስለ ዝተመረቐት፡ መምህር ክትኸውን ድሌት ነይርዋ" ክብል ወሲኹ።

ቢቢሲ ኣብ ቅትለት ፀጋ ተስፋይ ካብ ፖሊስ ከተማ ሸገር ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮን ህፃናትን ዘጋጥሙ ፆታዊ ዓመጻትን ቅትለታትን ብተደጋጋሚ ክፍጸሙ ይረኣዩ።

ገበነኛታት ተሓተትቲ ዘይምዃኖምን ኣብ ስርዓተ ፍትሒ ዘለዉ ሓጓፋትን፡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ንክውስኹ ከም ዝደረኸ ጠበቓታትን ተሓለቕቲ መሰላትን ደቂኣንስትዮ ይሕብሩ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብታ ሃገር፡ ምስ ጐንፂ ዝዛመዱ ፆታዊ መጥቃዕትታት ኣብ "ኣሰካፊ ደረጃ" ከም ዝበፅሑ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ዘውፅኦ ጸብጻብ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።

ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኲናት ፆታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኵናት ምጥቃም ከምዝተረኣየ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ነይሩ።

ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኲናት እውን ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመፅን ቅትለትን ደው ኣይበለን።

ይዅን እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመፅ ኣብ ኲናትን ጎንፅን ጥራይ ዘጋጥም ኣይኰነን።

ጎንፂ ኣብ ዘይብሉ እዋን እውን እንተዀነ ብተደጋጋሚ ደቂ ኣንስትዮ መጥቃዕቲ ይወርደን እዩ።