እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዛዕባ ገልገለ መስቀለ እንታይ ንፈልጥ?
መስከረም ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እታ ኣዕዚዛ ዝተፈትወት ወርሒ እያ። ሓረስታይ ኣብ ጻዕሪ ከሪሙ ኣእኻል ሸዊቱ ዝህንጠጠሉ ግዜ በጺሑ ተስፋ ዝገብረሉ፡ ዓፋፉን ዓኒዱ እናተጠብሰ ዝብልዓሉ. . . ግዜ እዩ።
ጸላም ክረምቲ ሓሊፉ ጸሓይ ኣብ እትበርቀሉ፡ ገልገለ መስቀለ ንመሬት ሰሊሙዎ ሓድሽ ዓመት ግእዝ ከም ዝመጽአ የበስር።
ኣዋልድ ድማ ዝተፈላለየ ደርፊ እናደረፋ ይጻወታ፡ "ዋዕምበብ ምሰላ ኣዋልድየ / ስገመይ ቀሪቡ'ሎ ክወልድየ፤ ንመስቀለይ ንመስቀለይ / ድርብ ከበሮ ሓዛላይ።"
ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ገልገለ መስቀለ ከም መለለዪ ወርሒ መስከረም ይቝጸር።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተመራማርን ፕሮፌሰርን ኣብ ክፍሊ ብዙሕነት ህይወት ዝዀነ ሰብስቤ ደምሰው፡ እዚ ተኽሊ ስነፍልጠታዊ ስያመኡ 'ባይደንስ' ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ይገልጽ። ኣብ ዓሌት 'Asteraceae' ወይ 'Compositae' ድማ ይጠቓለል።
ብመሰረት እቲ ተመራማሪ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት ዕስራ ዓይነታት ባይደንስ ከም ዘለዉ ይሕብር። ካብዚኦም እቶም ዓሌታት 'ባይደንስ ማክሮፕተራ'፡ 'ባይደንስ ፕረስቲናርያ'ን 'ባይደንስ ፓክሎማ'ን ፍሉያትን ብዝሕን ዘለዎም እዮም።
ነዞም ሰለስተ ዓሌታት ብደቂቕ እንተ ዘይተዓዚብካዮም ወይ ብመጽናዕቲ እንተ ዘይፈሊኻዮም ተመሳሳሊ መልክዕ ከም ዘለዎም እቲ ፕሮፌሰር ይገልጽ።
ገለ ካብዞም ዓሌታት ኣብ ውሱናት ሃገራት ክርከቡ እንከለዉ፡ 'ባይደንስ ፓክይሎማ' ዝተባህለ ድማ ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝርከብ ይግለጽ።
ሱፍን ገልገለ መስቀለን ዝምድና ኣለዎም ድዩ?
ፕሮፌሰር ሰብስቤ ከም ዝብሎ፡ ኒሁግ፡ ሱፍን ግራዋን ዓሌት ገልገለ መስቀለ እዮም። ኵሎም ኣብቲ 'Asteraceae' ዝበሃል ዓሌት ተኽሊ እዮም ዝጠቓለሉ።
እዞም ዓሌት'ዚኦም ብዙሕ ዘርኢ ስለ ዘፍርዩ፡ ብዙሓትን ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ዝበቝሉን እዮም። ንመሬት ሰሊሞሞ ክርእዩ ከለዉ ድማ ዓቓልቦና ይስሕቡ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ባህልን ሃይማኖትን ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን እውን ዝያዳ ጐሊሖም ክርኣዩ ገይሩዎም እዩ።
"እዚኦም ጥራሕ ዘይኰኑስ፡ ነፍስወከፍ ተኽሊ ስድራቤት ኣለዎ፡" ይብል እቲ ፕሮፌሰር።
ዕምባባታት ገልገለ መስቀለ (ዓሌት ኣስተር ድማ ብሓፈሻ) ስልማት መስከረም እዮም። ብፍላይ ኣብ ገጠር ንዝነብሩ ሓጐስ ይፈጥሩሎም።
እቲ ቀጠልያ ኰይኑ ዝርአ ግራውቲ፡ ዕምባባታት ገልገለ መስቀለ ተሓዊሱዎ ፍሉይ ጽባቐ ይፈጥር። ናብ ግራት ወሪድካ ዕምባባታት ገልገለ መስቀለ (ኣስተር) ምእራይ ከኣ ልሙድ እዩ።
ደቀንስትዮ ኣብ ጸጕረን ሸኲዐንኦ ይርኣያ፣ ከምኡ'ውን ከም ናይ እዝኒ ተሰሪሑ ኣብ ዕዳጋታት ይቐርብ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ድማ ኣብ ማልያታት ተሓቲሙ ክርአ ጀሚሩ ይርከብ።
ብተወሳኺ፡ ኣደታትን መንእሰያትን ናብ ከተማ ብምምጻእ ሸይጦም ኣታዊ ይረኽብሎም እዮም።
ገልገለ መስቀለ ሓደ ካብ'ቶም ንዳሜራ ዝስልሙ ዕምባባታት'ውን እዩ።
ገልገለ መስቀለ ካብ መወዳእታ ነሓሰ ጀሚሩ ብጳጉሜ ተዓጂቡ ኣብ ገለ ከባቢታት ክርአ ይጅምር።
ድሕሪ ቀዳመይቲ ወርሒ መስከረም፡ ግራውቲ፡ ኣኽራንን ቆላታትን ክሳዕ ሕዳር በዚ ዕምባባ ይስለሙ። እንተ ነውሐ ሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ኰይኑ፡ ብድሕሪኡ ክትረክብ ግን ሳሕቲ ተጓንፎ እዩ።
ገልገለ መስቀለ ንምንታይ ኣብዘን ወርሓት ተራእዩ ይጠፍእ?
ፕሮፌሰር ሰብስቤ ንወቕቲ ገልገለ መስቀለን መስከረምን ምስ ሰዓት ኣነጻጺሩ ይገልጾ።
"ለይቲ ደቂስና ንግሆ ንኽንትንስእ ኢና መበራበሪ ሰዓት እንመልእ። ኣታኽልቲ'ውን ብተመሳሳሊ እኹል ማይን ጸሓይን እንተ ረኺቦም ብውሽጣዊ ድርኺት ይዕምብቡ፡" ይብል።
እዚ ድማ 'ባዮሎጅያዊ ሰዓት' ተባሂሉ ይፍለጥ።
እዞም ተኽልታት ኣብ መጀመርታ ሓድሽ ዓመት ግእዝ ዝዕምብቡ እኳ እንተዀኑ፡ ፕሮፌሰር ሰብስቤ ግን ውሽጣዊ ባህርያቶም ክዕምብቡ ከም ዝገብሮም ይገልጽ።
ንውሱን ግዜያት ዓምቢቦም ይሞቱ፣ ይሞቱ ክበሃል ከሎ ይጥፍኡ ማለት ዘይኰነ ዘርኦም ኣብ ውሽጢ መሬት ይኣቱ።
እቲ ኣብ ማእከሎም ዝርከብ እሾኽ ዘለዎ ፍረን ብዝሒ ዘርእን ብቐሊሉ ናብ ሓመድ ክኣትዉ ከም ዘኽእሎም እቲ ፕሮፌሰር ይገልጽ።
ኣብ ውሽጢ ሓመድ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፡ ልክዕ ከምቲ ጻጸ ንኽረምቲ ዝዀኖ መግቢ ዝኽዝን፡ ገልገለ መስቀለ ድማ ንዘርኡ ዝኸውን እኹል መግቢ ይዕቅብ።
"ምቹእ ኵነታት ምስ ዝረኽቡ፡ ዝናብ ሃሪሙ ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ተፈጥሮኦም 'ሕጂ እዩ ዝዕበበሉ ግዜ' ክብል ይደፍኦም፣ እዚ ተፈጥሮኣዊ ባህርያቶም እዩ፡" ይብል ፕሮፌሰር ሰብስቤ።
ገልግለ መስቀለ ዓመት ምሉእ ክዕምብብ ከም ዝኽእል ዝገለጸ እዚ ፕሮፌሰር፡ መስከረም ግን ዝያዳ ክዕብበሉ ዝኽእሉ ዝመችአ ግዜ ምዃኑ ይሕብር።
ገልገለ መስቀለ ፍሉይ ዝገብሮ ሓድሽ ዓመት ግእዝን ብድሕሪኡ ዝመጽኡ በዓላትን ዘተኣሳስር ምዃኑ እዩ።
"እንተዀነ፡ ምዕንባብ ገልገለ መስቀለን ምቕያር ወቕትን ኣጋጣሚ እዩ፡" ይብል።