ሰበስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃብዎ ሓድሽ መግለጺታት ኣፍደገ ባሕሪ

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክግበር ዝጸንሐ ዳርባ ቃላትን ወጥርን ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ።

ምኒስተር ዜና ኤርትራ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ-ባሕሪ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት "ክሕሰብ ወይ ክስገር ዘይብሉ ቀይሕ መስመር እዩ" ብምባል "ግጉይን ሓላፍነት ዝጎደሎን'ዩ" ክብል ነቒፉ።

"ናብቲ ዝሓለፈ ጸሊም ምዕራፍ ዘመናዊ ታሪኽ ክልቲአን ሃገራት ተመሊሶም'ውን፡ ናይ ጎበጣ እዋን" ይውድሱ ኣለዉ ይብል ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሓያሎ ካልኦት ሰበስልጣን እታ ሃገርን ብዛዕባ መሰል ዋንነትን ተጠቃምነትን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክህብዎ ዝጸንሑ መግለጺታት ንኤርትራውያን ከቖጥዕ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ 2018 ድሕሪ ናይ ዕስራ ዓመታት ኵነተ-ኲናት 'ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን' ዝፈረማ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ወሪዱ'ሎ።

እቲ እናሻሕከረ ዝኸይድ ዘሎ ምትፍናን ናብ ዘየድሊ ካልእ ዞባዊ ኲናት ከየምርሕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሃገሮም ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክትምለስ ኣለዋ ክብሉ ተሰሚዖም ነይሮም።

ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢታ ማጆር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዘስምዖ መደረ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዝተሃንጸ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክምለስ ውጥን ከምዘለዎ ኣሚቱ ነይሩ።

እቲ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ንቀንዲ ቤትጽሕፈትን ማእከል ስልጠናን ናይቲ ዝህነጽ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዝመረቐሉ እዋን'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ "ናብ ዝነበሮ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክምለስ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ" ይብል።

"ናብቲ ሃገርና ብሽርሒ ተደፊኣ ዝወጽኣትሉ ቀይሕ ባሕሪ ክትምለስ ስለዝግብኣ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክህነጽ" ፊልድ ማርሻል ጁላ መምርሒ ከምዝሃበ'ውን ይጠቅስ።

ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ግንቦት 1991 ሓርነታ ብኲናት ድሕሪ ምጕንጻፋ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከምዝፈረሰን ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝረሓቐትን ይዝከር።

ምስ ኤርትራ ስምምዕ ሰላም ብምፍራሙ ኣብ 2019 ኖበል ሰላም ዝተሸለመ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ግን ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ጉዳይ 'ናይ ህልውና ሕቶ' ምዃኑ'ዩ ዝምጕት።

መርገጺን መግለጺን ኣቢይ ግን ንኤርትራን ሶማልያን ኣቘጢዑ ነቲ ዞባ ናብ ስግኣት ሸሚሙዎ ይርከብ።

ነቲ ሎሚ ዝምረቕ ዘሎ ዘሎ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ሃገሩ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣባይ ናይ ሽሕ ዓመት ጉዳይ እዩ - ፈቲሕናዮ፣ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ትማሊ እዩ፣ ዝተፈጠረ ጌጋ ትማሊ ሰላሳ ዓመት እዩ፡ ክንእርሞ ኢና፡" ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዳይረክተር ዝምድናታት ወጻኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ፡ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ጅኦግራፍያዊ ቅርበት ናብ ቀይሕ ባሕሪ መሰል ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ ኣለዋ፤ ብተወሳኺ እታ "ርእሰ ገዝኣት እያ ነይራ" ዝበላ ዓሰብ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ብመሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣካል ኤርትራ ክትከውን እንከላ፣ ብቓላቱ "በቲ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘይነበሮ ብህዝቢ ዘይተመርጸ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝተገብረ እዩ፡" ክብል ገሊጹ፤ ነዚ ጉዳይ ድማ ምስቶም፡ "ፈተውትና እዮም ዝበሎም" ወገናት ይዘራረብሉ ከም ዘለዉ ክዛረብ ተሰሚዑ ነይሩ።

ምኒስተር የማነ ብወገኑ፡ "ዝደጋገም መሰልከይን ፖለቲካዊ ዕሽነትን" ክብል'ዩ ነቲ መግለጺታት ግብረመልሲ ሂብሉ።

"ሰልፊ ብልጽግና ነዚ መርዛም፡ ዓንዳሪ ኣጀንዳ ኲናትን ግጭትን መጻወቲ ይገብሮ ኣሎ" ይብል ኣብዚ ናይ ትማሊ ምላሹ ድማ።