'ብዓልቲ-ቤተይን ኣኽብሮትን ስኢን' - 8 ዶላር ጕቦ ተቐቢልካ ተባሂሉ ን39 ዓመት ፍርዲ ዝተጸበየ ኣቦ

ኣብ ዝተጠዋወዩን ጸበብቲን ጐደናታት ህንዳዊት ከተማ ራይፑር፡ ሓደ ኣረጊትን ፍርስርስ ዝበለን ገዛ ይርከብ። እቲ ገዛ፡ መንበሪ ናይቲ ጕቦ ተቐቢልካ ተባሂሉ ን39 ዓመታት ፍርዲ ዝተጸበየ ወዲ 84 ዓመት ጃጌሽዋር ፕራሳድ ኣቫድህያ እዩ።

ኣብ ማእከላይ ግዝኣት ማድያ ፕራደሽ፡ ኣብ ኮርፖረይሽን መጓዓዝያ ምድሪ ከም ጸሓፊ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣቫድህያ፡ 100 ሩፒ (8 ዶላር) ጕቦ ወሲዱ ብዝብል ክሲ ኣብ 1986 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

እቲ ገንዘብ ውሑድ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ንኣቫድሃያ ግን እምብዛ ዋጋ ኣኽፊሉዎ እዩ። ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከይኣቱ ንዓመታት ብፍርሒ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ናይዚ ዓመት ንጹህ ኰይኑ ተረኺቡ። እንተዀነ፡ ብሓጐስ ክጽንብሎ ዘኽእል ንያት ኣይረኸበን።

"እዚ ውሳነ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ትርጕም ኣልቦ እዩ፤ ስርሐይ ስኢነ፣ ሕብረተሰብ ዝባኑ ሂቡኒ፣ ደቀይ ከምህርን ከመርዕዎምን ኣይከኣልኩን፣ ኣዝማደይ ርሒቖምኒ፣ ብዓልቲ-ቤተይ ብሰንኪ ስእነት መሓከሚ ዓሪፋ። ነዚ ኵሉ ዝሰኣንኩዎ ክመልሰለይ ዝኽእል መን እዩ፧" ይሓትት።

ስርዓተ-ፍርዲ ህንዲ ብተሓላላኽነቱን ምድንጓያቱን ኣዝዩ ዝተፈልጠ እዩ። ምኒስትሪ ፍትሒ ኣቐዲሙ ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ፍርዲ ኣስታት 52 ሚልዮን ጉዳያት ፍርዲ ኣብ ምጽባይ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሰነዳት ቤትፍርዲ ከም ዘመልክቱዎ፡ ኣቫድህያ ኣብ ኩባንያ መጓዓዝያ ምድሪ ከም ተሓጋጋዚ ሕሳብ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ጕቦ ከም ዝተቐበለን ብኣሃዱ ጸረ-ብልሽውና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወን እዩ።

"ሓደ ሰራሕተኛ ዘይተኸፍሎ ክፍሊት ከዳልወሉ ሓቲቱኒ፡" ይብል ኣቫድህያ።

"ካብ ላዕለዋይ ሓላፊ ተፈሪሙ እንተ መጺኡዎ ጥራይ ክኸፍሎ ከም ዝኽእል ነጊረዮ። እቲ ሰራሕተኛ ብ20 ሩፒ ጕቦ ከዳልወሉ ደልዩ። ብተግባሩ ከም ዘይተሓጐስኩን ናብ ቤትጽሕፈተይ ዳግማይ ከይመጽእን ገሊጸሉ።"

እቲ ሰራሕተኛ ጕቦ ሂቡ ክሰልጦ ዘይምኽኣሉ ባህ ኣይበሎን፣ ድሕሪ መዓልታት፡ "ካብ ቤትጽሕፈት እናወጻእኩ ከለኹ፡ ብድሕረይ መጺኡ ገለ ነገር ኣብ ጁባይ ኣእትዩለይ፡" ይብል።

እቲ ተግባር እንታይ ምዃኑ ጥዑይ ገይሩ ከየሰላሰሎ ከሎ፡ ክዳን ስቪል ዝተኸድኑ ፖሊስ መጺኦም ጕቦ ብምውሳዱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ነገሩዎ።

ነዊሕ ጕዕዞ ንእለሻ ፍትሒ

ኣቫድህያ፡ እታ ዕለት መጀመርታ ናይቲ ንዓመታት ፍትሒ ንምርካብ ዝገበሮ ቃልስን ንዓኡ ጥራይ ዘይኰነ ንመላእ ስድራቤቱ ናብ ኣደራዕ ዘሳጥሐትን ምዃና ይገልጽ።

ክሳዕ 1988 ንተወሰኽቲ ክልተ ዓመታት ክሲ ኣይቀረበሉ። ካብ 1988 ክሳዕ 1994 ድማ ካብ ስራሕ ተኣጊዱ።

ብድሕሪኡ፡ ካብ ራይፑር ኣስታት 460 ኪሎሜተር ርሒቓ ናብ እትርከብ ሬዋ ተቐዪሩ፣ መሃያኡ ብፍርቂ ጐዲሉ። ካብ ብዓልቲ ቤቱን ኣርባዕተ ደቁን ርሒቑ ክቕመጥ ተገዲዱ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ዝዀነ ናይ ስራሕ ዕቤት ኮነ ምውሳኽ ደሞዝ ከም ዘይረኸበ ይዛረብ። ኵሎም ደቁ ሓደ ድሕሪ ሓደ ትምህርቲ ከቋርጹ ተቐሲቦም።

ኣብቲ እዋን ወዲ 13 ዓመት ዝነበረ፡ ሕጂ ወዲ 52 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ንእሽቶ ውላዱ ኒራጅ፡ ንእስነቱ ከም ዝተመንዝዐ ይዛረብ።

"ሽዑ፡ ትርጕም ጕቦ ይፈልጦ እኳ እንተ ዘይነበርኩ፡ ሰባት ግን 'ወዲ በላዒ ጕባ' ይብሉኒ ነይሮም፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካብ ኣዕይንቱ ዝዛረየ ንብዓት እናደረዘ፡ "ቈልዑ ይሕጭጩለይ። ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኣዕሩኽ ክገብር ኣይከኣልኩን፣ ጐረባብትና ኮነ ኣዝማድና ካባና ርሒቖም። መምሃርየይ ክኸፍል ስለ ዘይከኣልኩ ሓያሎ ግዜ ካብ ቤት ትምህርቲ ተባሪረ፡" ይብል።

ኣብ ህንዲ መንግስታዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ዝግበር ብልሽውና ብዓቢይ ደረጃ የስፋሕፍሕ ኣሎ። ንኣብነት፡ ሰባት መስመር ኤለክትሪክ ንኽኣትዎም፡ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ከውጽኡ፡ መንግስታዊ ስራሕ ንምርካብ ወዘተ ጕቦ ክኸፍሉ ይግደዱ።

ይዅን'ምበር፡ ብኸምዚ ተኸሲሶም ፍርዶም ዝተቐበሉ ሓለፍትን ፖለቲከኛታት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።

ብዓልቲ-ቤት ኣቫድሃያ ዝዀነት ኢንዱ'ውን ተኻፋሊት ናይቲ ዝወረዶም ማሕበራዊ ውርደት እያ፣ ኣብ 1997 ድማ ብወቕዒ ልቢ ዓሪፋ።

"ብዓልቲ-ቤተይ ብሰንኪ ሻቕሎት እያ መይታ፡" ይብል።

"ብሰንኪ እቲ ጕቦ ተቐቢሉ ዝብል ክስን ካብ ስራሕ ምድስካለይን ንነዊሕ ዓመት ኣብ ጭንቀት ኣትያ፣ እቲ ጓሂ ድማ ቀቲሉዋ። ግቡእ ሕክምና ክትገብረሉ ዘኽእል እኹል ገንዘብ ኣይነበረንን። እታ ዝመተትላ መዓልቲ እዝክራ እየ፣ ንመቕበሪኣ ዝኸውን ገንዘብ ኣይነበረንን። ሓደ ዓርከይ 3,000 ሩፒስ ምስ ሃበኒ እዩ ስነስርዓት ቀብራ ዝተኻየደ።"

ቃልሲ - ንጽህናኡ ንምርግጋጽ

ኣብ 2004፡ ሓደ ቤትፍርዲ ኣቫድሃያ ነቲ ነገር ከም ዝወዓሎ ብምእማን ሓደ ዓመት ክእሰርን 1,000 ሩፒ ክቕጻዕን ፈሪዱዎ።

ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ይግባይ ብምባል ነቲ ክሲ ክውንዘፍ ብምግባር ካብ ምእሳር ደሓነ። ነቲ ጉዳይ ግን ኣጓቲቱዎ።

ስድራኡ ንምሕጋዝ፡ ሓድሓደ ግዜ ከም ወኪል ጕዕዞ፡ ኣብ ገለ እዋን ድማ ከም መራሒ ኣውቶቡስ ዝተፈላለየ ስራሓት ይሰርሕ ነበረ። ኣብ ግዜ እርጋኑ ከይተረፈ ኣብ መዓልቲ ካብ 8 ክሳዕ 10 ሰዓታት ክሰርሕ ነይሩዎ።

እቲ ጉዳይ 8 ዶላር፡ ንኣስታት 14,000 መዓልታት ኣብ ዘይርአ ቤት ማእሰርቲ ክዳጐን ኣገዲዱዎ እዩ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ነቲ ጉዳይ ካብ 2004 ክሳዕ 2025 ዝነበረ ግዜ ኣብ ግምት ኣእትዩዎ፣ መርትዖታት መርሚሩ፣ ምስክርነት ሰሚዑን ካብ ክልተኡ ወገን ንዝቐረበ ሕጋዊ ምጕት ኣብ ግምት ኣእትዩን።

ኣብ 2025 ኣቫድሃያ ካብቲ ዝቐረበሉ ክሲ ናጻ ምዃኑ ፈሪዱ።

"ፍትሒ ረኺበ እየ፣ ዝሓለፈ ግዜ ግና ኣይምለሰን። ብዓልቲ-ቤተይ ኣይክትምለስን እያ፣ ናይ ደቀይ ቍልዕነት ከቶ ኣይክምለስን እዩ፡" ይብል።

ጠበቓታት ካሕሳ ክረክብ ተኽእሎ እንተ'ሎ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ኣቫድሃያ፡ መንግስቲ ጥሮታኡ ከምኡ'ውን ክኸፈሎ ዝነበሮ መሃያ ክህቦ ይደሊ። እንተዀነ፡ ኣብ ካልእ ምውጣጥ ክኣቱ ከም ዘይደሊ ይዛረብ።

"ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ንጹህ ምዃነይ ኣዊጁ ኣሎ፡" ይብል ብጓሂን ቃንዛን።

"እንተዀነ፡ እቲ ካብ ቤትፍርዲ ዝመጽአ ምስክር ወረቐት፡ ነቲ ኣነን ስድራይን ምስቲ ን39 ዓመታት ዝተሰከምናዮ ከቢድ ጾር ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ንኡስ እዩ።"