'ንሃገራዊት ጋንታና ክውክል ይመነ ነይረ' - ሕልመን ዝተዀለፈ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ

ኣሻ ሮይ ኣብ ቀረባ እዋን እስላማውያን ጉጅለታት ኣብ ዝተቓወምዎ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ክሳተፍ ትጽቢት ነይርዋ

ምንጪ ስእሊ, Supplied

መግለጺ ስእሊ, ኣሻ ሮይ ኣብ ቀረባ እዋን እስላማውያን ጉጅለታት ኣብ ዝተቓወምዎ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ክሳተፍ ትጽቢት ነይርዋ

ጓል 17 ዓመት ኣሻ ሮይ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ክትሳተፍ ትጽቢት ነይርዋ።

እንተዀነ ገለ እስላማውያን ጉጅለታት ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ባንግላድሽ ክካየድ ዝተሓሰበ ጸወታ ክስረዝ ብምግዳዶም ተስፋኣ ጸልሚቱ'ዩ።

እስላማዊ ጉጅለ ኣንዶላን ባንግላድሽ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ እዩ እቲ ጸወታ ከይካየድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዱ።

ፖሊስ እቲ ከባቢ ድማ ዝኸፍአ ጸገም ከይፍጠር ብምፍርሑ፡ ኣባላት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ንድሕነተን ናብ ገዝአን ክምለሳ ሓቲቱ።

ብሰንኪ'ዚ "ተበሳጭየን ፈሪሐን። ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን። ከይተጻወትና ምምላስና ተስፋ ዘቑርጽ እዩ" ክትብል ኣሻ ሮይ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ባንግላድሽ ኣብዝሓ ኣስላም ዝነብሩላ ሃገር እያ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየዱ ሰፊሕ ተቓውሞታት ስዒቡ ምልካዊ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ምስግጋር ብግዝያዊ ምምሕዳር እናተመርሐት ትርከብ።

እንተዀነ ግን እቶም ተዓብሊሎም ዝጸንሑ 'ተረርቲ' እስላማውያን ጉጅለታት መሊሶም ከየንሳእርሩ ስክፍታታት ተፈጢሩ ኣሎ።

እዚ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰሜናዊ ባንግላድሽ ብሰንኪ ሃይማኖታውያን ተቓውሞታት ተጻወትቲ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ዝተሰረዘ ሳልሳይ ጸወታ እዩ።

ከም በዓል ኣሻ ሮይ ዝኣመሰላ ካብ ገጠር ንዝመጻ ኣዋልድ፡ ኩዕሶ እግሪን ካልእ ስፖርትን ምንጪ ምሕያል ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ኣይኰነን።

ካብ ድኽነት ዝወጽኣሉ መንገዲ'ውን እዩ። እተን ልዑል ዓቕሚ ዘመስከራ ተጻወትቲ ኣብ ስፖንሰር ዝገብራ ክለባት ንምጽዋት ክምረጻን ዕድል ክረኽባን ተኽእሎ ኣሎ።

ገሊአን እውን ንባንግላድሽ ወኪለን ኣብ ዓለምለኻዊ ጸወታታት ክሳተፋ ይኽእላ እየን።

ሃገራዊ ጋንታ ባንግላዲሽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክልተ ተኸታታሊ ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኤስያ ድሕሪ ምዕዋታ፡ ኣባላታ ከም ጀጋኑ ተቖጺረን ነይረን።

መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብሰንኪ'ዚ ዓወት ኣብ ኩዕሶ እግሪ ክሳተፋ ተደሪኸን እየን።

ኣባል ጋንታ ኣሻ ሮይ ዝዀነት ሙሳማት ታራ ሞኒ፡ ዋላ'ኳ እቲ ምፍርራሕ እንተሃለወ ምጽዋት ከምዘይተቋርጽ ትዛረብ።

"ሃገራዊት ጋንታና ክውክል ሕልመይ'ዩ። ስድራይ ይድግፉኒ'ዮም፡ ስለዚ ተስፋ ኣይቆርጽን" ትብል እታ ጓል 16 ዓመት ተጻዋቲት።

ኣሰልጣኒኣ ኑሩል ኢስላም ግን እቲ ተቓውሞ ከምዘይተጸበዮ ይገልጽ።

"ንዝሓለፉ 7 ዓመታት ነታ ጋንታ ኣብ ብዙሓት ውድድራት ክትሳተፍ ገይርና ኢና፡ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ግን ንመጀመርታ ግዜና'ዩ ዘጋጥመና ዘሎ" ኢሉ።

ኩዕሶ እግሪ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ባንግላደሽ ምንጪ ምሕያል ደቂ ኣንስትዮ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Tomal Rahman

መግለጺ ስእሊ, ኩዕሶ እግሪ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ባንግላደሽ ምንጪ ምሕያል ደቂ ኣንስትዮ እዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም እስላማውያን ጉጅለታት፡ እቲ ክቋረጽ ዝገበርዎ ጸወታ ኣንጻር ሃይማኖታዊ ክብርታቶም ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ መጻኢ ዝዀነ ይዅን ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ንኸይካየድ ከምዝቖረጹ ይዛረቡ።

"ደቂ ኣንስትዮ ኩዕሶ ክጻወታ እንተደልየን ምሉእ ኣካላተን ክሽፈና ኣለወን፤ ኣብ ቅድሚ ደቂ ኣንስትዮ ተዓዘብቲ ጥራይ እየን ክጻወታ ዝኽእላ። ደቂ ተባዕትዮ ክጻወታ እንከለዋ ክዕዘቡ ኣይኽእሉን" ክብል መራሒ እስላማዊ ኣንዶላን ባንግላድሽ ማውላና ኣሽራፍ ዓሊ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ማውላና ኣሽራፍ ዓሊ፡ ብተወሳኺ እቲ ጉጅለ "ብርግጽ" ኣብ ባንግላድሽ ተሪር መስመር ዘለዎ እስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ ክቐውም ከምዝደሊ'ውን ኣጽኒዑ ሓቢሩ።

እቲ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ምስራዙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።

ሰብመዚ እውን ንሓደ ካብኣቶም ጸወታት ዳግማይ ክውድቡን ኣብቶም ፍጻመታት ምርመራ ክጅመረን ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

እንተዀነ ግን ፍርሒ ኣኽራርነት ይጋነን ከምዘሎ ይዛረቡ።

ጸሓፊ ግዝያዊ መራሒ መሓመድ ዩኑስ ሻፊቁል ኣላም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "መንግስቲ ንእስላማውያን የቃጥር ኣሎ ዝብል ክስታት ሓቂ ኣይኰነን" ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣማኢት ጸወታታት ስፖርት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወርሒ ጥሪ ከም ኣካል ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ከምዝተኻየዱ ገሊጹ። ኣብ መላእ ሃገር ብዘይ ዝዀነ ጸገም ከምዝተኻየዱ እውን ኣመልኪቱ።

ገለ ሰባት ግን ርግጸኛታት ኣይኰኑን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዳካ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ስነ-ማሕበረሰብ ሳሚና ሉትፋ፡ ምስራዝ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ "ብርግጽ ዘሰክፍ" ምዃኑ እያ ንቢቢሲ ገሊጻ።

"ደቂ ኣንስትዮ ባንግላድሽ ኩዕሶ እግሪ ምጽዋት ኣየቋርጻን፡ ምስራሕን ወይ ንብረተን ምፍራይን'ውን ደው ኣየብላን እየን" ብምባል ደቂ ኣንስትዮ ካብ ህዝባዊ ቦታታት ንምእላይ ዝግበር ጻዕርታት "ኵሉ ሰብ ክቃለሶ" ምዃኑ ጠቒሳ።

ኣብ ዲናጅፑር ተጻወትቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣንጻር ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ እስላማውያን ተቓውሞታት ኣጋጢምወን እዩ

ምንጪ ስእሊ, Sohel Rana

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዲናጅፑር ተጻወትቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣንጻር ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ እስላማውያን ተቓውሞታት ኣጋጢምወን እዩ

መብዛሕትኦም ባንግላደሻውያን ኣኽረርቲ-እስላም ኣይኰኑን፡ ዓለማዊ ክብርታት እውን ኣብቲ ማሕበረሰብ ዓብለልቲ እዮም።

እስላማዊ ኣኽራሪነት ግን ኣብታ ሃገር ሓድሽ ተርእዮ ኣይኰነን።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ገለ ሃይማኖታውያን ጉጅለታት፡ ንብኣምላኽ ዘይኣምኑ ብሎገራት፣ ውሑዳት፣ ወጻእተኛታትን ከምኡ'ውን ካልኦትን ዒላማ ብምግባር፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሎምን ካልኦት ድማ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክሃድሙ ኣገዲዶምን እዮም።

ተዋሳኢት ፖሪ ሞኒ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ተቓውሞ ድኳና ከይትኸፍት ከምዝተገደደት ትዛረብ

ምንጪ ስእሊ, Supplied

መግለጺ ስእሊ, ተዋሳኢት ፖሪ ሞኒ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ተቓውሞ ድኳና ከይትኸፍት ከምዝተገደደት ትዛረብ

ኣብዚ ቀረባ እዋን እውን ዒላማ ዝዀኑ ፀወታታት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ኣይኰኑን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዳካ ኣብ ዝርከብ ፍሉጥ ምርኢት መጽሓፍቲ ኤኩሸይ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ እስላማውያን ተማሃሮ ድኳናት መጽሓፍቲ ከምዘዕነዉ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓንቲ ካብተን ፍሉጣት ተዋሳእቲ እታ ሃገር ዝዀነት ፖሪ ሞኒ፡ ካብ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ዝቐረበላ ተቓውሞታት ስዒቡ ሓደ ድንኳና ክትዓጹ ከምዝተገደደት ትዛረብ።

ንሳ ንቢቢሲ ቤንጋሊ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ሕጂ ናይ ብሓቂ ረዳኢን ውሕስነት ዘይብለይን ኰይኑ ይስምዓኒ ኣሎ" ኢላ።

ካልኦት ተመሳሳልቲ ፍጻመታት እውን ብሰንኪ ምፍርራሕ እስላማውያን ጉጅለታት ተሰሪዙ እዩ።

ከም በዓል ሱፊ ኣስላም ዝኽተሉ ውሑዳት ጉጅለታት እውን ኣብ ልዕሊ ናይ ኣምልኾ ስፍራታቶም ዝፍፀሙ መጥቃዕታት እናወሰኸ ይመፅእ ከምዘሎ ይዛረቡ።

እስላማውያን ኣኽረርቲ ጉጅለ፡ ንሱፊዝም ከም መናፍቕነት እዮም ዝርእይዎ።