ግጭት ኢራን-እስራኤል ንዋጋታት ነዳዲ ብኸመይ ይጸልዎ'ሎ?

መርከብ ነዳዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዝሓለፈ ዓርቢ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝኸፈተቶ መጥቃዕቲን ስዒቡ ኢራን ዝሃበቶ ግብረመልስን ነቲ ብቐደሙ'ውን ተሃዋሲ ዝጸንሐ ወጥሪ ማእከላይ ምብራቕ ኣጋዲድዎ፣ ዋጋ ነዳዲ ድማ ብናህሪ ክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ'ሎ።

እቲ ኵነታት ኣብ ዝጀመረሉ፡ነዊሕ ከይጸንሐ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብልዕሊ 10 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ። እዚ ድማ ካብ ጥሪ ዝለዓለ ደረጃ ወሰኽ ዋጋ ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።

ሃገራት እቲ ኣብ መንጐ ኢራንን እስራኤልን ዘሎ ግጭት ነቲ ካብቲ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነ ዞባ ዝመጽእ ቀረብ ነዳዲ ከደናጕዮ ከምዝኽእል ይሰግኣ።

ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ እንተወሲኹ ድማ ካብ ነዳዲ ክሳብ ዋጋ መግቢ ክጽሎ ምዃኑ ይፍለጥ።

ዋጋ ነዳዲ ኣብ ኤውሮጳ ቅሩብ ምንቍልቋል ኣርእዩ'ኳ እንተነበረ፡ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ግን ካብቲ ቅድሚ'ቲ ግጭጥ ዝጀመረሉ መዓልቲ - ሓሙስ ምሸት - ዝነበረ ዋጋ ብ5 ሚእታዊት ወሲኹ'ሎ።

ኣብ ለንደን ዋጋ ሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ 72.80 ዶላር ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ኒውዮርክ ድማ ብ73.20 ዶላር ተሸይጡ።

እዚ ኰይኑ ግን፡ እቲ ኣብዚ እዋን ዝርአ ዘሎ ዋጋ ነዳዲ ሕጂ'ውን ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ብ10 ሚእታዊት ዝወሓደ እዩ።

ብተወሳኺ እዚ ወሰኽ ካብቲ ሩስያ ኣብ መጀመርታ 2022 ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር ዝተራእየ ወሰኽ ንታሕቲ ምዃኑ ይሕበር።

ኣብቲ እዋን ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንሓደ በርሚል ልዕሊ 100 ዶላር ወሲኹ ነይሩ።

ነዳዲ እትመልእ መኪና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መላእ ኤስያን ኤውሮጳን'ውን ዋጋታት ኣክስዮናት ወሪዱ።

ከም "ውሑስ" ዝቝጸሩ ከም ወርቅን ስዊስ ፍራንክን እውን መኽሰብ ኣመዝጊቦም።

ገለ ኣውፈርቲ ነዞም ንብረታት ኣብ እዋን ዓለማዊ ዘይርጕጽነት ከም ውሑስ ወፍሪ ይርእይዎ።

ዋጋ ወርቂ ንተኸታተልቲ ክልተ ኣዋርሕ ዝለዓለ ወሰኽ ኣረእዩ ኣሎ።

ድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ኣስታት 100 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ናብታ ሃገር ከምዝወረደት ኣፍሊጡ።

ተንተንቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነጋዶ ነዳዲ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት እቲ ግጭት ክሳብ ክንደይ ከም ዝጋደድ ከጽንዑ ምዃኖም ሓቢሮም።

ቫንዳና ሃሪ ካብ ቫንዳና ኢንሳይትስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ጥቅምትን ዝረኣናዮ፡ እስራኤልን ኢራንን ብቐጥታ ክጋጨዋ ከለዋ፡ ቀልጢፉ ክጋደድ ይኽእል'ዩ፡ እንተዀነ ሓደገኛ'ዩ" ኢላ።

'ንቀረብ ነዳዲ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ዝዘርግ ዓቢ ኲናት ክዓርግ ይኽእል'ዩ" ክትብል'ውን ወሲኻ ገሊጻ።

ተንተንቲ ካፒታል ኢኮኖሚክስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ መሳለጥያታት ምፍራይን ሰደድን ነዳዲ ኢራን ዒላማ ተገይሩ እንተዀይኑ፡ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንሓደ በርሚል ካብ 80 ክሳብ 100 ዶላር ክበጽሕ ከምዝኽእል ገሊጾም።

ይዅን እምበር ከምዚ ዓይነት ወሰኽ ዋጋ ንኻልኦት ኣፍረይቲ ነዳዲ ምህርቶም ንኸዕብዩ ዘተባብዕ ምዃኑን ኣብ መወዳእታ ድማ ወሰኽ ዋጋን ዝቕባበ ዋጋን ዝድርት ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ናይቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ተቘጻጻሪ ኣካል RAC ሮድ ደኒስ ብወገኑ እዚ ዳሕረዋይ ወሰኽ ኣብ ሓፈሻዊ ዋጋ ነዳዲ እንታይ ጽልዋ ከምዘሕድር ተሃዊኽካ ንምግላጽ ከምዝኸብድ ኣረዲኡ።

"ክልተ ወሰንቲ ረቛሒታት ዝጻወትዎ ተራ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ልዑል ዋጋ ነዳዲ ጅምላ እንተተራእዩ፡ ችርቻሮታት'ውን ነዚ ክስዕብዎ ተኽእሎ ኣሎ"ድማ ይብል።

እንተገደደ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ወይ መራኽብ መጥቃዕቲ እንተበጺሕወን፡ ኢራን ቀረብ ሚልዮናት በርሚል ነዳዲ ኣብ መዓልቲ ከተጐናድቦ ትኽእል እያ።

ገማግም መጻብቦ ሆርሙዝ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ንግዳዊ መስመራት መራኽብ ዓለም እዩ። ሓደ ሕምሲት ክፋል ናይ ዓለምና ነዳዲ ብእኡ ይሓልፍ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ነዳድን ጋዝን ዓማዊሎምን ነዳዲ ብመንገዲ እቲ ዞባ ስለዘጓዓዕዙ፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ተዓጽየን ዝጸዓና ዓሰርተታት መራኽብ ነዳዲ ኣለዋ።

ብሰሜን ምስ ኢራን፡ ብደቡብ ድማ ምስ ኦማንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝዳወብ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ንወሽመጥ ሆርሙዝ ምስ ባሕሪ ዓረብ ዘራኽብ እዩ።

"እዚ ሕጂ ብኣጋኡ ንርእዮ ዘለና ግብረ መልሲ ናይቲ ቅልውላው'ዩ። ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ መዓልታት ግን፡ ዕዳጋ ናበይ ክመርሕ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ከእቱ ክግደድ'ዩ" ይብል ሓላፊ መጽናዕቲ ጸዓት ኣብ ኤምኤስቲ ፋይናንሻል ሳውል ካቮኒክ።