ብሰንኪ ጻዕቂ ትራፊክ ደንጒያ፡ ካብ ሓደጋ ነፋሪት ዝደሓነት ተምሃሪት

ምንጪ ስእሊ, Bhoomi Chauhan
ብሁሚ ቻውሃን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሕመዳባድ ንምብጻሕ፡ ጻዕቂ ትራፊክ 10 ደቒቕ ስለ ዘደናጐያ ኣዝያ ተቘጥዐት።
እዛ ምስ ብዓል-ቤታ ኣብ ብሪስቶል እትነብር ተምሃሪት ምሕደራ ንግዲ፡ ኣውደ-ኣመት ንምኽባር እያ ናብ ምዕራብ ህንዲ ዝገሸት።
እታ ጓል 28 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ዕለተ ሓሙስ ብመንገዲ AI171 ኣቢላ ብምብራር ናብ ቤታን ብዓልቤታን ክትከይድ ነይሩዋ። እታ ዘምለጠታ ነፋሪት ድሕሪ ምንቃላ ከይጸንሐት ተሓምሺሻ፣ ኣብታ ነፋሪት ዝተሳፈሩ 241 ከምኡ'ውን ካልኦት ኣብ መሬት ዝነበሩ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።
ቻውሃን እታ ነፋሪት ከይተበገሰት እንከላ እያ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሓ፣ ሰራሕተኛታት ናይቲ መንገዲ ኣየር ግን ክትኣቱ ኣይፈቐዱላን።
"ንመራሒ መኪናና ኣዚና ተቘጢዕና፣ ብብስጭት ድማ ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ወጺእና፡ ኣዝየ እየ ተስፋ ቈሪጸ ነይረ" ።
"ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ወጺእና ኣብ ሓደ ቦታ ሻሂ ክንሰቲ ኮፍ ኢልና። ድሕሪ ቍሩብ ግዜ፡ ቅድሚ ምብጋስና... እቲ ትኬት ከመይ ገይርና ከም እንመልሶ ምስ ወኪል ጕዕዞ ንዘራረብ ነይርና።
"ሽዑ፡ እታ ነፋሪት ከም ዝወደቐት ዝገልጽ ጻውዒት ተቐቢለ።"
ንሳ ንኣገልግሎት ቢቢሲ ጉጃራቲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እዚ ንዓይ ፍጹም ተኣምር'ዩ፡" ኢላ።
ቻውሃን፡ ሰዓት 12፡00 ድሕሪ ቀትሪ - ምድያብ ምስ ተጀመረ ድሕሪ 10 ደቒቕ - ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝበጽሐት ትዛረብ።
ዋላ'ኳ ብኢንተርነት ክትኣቱ ከም እትኽእል እንተ ኣረጋገጸት፡ እቶም ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ግን ከም ዘይፈቐዱላ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ካብ ኣንክለሽዋር ነቒላ 201 ኪሎሜትር ተጓዒዛ ኣብ ኣሕመዳባድ ምስ በጽሐት፡ ኣብ ማእከል ከተማ ጻዕቂ ትራፊክ ስለ ዝጸንሓ ክትድንጒ ተገደደት።
"እታ ነፋሪት ምስ ኣምለጠትኒ ጕህየ ነይረ። ኣብ ኣእምሮይ፡ 'ቍሩብ ኣንጊሀ እንተ ዝነቅል እኮ መርከብኩ ነይረ' ዝብል ጥራሕ እዩ ነይሩ።"
"10 ደቒቕ ጥራሕ ስለ ዝደንጐኹ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ከእትዉኒ ሓቲተዮም፣ 'ኣነ ናይ መወዳእታ ተሳፋሪት ብምዃነይ በጃኹም ክድይብ ፍቐዱለይ' ኢለዮም፣ ግን ኣይፈቕዱለይን።"
እታ ነፋሪት ከምቲ ዝተመደበላ ሓሙስ ድሕሪ-ቐትሪ ተበጊሳ። ንላዕሊ ክተንቃዕርር ግን ኣይከኣለትን፣ ኣብ በረራ ኣስታት 30 ካልኢት ድሕሪ ምጽናሕ ተሓምሺሻ።
እታ ነፋሪት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብምውዳቓ፡ 241 ተጓዓዝትን 12 ሰራሕተኛታትን ሞይቶም። ኣብ መሬት ካብ ዝነበሩ ክሳዕ ሕጂ 8 ሰባት ከም ዝመቱ ተፈሊጡ ኣሎ።
ካብቶም ተሳፈርቲ፡ ቪሽዋሽኩማር ራሜሽ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ጥራሕ ድሒኑ።
ህንዳውያን፡ ፖርቱጋላውያንን ካናዳውያንን ዜጋታት ኣብታ ነፋሪት ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







