ኣብዚ እዋን ኣብ ስራሕ ዓለም ተደላዪ ዝዀኑ ክእለታት

ኩነታት ዓለም ብቕልጡፍ ይቀያየር ኣሎ።

ሓደሽቲ ቴክኖሎጂ ንብዙሕ ነባር ዓውዲ-ስራሕ ዘይረብሕ ይገብርዎ ኣለዉ። እቲ ሕቶ ንባዕልኻ ከመይ ተዘምን እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ምኽንያቱ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣገደስቲ ተባሂሎም ዝእመነሎም ዓውድታት ስራሕ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ክርስዑን ክጠፍኡን ይኽእሉ እዮም።

ንኣብነት፡ ‘ዓለም-ለኸ ቁጠባዊ ፎረም’ [ዎርልድ ኢኮኖሚክ ፎረም] ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ መፅናዕቲ፡ ክልተ ጉዳያት ንነገራት ዓለም ይቕይሩዎ ከምዘለዉ የመልክት።

እቲ ሓደ ምምጻእ ሓደሽቲ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት እንትኸውን፡ እቲ ካልኣይ ድማ ዓለም ናብ ሓምለዋይ ቁጠባ እትገብሮ ጉዕዞ እዩ።

እዚ ለውጥታት ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝርከቡ ሰብ-ሞያ'ውን ውዒሉ ሓዲሩ ምፅላዉ ኣይተርፍን።

ብሓደ ገፅ እቶም ቴክኖሎጂታት ናብ ዓድና ምትእታተዎም ዘይተርፍ ምዃኑ፡ ብኻልእ ገፅ ድማ ምስቲ ዝረአ ዘሎ ሰፊሕ ዝንባለ ስደት-ናብ ዝማዕበሉ ሃገራት፡ ነዚ ለውጥታት ተገንዚብካ ኣድላይ ክእለት ኣጥሪኻ ምፅናሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይገብሮ።

በዚ መሰረት፡ እቶም ዝተኣታተዉ ዘለዉ ሓደሽቲ ዓውድታት 'ሰርብ-ሰርሖ-ብልሒ' [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ.፣ 'ቢግ ዳታ'ን 'ክላውድ ኮምፒዩቲንግ'ን ኣብ ስራሕ ዓለም ርኡይ ለውጢ ከምጽኡ እዮም።

እዞም ሓደሽቲ ኣርእስቲ፡ ዋላ እኳ ንገለ ነባር-ዓውድታት ግዜኦም ዝሓለፎምን ዘይተደለይትን እንተገበሩ፡ እቲ ጽቡቕ ዜና ግን ዝዀነ ሒዞምዎ ዝመፅኡ ዕድላት ምህላዉ እዩ።

እዚ ማለት፡ ምምጻእ ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት ሓደስቲ ስራሕቲ ሒዞም ዝመፅኡ ምዃኖም እዩ።

ምትዕጽጻፍ እንተገይርካ ንርእስኻ እንተኣዘሚንካን፡ ምስ'ቲ ዘበን ዝኸይድን ተደላይን ክእለት ክተጥሪ ትኽእል ኢኻ።

ተመራመርቲ 'ዓለም-ለኸ ቁጠባዊ ፎረም'፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ብውሑዱ ርብዒ ካብ ስራሕ ዓለም ክጠፍእ ምዃኑ ይገልጹ።

ነዚ እዩ ድማ ኣብዚ ፈታኒ እናዀነ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም፡ ተወዳዳሪ ኮይንካ ንምፅናሕ ሓደሽቲ ክእለት ምጥራይ ኣገዳሲ ኰይኑ ዝርከብ ዘሎ።

ተደለይቲ ክእለታት

ኣብ ሓድሽ ዓለም ስራሕ ንኽትወዳደርን ንኽትበልጽን ቴክኒካዊ ክእለት ኣገዳሲ እዩ።

እዚ ማለት ኩሉ ሰብ ‘ፕሮግራሚን’ ኮምፒተር ክፈልጥ ወይ ኣብቲ ዝተራቐቐ ዓውዲ ማሽን ክፈልጥ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን።

ኣብ ቀፃሊ ግን ኣብ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምህንድስናን ሒሳብን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ብሉፃት ዝኾኑ ሰባት ሓያል ጠለብ ክህልዎም እዩ ንምባል እዩ።

‘ወደይ ኣብ ምንታይ ትምህርቲ ክብለጽ ኣለዎ?’ ኢልካ እንተሓቲትካ፡ መልሱ ሒሳብ ኮምፒተር ሳይንስ ወይ ተፈጥሮኣዊ ሳይንስ ክኸውን ኣለዎ።

ቀጺሉ ‘ትንተናዊ ኣተሓሳስባ’ [Analytical Thinking] ወይ ጥበብ ምትንታን ነገራት ኣገዳሲ ክእለት እዩ።

እዚ ንምግባር፡ ብስምዒትን ውልቃዊ ምርጫታትን ከይተገደብካ፡ ናይ ምሕሳብን ምምዝዛንን ክእለት፡ ንነገራት ናይ ምትእስሳርን ኣብ ውሳነታት ናይ ምብጻሕን ክእለት የድሊ ማለት እዩ።

ነዚ ክእለት ንምምዕባል ንጡፍ ምዃንን ብጥንቃቐ ምሕሳብን የድሊ።

ኣብዚ ሞባይላት፣ ማሕበራዊ መራኸቢታት፣ ጸወታታትን መወዓውዒታትን ንኣቓልቦና ይወዳደሩሉ ዘለዉሉ ዘመን፡ እዚ ክእለት እዚ ንምምላኹ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።

‘ትንተናዊ ሓተታ’ ፍልጠት ንምድላይን ንርእሰ-ምምሕያሽን ዝምቹእ እዩ። መጽናዕትና ብቐጻሊ ከነመሓይሽን ኣብ ዕላማና ከነተኩርን ኣለና።

ብዝተኻእለ መጠን ድማ፡ ክእለት ቋንቋ እንግሊዝና ዕሽሽ ክበሃል ዘይክእል ኣገዳሲ ዓውዲ ኰይኑ ይጥቀስ።

ናይ ፈጠራ ክእለት እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ሳይንስ፣ ምህንድስና፣ ዲዛይንን ስነ ጥበብን ዝዕወቱ፡ ቴክኒካዊ ፍልጠቶም ምስ ናይ ፈጠራ ክእለቶም ዘወሃህዱ እዮም።

ኣብ ዘመነ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ዝግበር ክእለት ርክብን ርህራሄን እቶም ብዙሓት ክረኽብዎም ዘይክእሉ ክልተ ኣገደስቲ ክእለታት እዮም።

ቕልጣፈን ዕቤትን ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብዘየገድስ፡ ሰብ ብዘይ ሰብ ክነብር ኣይክእልን እዩ።

ክእለት ሓቢርካ ምስራሕ፣ ክእለት ምድማፅ፣ ዛንታ ናይ ምንንጋር ክእለትን ርህራሄን ኩሉ ግዜ ዝዓበየ ቦታ ክህልዎም እዩ።

ኣብ ኤውሮጳ 2020 ብናይ ሰብ ሞያ ማሕበራዊ መራኸቢታት ‘ሊንክድኢን’ ዝተሓትመ ጸብጻብ፡ ተረዳድኦ [ኮምኒካሽን] ኣብ ዓለምና እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክእለት ኮይኑ ኣሎ።

ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት

ኣብ ዝመጽእ ዓለም ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ሓደስቲ ቴክኖሎጂታትን ኣዝዮም ኣገደስቲ ክኾኑ ምዃኖም ምንም ጥርጥር የብሉን።

'ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ'ን 'ማሽን ለርኒንግን' እናማዕበለ ምስ ከደ፡ ሓደስቲ ዕድላት እውን እናማዕበሉ ይኸዱ።

'ፕሮምፕት ኢንጂነር' ዝብል ስራሕ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ርክብን ዘወሃህድ እዩ።

እዚ ዓውዲ፡ ኣብ ቀፃሊ ጠለቡ ክውስኽ ትፅቢት ይግበር።

ካልእ ምስ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተኣሳሰር ክድለ ዝኽእል ዓውዲ ድማ ስነ-ምግባር እዩ።

እዚ ስራሕ እዚ ንመሃንድሳት ስነ-ምግባርን ጸጥታን ዝምልከት ኮይኑ፡ ብዛዕባ ንኣጠቓቕማ ምትእስሳር ሰብን ማሽንን ዝምልከት እዩ።

ብሓፈሻ ሰባት ንኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከም ጸላኢ ዘይኮነስ ከም ፈታዊ ርእዮም፡ ከመይ ጌሮም ከም ዝሰርሑ ክመሃሩ ይምከር።

ካልኦት ሰፊሕ ጠለብ ዘለዎም ስራሓት፡ ኣብ ዓውዲ 'ቢግ ዳታ' ዝምደቡ ኮይኖም፡ ከም ኔትፍሊክስ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መርበባት ሓበሬታ ይጥቀሙሉ ኣለዉ።

ክኢላታት 'ሳይበር-ሴኩሪቲ' እውን ካብ ስራሕ-ዓለም ፈጺሞም ኣይክወጹን እዮም።

ክኢላታት ፋይናንሳዊ ቴክኖሎጂ፡ ተንተንቲ ቢዝነስን ክኢላታት 'ብሎክቸይንን' ድማ ካብቶም ኣዝዮም ተደለይቲ ሰብ ሞያ ክዀኑ እዮም።

ሓምለወይቲ-ዓለም

ዕንወት ተፈጥሮኣዊ ከባቢን ለውጢ ከባቢ ኣየርን፡ ኣብ መፃኢ ዓለምን ህዝባን ከስዕቦ ዝኽእል ሳዕቤን፡ ኣቕሊልካ ዝረአ ኣይመስልን።

ብሰንኪ እዚ ለውጥታት፡ ሃንደበት ዘጋጥም ተጓንፎታትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ክብደቱ እናወሰኹ ይመፅእ ኣሎ።

ስለዚ ነዚ ሓደጋ ንምክልኻለን ንምግታእን ምዕቃብ ተፈደጥሮን ምሕዳስን ዓብዪ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ስለዚ ምስ ተፈጥሮ ዝሰማምዑ ምህዞታትን ስራሕትን፡ ብፍላይ ምዕቡላት ሃገራትን ዓርሞሸሽ ኩባንያታትን ኣብ ቀፃሊ ቢልዮናት ዘውፍሩሎም ዓውዲታት ክዀኑ እዮም።

ብመሰረት ርኽበት መፅናዕቲ 'መድረኽ ቁጠባ ዓለም'፡ ጠለብ ሓምለዋይ ስራሕ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ክሳብ 2030 ኣብ ጽሩይ ጸዓትን ትሑት ልቀት-ካርቢንን ዝሰርሑ መደባት ፡ 30 ሚልዮን ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥሩ ይሕብር።

ንሕጂ ምዕራባውያን ሃገራት ጥራይ እየን ኣብ ዓውዲ 'ሓምለዋይ ስራሕ' ሸቕሊ ዝፈጥራ ዘለዋ።

እንተዀነ፡ ከም በዓል ጃፓንን ቻይናን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ኣብቲ ዓውዲ ይቕልቀላ ኣለዋ።

ነደፍቲ፣ ኣርኪተክተራት ከተማታት፡ ከምኡ'ውን ዲዛይነራትን ሃነጽቲ ኣባይትን'ውን ሰፊሕ ጠለብ ክህልዎም እዩ።

ሰብ ሞያ ጥዕና

ዝበዝሕ ህዝሒ ህዝቢ ዓለም ብዕድመ-ዝደፍአ ይኸውን ኣሎ።

ኣብዛ ምድሪ ብዕድመ ናይ ምንባር ዕድል'ውን፡ ናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ማለት ንደቂ ሰባት ምሕካም ጠለብ ዝሓትት ዓውዲ እዩ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ጠለብ ኣይክስእኑን እዮም።

ብፍላይ እቶም ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዝሰርሑ፡ ንሕሙማቶም መድሃኒት ብምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሞራላዊ ደገፍ ብምሃብ፡ ሰፊሕ ጠለብ ክህልዎም እዩ።

ሓካይምን ሰብ ሞያ ጥዕናን ግን ሓድሽ ኣገባብ ሕክምና ክመሃሩ ኣለዎም። ነዚ ንምሕጋዝ 'ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ' ኣብ ረብሓ ዘውዕለልሉ መገዲ ምፍላጥ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።

ኣብ ገዛእ-ርእስኻ ለውጢ ንምምጻእ ዝሕግዙ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓካይምን ኣማኸርትን ወይ ድማ ኣብ መራሕቲ መንፈሳዊ ዓለም፡ ተደላይነቶም ኣይክጐድልን።

ሞያ ኢደ-ጥበብ

ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ከም መካኒክ፣ ጸገምነቲ፣ ኤሌክትሪሻናትን ሰብ ሞያ ህንፀትን ዝኣመሰሉ ኢደ ጥበበኛታት ተጠለብቲ ኰይኖም ክቕፅሉ እዮም።

ደቐቕትን ኣናእሽቱን ተባሂሎም ዝእመነሎም ፀገማት ንምፍታሕ ኣድላዪ ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ።

ሞያ ዘለዎም ሰባት ግን ጠለቦም ንምዕባይ ብቐጻሊ ክእለቶም ከማዕብሉ ኣለዎም።

ኣብ ሕርሻዊ ዓለም ሓደስቲ ስራሕቲ እውን ልዑል ጠለብ ክህሉ እዩ።

ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እናበዝሐ ምስ ከደ ኩሉ ሰብ ክበልዕን ክድቅስን ስለዘድልዮ።

እንተዀነ፡ ኣብ ቀጻሊ ነዚ ሕቶ ዝምልሱ መሃንድሳት 'ምበር ሓረስቶት ኣይክዀኑን።

ክጠፍኡ ዝኽእሉ ዓውድታት

ንዘመናት ብክኢላታት ክስርሑ ዝጸንሑ ገለ ሞያታት ድሕሪ ደጊም ጠለብ ኣይክህልዎምን እዩ።

ዛጊድ፡ ኮምፒዩተራት ወይ ማሽናት ንሞያውያን ወይ ንፍሉያት ሰራሕተኛታት ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ኪትክእ ካብ ዝጅምር ዓመታት ሓሊፉ እዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ብሰንኪ እዚ ቅልጡፍ ለውጢ፡ ተደላይነቶም ክጠፍኡ ካብ ዝኽእሉ ዓውድታት፡

  • ኣገልግሎት ዓማዊል (ካሻየር፣ ሰራሕተኛታት መሸጣ፣ ኣማኸርቲ...)
  • ምሕደራ ቤት ፅሕፈት (ካብ ገዛ ኮይንካ ምስራሕ ዝብል ኣምር እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ)
  • ዳታ ምእታው (ስታቲስቲክስ፣ ፋይናንስ፣ ትራንስክሪፕተራትን ተርጐምትን)
  • ኣካውንቲንግ [ስራሕቲ ፋይናነሳዊ-ሒሳብ]
  • ተደጋጋሚ/ተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ

ገለ ይርከቡዎም።

ብኣንጻር እዚ፡ እቲ ኣብ መጻኢ ዓለም ጠለቡ ዘይጐድል ዓውዲ፡ 'ዛንታ ናይ ምዝንታው' ክእለት ኰይኑ፤ ስነ-ፅሑፍን ስነ-ጥበብን ኣድላይ ኰይኑ ክነብር እዩ።

'ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ' ነቲ ዓውዲ ዝፈታተኖ'ኳ እንተኾነ፡ ደረስቲ፣ ገጠምቲ፣ ኣፍረይቲ፣ ተዋሳእቲ፣ ኮሜድያናት፣ ስነጥበባውያንን ሙዚቀኛታትን ተጠለብቲ ኰይኖም ክቕፅሉ ሰፊሕ ተኽእሎ ኣሎ።