ሕደ ጾታዊ ንዝዀነ ኣሜሪካዊ ዝቐተለ ሰብ ንዕድመ ልክዕ ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ካሊፎርንያ፡ ሕደ ጾታዊ ንዝዀነ ኣይሁዳዊ ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ዝተቐተለ ሰብ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተፈሪድዎ።
ወዲ 27 ዓመት ሳሙኤል ዉድዋርድ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንወዲ 19 ዓመት ብሌዝ በርንስተይን፡ ልዕሊ 28 ግዜ ኣብ ገጹን ክሳዱን ብኻራ ወጊኡ ከምዝቐተሎ ተገሊጹ።
ፖሊስ ንሬሳ በርንስተይን ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ፍተሻ ኣብ ሓደ ካብ ሎስ ኣንጀለስ ንደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 70 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መናፈሻ ረኺቦሞ።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ዉድዋርድ ምስ ሓደ ኒዮ-ናዚ ኣኽራሪ ጉጅለ ርክብ ከም ዘለዎን ብጽልኢ ንሕደ ጾታውያን ደቂ ተባዕትዮ ብኢንተርነት ዒላማ ከም ዝገበረን ከሲሶሞ።
"ዝኾነት ኣደ ንውላዳ ክትቀብር ክትግደድ የብላን...ልበይ ኣዝዩ ተሰቢሩ’ሎ። ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ምቕባል ይኣብየኒ’ሎ” ክትብል ኣደ እቲ መዋቲ ጂን ፐፐር ገሊጻ።
ወሲኻ ድማ፡ "ብሌዝ 28 ግዜ ብኻራ ተወጊኡ ከምዝሞተ ዝሰማዕኹላ ህሞት ፈጺመ ኣይርስዓን። ብኸምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ መንገዲ ከም ዝሞተ ምፍላጠይ፡ እቲ ዘጋጠመኒ ሓዘን ዝገደደ መሪር ገይርዎ’ሎ” ኢላ።
ጠበቓታት ዉድዋርድ፡ ንነዊሕ እዋን ዘይተረጋገጸ ናይ 'ኦቲዝም' ጸገም ጥዕና ከም ዘለዎ ተማጒቶም ነይሮም።
እቲ ፍርዲ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ዉድዋርድ ሕቶታት ምስ ተላዕለ ንዓመታት ተደናጒዩ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ 2022 ግን ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ብቑዕ ኮይኑ ተቖጺሩ።
ኣብ ጥሪ 2018፡ በርንስታይንን ዉድዋርድን ሓደ ምሸት ከምዝተራኸቡ ዉድዋርድ ንፖሊስ ሓቢሩ።
ኣብቲ ሽዑ ምሸት በርንስተይን ንዉድዋርድ ምስ ሰዓሞ ከምዝተቖጥዐ ዝገልጽ ዉድዋርድ ብድሕሪኡ ብተደጋጋሚ ብኻራ ወጊኡ ከምዝቐተሎ ንፖሊስ ተዛሪቡ።
ወለዲ በርንስተይን፡ ንጽባሒቱ ቆጸራ ሓኪም ስኒ ድሕሪ ምሕላፉን ብዙሕ ግዜ ክረኽብዎ ፈቲኖም ምስ ሰኣንዎን ተጠራጢሮም።
ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ብምድህሳስ ድማ በርንስተይንን ዉድዋርድን ብስናፕቻት ክጸሓሓፉ ከምዝጸንሑ ረኺቦም።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ፖሊስ ኣብ ጥቓ ገዛ ስድራቤት በርንስተይን ኣብ ዝርከብ መናፈሻ፡ ሬሳ በርንስታይን ብኻራ ተወጊኡ ረኺቦሞ።

ምንጪ ስእሊ, OC Sheriff
ዉድዋርድ ኣብታ ዝተኻረያ መኪና ናይ በርንስተይን ምርመራ ዲኤንኤ ምስተረኸበ እዩ ተታሒዙ።
ፖሊስ ኣብ ገዛ ዉድዋርድ ፈተሻ ኣብ ዘካየደሉ ግዜ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ ኣሰር ደም ዘለዎ ዝዕጸፍ ካራ ከምኡ’ውን ጸረ-ሕደ ጾታውያንን ጸረ-ሴማውያንን ብጽልኢት ዝተመልአ ጽሑፋትን መጽሔትን ከም ዝረኸቡ ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።
ጠበቓ ዉድዋርድ፡ ሕደ ጾታውነት ብግልጺ ኣብ ዝንቀፈሉ ካቶሊካዊ ገዛ ስለዝዓበየ፡ ብዛዕባ ጾታዊ መንነቱ ከምዝተደናገረ ገሊጹ።
ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ፡ ዉድዋርድን በርንስተይንን ብናይ ዕርክነት መተግበሪ (ኣፕ) ኣቢሎም ተራኺቦም።
ኣብ ዝተራኸብሉ ግዜ በርንስተይን ካብ ዩኒቨርሲቲ ፐንሲልቫንያ መጺኡ ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ንዝርከቡ ስድርኡ ይበጽሕ ከምዝነበረን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓደ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተማሂሮም ከምዝነበሩን ድሕረ ባይታኦም የመልክት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







