እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ንምንታይ 'ስቕታ' መሪጻ?
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘመነ-ስራሕ 2017 [ግ] ከምዝጅምር ድሕሪ ምግላጹ፡ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝወዘጸኣቶ መልእኽቲ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኰይኑ’ሎ።
እታ ፕረዚደንት እንታይ ከምዘጋጠማን ንምንታይ ነቲ ዘይንጹር መልእኽቲ ኣብዚ እዋን ከተመሓላልፎ ደልያ ዝብልን መልሲ ኣይረኸበን።
ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ናብ ፕረዚደንትነት መንግስቲ ፌደራል ምምጽኣ ይፍለጥ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ መራሒት ሃገር ኮይና ኣብ ዝተሓጽየትሉ እዋን ኣብ ናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ሓላፊትን ወኪልን ሕቡራት ሃገራት እያ ነይራ።
ኣብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ለካቲት 75 ዓመት ዕድመ እትመልእ እታ ፕረዚደንት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኮይነን ካብ መንጎ ዝተመዘዛ ቀዳሞት ደቂኣንስትዮ ዲፕሎማሰኛታት ሓንቲ ኮይና ኣደ ክልተ ቈልዑ እያ።
ንሳ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ብምዃን ናብ ስልጣን ኣብ ዝደየበትሉ እዋን እቲ ቦታ ርኡይ ሓላፍነትን ስልጣንን ዘለዎ ኣይኮነን ክብሉ ዝነቐፉ ነይሮም።
ካልኦት ድማ ምልክት ሃገር ብምዃን ከም መጠን ጓልኣንስተይትን በዓልቲ ውህሉል ተሞክሮን ኣገደስቲ ዕማማት ክትፍጽም እትዝኽእለሉ ዕድል ከምዝህሉ ተስፋ ገይሮም ነይሮም።
ነታ ፕረዚደንት ቅር ዘበለ ጉዳይ እንታይ’ዩ?
ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብቀዳም 25 መስከረም 2017 ግ. [05/2024] ንገለ ክፋላት ግጥሚ ደርፊ ፍሉጥ ድምጻዊ ማሕሙድ ኣሕመድ ብምጥቃስ ኣብ ‘ኤክስ’ ዝዘርግሓቶ ዘይንጹር መልእኽቲ ንተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምድንጋር ፈጢሩ ኣሎ።
ይኹን እምበር፡ ካብ ግጥሚ እታ ደርፊ ዝወጽእ ሓሳባትን መደምደምታን እታ ፕረዚደንት “ቅር ከምዝበላ” ከምኡ’ውን "እትኸደሉን እትወጽኣሉን" ከም ዝጠፍኣ፤ ነዚ ድማ መልሳ "ስቕታ" ከምዝኾነ የመልክት።
ኣብ መደምደምታ ናይቲ ሓጺር ጽሑፋ ከኣ ነዚ ናይ ስቕታ ኣማራጺ "ንሓደ ዓመት" ከም ዝፈተነቶ ገሊጻ።
ይኹን’ምበር ስቕታ ክትመርጽ ዘገደዳ ጸቕጢ ካበየናይ ሸነኽ ከም ዘጋጠማን እንታይ ምዃኑን እታ መራሒት ሃገር ብንጹር ኣይገለጸትን። ቤት ጽሕፈታ’ውን ብዛዕባ እቲ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብ ውልቃዊ ማሕበራዊ ገጻ ዝጠቀዐቶ መልእኽቲ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ሓቢሩ’ሎ።
ቢቢሲ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ካብ ስልጣና ክትወርድ መደብ ከምዘለዋ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በጺሕዎ ነይሩ። ግን ድማ ቅርበት ካብ ዘለዎም ሰባት ንምርግጋጽ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።
እቲ ሕጂ ዝጠቀዐቶ ጽሑፍ’ውን እንተኾነ ካብ ስልጣና ክትለቅቕ ብዛዕባ ምዃና ዘመልክቶ ነገር የለን።
ቢቢሲ ድሕሪ እቲ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ ዝፈልጥዎ ነገር እንተሃልዩ ንኽልተ ብቐረባ ዝፈልጥዋ ሰባት ሓቲቱ።
ንሳቶም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ እታ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት “ኣብ ዙርያኣ ብዝፍጸም ዘሎ ነገራት” ብፍላይ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብዝካየድ ዘሎ ሓድሕድ ኲናት ሕጉስቲ ከምዘይኮነት ካብ ምሕባር ወጻኢ ርግጸኛታት ኰይኖም ክዛረቡ ከምዘይክእሉ ተዛሪቦም።
ንድሕነቱ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ካብቶም ብቐረባ ዝፈልጥዋ ሰባት፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ እታ ፕረዚደንት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ብእተሕልፎም መልእኽቲታት ሕጉስ ከምዘይኮነ ዝሕብር መልእኽቲ “ብተዘዋዋሪ መንገዲ ከምዝበጽሓ እፈልጥ እየ" ኢሉ።
በዚ ምኽንያት ድማ እታ ፕረዚደንት ሕጉስቲ ከምዘይኮነት፤ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከምኡ’ውን ካልኦት ውሑዳት ዓመታዊ ፍጻመታት ድማ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ምርኻብ ብዝሰገረ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ከም መጠን መራሒት ሃገርን መራሒ መንግስትን ጥቡቕ ርክብን ምምኽኻርን ከምዘየለ ሓቢሩ።
ካልእ ነታ ፕረዚደንት ብቐረባ ዝፈልጣ ሰብ ብወገኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያኣ ባዕላ ትጽሕፍ ምዃና ከምዝፈለጥ ገሊጹ።
እታ ፕረዚደንት ቅርታኣ ብወግዒ ክትጽሕፍ ዝደለየት ከኣ ሰኑይ 27 መስከረም 2017 ግ. [07/2027] ኣብ ዝካየድ ሓበራዊ ጉባኤ ባይቶታት ወከልቲ ህዝብን ፌደሬሽንን ምስ እትቕርቦ መደረ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል ግምቱ ተዛሪቡ።
በብዓመቱ ክልቲኦም ባይቶታት ስራሕ ክጅምሩ ከለዉ እታ ፕረዚደንት ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ኩነታትን ትልሚ መንግስትን መደረ ከም እተቕርብ ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ሓዊሱ ላዕለዎት መራሕቲ እታ ሃገር፡ እታ ፕረዚደንት ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ብዘስምዓቶም መደረታት ሕጉሳት ከምዘይነበሩ ዘዘኻኸሩ ምንጪታት ቢቢሲ ምናልባት ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ እተቕርቦ መደረ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጾም።
ናይ መወዳእታኣ ክኸውን’ዶ?
ኣብታ ሃገር ንዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ለውጢ ስዒቡ ብመሰረት ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝቐረበሎም ዕድመ ናብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ስልጣን ዝደየቡ ብዙሓት ስብሞያ ኣብ መስርሕ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብቲ መድረኽ ይርሕቑ ምህላዎም ይፍለጥ። ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ጥራይ እያ ተሪፋ ዘላ ምባል ይከኣል።
ካብቶም ኣብ ወሰንቲ መዚታት መንግስቲ ጸኒሖም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ስልጣኖም ዝለቐቑ ከኣ ከም ኣደ መንበር ቦርድ ምርጫ ብርቱካን ሚዴቅሳ፤ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መዓዛ ኣሸናፊን ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ዳንኤል በቀለን ምጥቃስ ይከኣል።
ምስዞም ሹመኛታት ናብ መንበረ ስልጣን ዝደየበት ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ድማ ተረኛ ተሰናባቲት ክትኸውን ከምእትኽእል ምስኣ ዝሰርሑን ብቐረባ ዝፈልጥዋን ሰባት ይዛረቡ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍላይ ምስ ኲናትን ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ብዝተሓሓዝ ሓዘና ብርቱዕ ምንባሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ብቐረባ ዝፈልጥዋ ሰባት ገሊጾም።
ብፍላይ ምስቲ ኣብ ምኽፋት ባይቶታትን ገለ ዓመታዊ ፍጻመታትን ጥራይ እትረኽቦ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘለዋ ርክብ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘይምዃኑ፡ እታ ፕረዚደንት ኣብ ቤተ መንግስቲ ተነጺላ ክትጸንሕን ኣብ መንግስታዊ ጉዳያት ከይትሳተፍን ከምዝገበራ ሓደ ምንጪ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኩናት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወረደ ጉድኣት ኣዝዩ ከምዘሕዘና ደጋጊማ ከምእትዛረበሉ ዘመልክተ እቲ ምንጪ ብድሕሪኡ’ውን ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝካየዱ ዘለዉ ግጭታት ከምዘሻቕልዋ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ሓደ እዋን ምስ ቴሌቪዥን ኢቢኤስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ሎሚ እትሰርሖም ነገራት ነቲ ኣብ ምሉእ ህይወታ ዝሃነጸቶ ሞያዊ ተሞክሮኣ ከይጸልዎ ከምእትጥንቀቕ ተዛሪባ ነይራ።
ግዜ ፕረዚደንትነታ በዳሂ እዋን ምዃኑ ብምጥቃስ ኣብ ታሪኽ ክዝከር ከሎ ከኣ "ኢትዮጵያ ከምዚ ዝበለ ሽግራት ክትሓልፍ ከላ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ነይራታ ዝብል ገምጋም ምቕራቡ ኣይተርፍን። ግን እንታይ ክገብር ነይሩኒ ዝብል ካልእ ሕቶ እዩ። ግን ከኣ ነዚ’ውን ክቕበሎ ኣለኒ” ኢላ።
ቤተ መዘክር ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ክምረቕ ከሎ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ቀቅድሚ እታ ፕረዚደንት መደረ ምቕራባ ብገለ ሰባት ሕቶ ፕሮቶኮል ክለዓል ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ።
ሽዑ እታ ፕረዚደንት ናብ መድረኽ ክትዕደም ከላ ካብቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ከንቲባን ዝበልዎ ዝፍለ ሓሳብ ከምዘይብላ ብምግላጽ፡ “ኣብታ ሃገር ዝፍጠሩ ጎንጽታት ንምፍታሕ ጠበንጃ ምልዓል ይልመድ ኣሎ። ዝፍጠሩ ኣፈላላያት ብዝሃድአ መገዲ ተዘራሪብካ ምፍታሕ የድልይ” ኢላ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክንድ’ቲ ዝሓሰበቶ ክትሰርሕ ዘይምኽኣላ ብዝተፈላለየ መገዲ ምግንዛብ ከምዝከኣል ዝሓበረ ሓደ ካብቶም ብቐረባ ዝፈልጥዋ ሰባት፡ ምናልባት “እናጓሃየት” ስቕታ ክትመርጽ ዝኸኣለት ካብዚ ንላዕሊ ክትቕጽል ስለዘይትኽእል ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዘብቅዕ ስልጣና እናተጸበየት ከምዝኸውን ኣረዲኡ።
ስልጣን ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ካብ 'ስማዊ' ንላዕሊ ሓሊፉ ርኡይ ውጽኢት ዘለዎ ውሳነ ናይ ምሕላፍ ሓላፍነት ብቅዋም ኣይተዋህቦን። በዚ ምኽንያት ድማ ኣምባሳደር ሳህለወርቅ ፕረዚደንት ምዃና ነቲ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ክእለትን ተመኩሮን ከምዝባኸኖ ብጣዕሳ ዝነቕፉ ሰባት ኣለዉ።
እቲ ፕረዚደንት ዝኸውን መራሒ ብመሰረት ሕገመንግስቲ እታ ሃገር ቀንዲ ሓላፍነቱ ብኻልኦት ኣካላት መንግስቲ ዝውሰኑ ውሳነታት ምጽዳቕ እዩ።