‘ን15 ኣዋርሕ' ጠኒሰ

ቺዮማ እቲ ኣብ ሕቝፋ ዘሎ ህጻን ወደይ’ዩ ትብል፤ ሆፕ [ተስፋ] ዝብል ሽም ሂባቶ።

ንሸሞንተ ዓመታት ቈልዓ ክትወልድ ድሕሪ ዝነበራ ዘይዕዉት ፈተነታት ዝረኸበቶ ቈልዓ ስለዝዀነ፡ ተኣምራዊ ውላድ ገይራ እያ ትርእዮ።

“ኣነ ዋና ውላደይ’የ” ትብል።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓንቲ በዓልቲ ስልጣን መንግስቲ ናይጀርያ ኣብ ጐኒ በዓል ቤታ ኣይከ ኮፍ ኢላ ረኺብናያ።

ኣብቲ እዋን፡ እቶም መጻምዲ ዳርጋ ሓደ ሰዓት ኣብ መርመራ’ዮም ኣሕሊፎምዎ።

ኮሚሽነር ጕዳያት ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ግዝኣት ኣናምብራ ኢፊ ኦቢናቦ፡ ኣብ ምፍታሕ ስድራቤታዊ ዘይምርድዳእ ብዙሕ ተመኵሮ ኣለዋ - እዚ ግን ተራ ዘይምርድዳእ ኣይኰነን።

ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝነበሩ ሓሙሽተ ኣባላት ስድራቤት ኣይከ፡ ከምቲ ቺዮማን ኣይከን ዝብልዎ፡ ሆፕ ስጋዊ ውላድ እቶም መጻምድቲ እዩ ኢሎም ኣይኣምኑን።

ቺዮማ ነቲ ህጻን ንኣስታት 15 ኣዋርሕ እየ “ተሰኪመዮ” ትብል።

እታ ኮሚሽነርን ስድራቤት ኣይከን ግን ነዚ ክቕበሉዎ ዝተጸገሙ ይመስሉ።

ቺዮማ፡ ቈልዓ ንኽትወልድ ካብ ስድራቤት ኣይከ ጸቕጢ ከም ዘጋጠማ ትዛረብ።

ንሱ፡ ካልእ ሰበይቲ ክምርዓው’ውን ሓቲቶምዎ’ዮም።

በዚ ኵነታት ተስፋ ዝቘረጸት ቺዮማ፡ ዘይተለምደ “ሕክምና” ናብ ዝህብ “ክሊኒክ” ኣምሪሓ።

እዚ ድማ ቈልዓ ምውላድ ዝኣበየን እሞ ኣደታት ክዀና ዘይክኣላ ደቂ ኣንስትዮ ዝሃድን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናት ዝርከቦ ፍሉይን ዘሰክፍን ምትላል ዝፍጸሞ እዩ።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ምስጢራዊ ምትላል ጥንሲ ድሕሪ ዘካይዶ ዝነበረ መርመራ፡ እታ ኮሚሽነር ኣብ ጉዳይ ቺዮማ እተሕልፎ ውሳነ ንምፍላጥ ዝነበረ መስርሕ ክከታተል ብሰበስልጣን ተፈቒዱሉ’ዩ።

ኣብዚ ዛንታ ኣስማት ቺዮማ፡ ኢከን ካልኦትን ኣብ ማሕበረሰቦም ክበጽሖም ካብ ዝኽእል ሕነ ምፍዳይ ንምክልኻል ኣስማቶም ክቕየር ገይርና ኣለና።

ናይጀርያ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ወሊድ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ።

ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ንኽጠንሳ ማሕበራዊ ጸቕጢ ይገጥመን፡ እንተዘይክኢለን ድማ ምግላል ወይ ግህሰት እንከይተረፈ ይገጥመን።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ናይ ኣደነት ሕልመን ንምግሃድ ብዙሓት ኣማራጺታት ክወስዳ ይጅምራ።

ንልዕሊ ሓደ ዓመት፡ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ነቲ “ምስጢራዊ ጥንሲ” ዝብል ምትላል ክምርምር ጸኒሑ።

ሓካይም ወይ ነርስ መሲሎም ዝቐረቡ መታለልቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንኽጠንሳ ውሕስነት ዘለዎ “ተኣምራዊ ፍወሳ ፍርያምነት” ከም ዝገብሩለን የእምኑወን።

እቲ ናይ መጀመርታ “ሕክምና” መብዛሕትኡ ግዜ ኣማኢት ዶላር ዝሓትት ኰይኑ፡ ብስሪንጋ ወይ ብዝስተ መልክዑ ወይ’ውን ናብ ርሕሚ ዝኣቱ ንጥረ ነገር ብምጥቃም ይፍጸም።

ቢቢሲ፡ ነዚ መርመራዊ ጸብጻብ ኣብ ዝፈነወሉ እዋን ካብ መንጐ ዘዘራረበን ደቂ ኣንስትዮ ይዅና ሰብ መዚ፡ ኣብዞም መድሃኒታት እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጡን።

ገለ ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣብ ኣካላተን ለውጢ - ከም ሕበጥ ከብዲ - ዝመስል ለውጢ ክርእያ ከም ዝገብረን ብምግላጽ ዝያዳ ድቂ ከም ዝቛጽራ ንኽኣምና ከም ዝገበረን ተዛሪበን።

እቲ “ሕክምና” ዝተዋህበን ደቂ ኣንስትዮ፡ “እቲ ህጻን” ብዝዀነ መርመራ ጥንሲ ክፍለጥ ስለ ዘይክእል፡ ናብ ስሩዕ ሓካይም ከይትኸዳ ተባሂሉ ይንገረን።

እቶም መታለልቲ፡ እቲ ድቂ ካብ ማህጸን ወጻኢ እዩ ዝዓቢ ይብሉወን።

ነቲ ህጻን “ዝወልዳሉ” ግዜ ምስ በጽሐ፡ “ዘይተለምደን ክቡርን መድሃኒት” ምስ ተዋህበን ጥራይ ሕርሲ ከም ዝጅምረን ብምግላጽ ተወሳኺ ክፍሊት ይሓቱወን።

“ምውላድ” እቲ ቈልዓ ብኸመይ ይፍጸም ዝብል ዝተፈላለየ ኣገባባት እዩ ዘሎ፤ ኵሎም ግን ኣዝዮም ይርብሹኻ።

ገሊአን ብመጥባሕቲ ከም ዝወለዳ ንኽኣምና መደንዘዚ ይወሃበን።

ካልኦት ድማ ኣብ ሕርሲ ከም ዘለዋ ንኽኣምና፡ ትኻስን ዓጀውጀው ምባልን ዘስዕብ መርፍእ ይውግኣ።

ብዝዀነ መገዲ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መወዳእታ ሓሪስክንኦ ተባሂሉ ቈልዓ ይወሃበን።

ቺዮማ፡ “ክትሓርስ” ምስ ቀረበት እቲ ሓኪም ኣብ ሽምጣ ከም ዝወግኣን ‘ድፍኢ’ ከም ዝበላን ንኮሚሽነር ኦቢናቦ ትነግራ።

ከመይ ገይራ ነቲ ውላድ ከም ዝረኸበቶ ኣይትፈልጥን፤ ግን ሓያል “ቃንዛ” ከም ዝነበራ ገሊጻ።

ቢቢሲ፡ ናብ ሓንቲ ካብዘን ምስጢራዊት “ክሊኒካት” ክበጽሕ ክኢሉ እዩ።

ኣብኡ “ዶክተር ሩት” ዝተባህለት ረኺቡ።

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ንሸሞንተ ዓመታት ቈልዓ ክወልዱ ፈተነ ክገብሩ ከም ዝጸንሑ ነጊሮምዋ።

እዛ “ዶክተር ሩት” ዝተባህለት ውልቀሰብ ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ግዝኣት ኣናምብራ ኣብ እትርከብ ከተማ ኢሂያላ ኣብ ዝርከብ ዝዓነወ ሆቴል ነዚ ስራሕ ተካውን።

ኣብቲ ቀጽሪ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ይጽበያኣ፤ ገሊአን ድማ ብግልጺ ከም ጥንሲ ዝርአ ከብዲ ኣለወን።

ኣብ መንጐ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጥንስቲ ምዃና ምስ ተነግራ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ‘ናይ ሕክምና’ ክፍሊ ዓብዪ ጽንብል ተገይሩ።

ሕቡኣት ሪፖርተራት ቢቢሲ ክርእይዋ ምስ ከዱ፡ “ዶክተር ሩት” እቲ ሕክምና ከም ዝሰርሕን ውሕስነትን ከም ዘለዎ ትነግሮም።

ነታ ጓል ኣንስተይቲ መርፍእ ክወግኣኪ ኢላታ፤ እዚ ድማ እቶም መጻምድቲ ጾታ ውላዶም “ክመርጹ” ከም ዝሕግዞም ትነግሮም።

ነቲ መርፍእ ኣይንደልን ኢሎም።

“ዶክተር ሩት” ሒዞምዎ ዝኸዱ ዝተጥሓነ ከኒናታት ከምኡ'ውን ገለ ተወሳኺ ከኒናታት ጾታዊ መዓስ ይፍጽሙ ዝብል መምርሒታትን ትህቦም።

እዚ መባእታዊ ሕክምና 350 ሽሕ ኒራ (205 ዶላር) የኽፍል።

እቶም ሕቡኣት ሪፖርተራት ነቲ መድሃኒት ወይ ዝሃበቶም ዝዀነ መምርሒ ኣይተቐበሉን፤ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙን ክርእዩዋ’ውን ኣይተመልሱን።

ኣብ ከብዲ ሪፖርተርና ናይ ኣልትራሳውንድ መልዓሊ ዝመስል መሳርሒ ድሕሪ ምግባር፡ ህርመት ልቢ ዝመስል ድምጺ ከም ዝሰምዐት ብምግባር “ዶክተር ሩት” እንቋዕ ኣሐጐሰኪ ትብላ።

ክልቲኦም ተሓጒሶም።

“ዶክተር ሩት” ነቲ ብስራት ድሕሪ ምሃባ ነቲ ህጻን ንኽውለድ ዘድሊ “ውሑድ”ን ክቡርን መድሃኒት፡ ካብ 1.5 ክሳብ ክልተ ሚልዮን ኒራ (1,180 ዶላር) ከም ዘድሊ ትነግሮም።

እዚ መድሃኒት እንተዘይወሲዳ፡ እቲ ጥንሲ ልዕሊ ትሽዓተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ይኽእል እዩ ትብሎም - እዚ ሳይንሳዊ መርትዖ የብሉን። ወሲኻ፡ “እቲ ህጻን ሕጽረት መግቢ ከጥቅዖ’ዩ- ነዚ ክኣ ዳግም ክንሃንጾ ክንግደድ ኢና” ትብል።

“ዶክተር ሩት” ነዞም ክስታት ክትምልስ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበላ ሕቶ ኣይተቐበለቶን።

መርበብ ሓሶት

ምስጢራዊ ጥንሲ ኣፍልጦ ዘለዎ ሕክምናዊ ተርእዮ ኰይኑ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክሳብ መወዳእታ ደረጃታት ጥንሳ ዘይትፈልጠሉ ኵነታት እዩ።

ኣብ እዋን መርመራ ቢቢሲ ግን፡ ብዛዕባ እዚ ዓይነት ጥንሲ ኣብ ጕጅለታትን ገጻትን ፌስቡክ ሰፊሕ ዝርግሐ ግጕይ ሓበሬታ ከም ዘሎ ተዓዚብና።

ሓንቲ ካብ ኣመሪካ ዝመጽአት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕባ ዘሕለፈቶ “ምስጢራዊ ጥንሲ” ትዛረብ።

“ንዓመታት” ከም ዝጠነሰትን፡ እቲ ዝነበራ ጕዕዞ ብሳይንሳዊ መገዲ ክግለጽ ከም ዘይክእልን ክኣ ተቕርብ።

ኣብ ዕጹው ጕጅለታት ፌስቡክ፡ ብዙሓት ጽሑፋት፡ ነዚኦም ንምውዳስን “ተኣምር” ምዃኑ ንምምልኻትን ሃይማኖታዊ ኣገባባት ይጥቀሙ።

እዚ ኵሉ ግጕይ ሓበሬታ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ምትላል ዘለወን እምነት ንምድልዳል ይሕግዝ።

ኣባላት እዞም ጕጅለታት ካብ ናይጀርያ ጥራይ ዘይኰኑስ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካሪብያንን ኣመሪካን እውን እዮም።

እቶም መታለልቲ ሓሓሊፉ ነዞም ጕጅለታት የመሓድርዎምን ኣብኡ ሓበሬታታት ይጥቅዑን እዮም።

ሓደ ሰብ ነቲ መስርሕ ምትላል ንምጅማር ድልውነቱ ምስ ገለጸ፡ ናብ ዝያዳ ውሑስ ዝዀነ ናይ ዋትስኣፕ ጕጅለታት ይዕደም።

ኣብኡ ድማ ብዛዕባ “ምስጢራዊ ክሊኒካት”ን እቲ መስርሕ እንታይ ከም ዘጠቓልልን ሓበሬታ የካፍሉ።

‘ሕጂ’ውን ተደናጊረ’የ’

ኣብ ናይጀሪያ፡ ምንጻል ጥንሲ ዘይሕጋዊ’ዩ።

እቶም መታለልቲ ነቲ “ሕክምና” ንምዝዛም ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ስለ ዘድልዮም ከኣ፡ መንእሰያትን ነፍሰጾራትን ዝዀና ተስፋ ዝቘረጻን ተቓላዕቲን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝደልዩ ሰብመዚ ይገልጹ።

ኣብ ለካቲት 2024፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ግዝኣት ኣናምብራ ናብቲ ቺዮማ ንሆፕ “ዝወለደትሉ” መሳለጥያ ከይዱ።

ቢቢሲ ነዚ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ረኺቡ፤ እዚ ድማ እቲ ቦታ ዓቢይ ህንጻ ከም ዘለዎ የርኢ።

ኣብ ሓደ ክፍሊ ናውቲ ሕክምና ነይሩ፤ ኣብ ካልእ ድማ ብዘይ ድልየተን ዝተትሓዛ ደቂ ኣንስትዮ ነይረን።

ገሊአን ገና ደቂ 17 ዓመት እየን።

ገሊአን ድማ፡ ደቀን ናበይ ከም ዝውሰዱ እንከይፈለጣ ተታሊለን ከም ዝመጽኣ ገሊጸን።

ካልኦት ከም በዓል ኡጁ [ሽማ ዝተቐየረ] ነፍሰ ጾር ምዃነን ንስድራአን ምንጋር ዘፍርሐን ክኣ ነዚ ከም መዋጽኦ ርእየንኦ።

ንሳ፡ ነቲ ህጻን 800 ሽሕ ኒራ (470 ዶላር) ከም ዝወሃባ ከም ዝተነግራ ገሊጻ።

ውላዳ ንምሻጥ ብዝወሰደቶ ውሳነ ጣዕሳ ዝስምዓ እንተዀይኑ ምስ ተሓተተት፡ “ክሳብ ሕጂ ተደናጊረ እየ ዘለኹ” ኢላ።

ኣብታ ግዝኣት እዚ ምትላላት ደው ንምባል ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።

ኮሚሽነር ኦቢናቦ፡ መታለልቲ ነቶም ዕሸላት ንምርካብ ከም በዓል ኡጁ ዝኣመሰላ ተቓላዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝሃድኑ ትዛረብ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወጥሪ ዝመልኦ መርመራ፡ ኮሚሽነር ኦቢናቦ ንህጻን ሆፕ ካብ ቺዮማ ክትወስዶ ምዃና ትገልጽ።

ቺዮማ ተማሕጺናታ። ግዳይ እዚ ምትላል ከም ዝዀነት’ውን ተብርህ።

እታ ኮሚሽነር ከኣ፡ ምሕጽንታኣ ተቐቢላቶ።

በዚ መሰረት ድማ ቺዮማን ኣይከን ነቲ ህጻን ክወስዱዎ ተፈቒዱሎም።

እዚ፡ ብስጋ ዝወለዱዎ ሰባት ሕቶ ክሳብ ዘየቕረቡ፡ ውላዶም ክኸውን እዩ።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ መኻንነት፡ መሰል ፍርያምነትን ዘሎ ኣረኣእያ ክሳብ ዘይተቐየረ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ምትላል ክቕጽል ምዃኑ ክኢላታት የጠንቅቝ።