እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይጀርያ፡ ቦጥ ነዳዲ ምስ ካልእ መኪና ብምግጫዋ ብውሑድ 48 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ማእከላይ ናይጀርያ ግዝኣት ኒጀር፡ ሓንቲ ነዳዲ ዝጸዓነት ቦጥ ምስ ተሳፈርትን ከብትን ዝጸዓነት ሎሪ ብምግጫዋ ብውሕዱ 48 ሰባት ሞይቶም።
እቲ ሓደጋ ምግጫው ተሽከርከርቲ ትማሊ ሰንበት ከምዘጋጠመን ንኽልቲአን መካይን ዘንደደ ፍንጀራ ከምዘስዓበን ኤጀንሲ ምሕደራ ሓደጋ ግዝኣት ኒጀር ገሊጹ።
ዋና ዳይረክተር እቲ ኤጀንሲ ዓብደላሂ ባባ-ኣራህ፡ ኣብቲ ሓደጋ ዝሰርሑ ጕጅለታት ናብቲ ቦታ ከምዝተላእኩ ኣፍሊጡ’ሎ።
ካልኦት ብርክት ዝበላ መካይን እውን በቲ ፍንጀራ ተሃስየን እየን።
ድሕሪ እቲ ፍጻመ ካብቲ ቦታ ዝተወስደ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ነተን ምሉእ ብምሉእ ዝተቓጸላ ክልተ መካይን ከምኡ'ውን ብርክት ዝበላ ዝሞታ ከብቲ የርኢ።
ሓደ ሰራሕተኛ ምድሓን ህይወት ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ውሽጢ እተን መካይን ዝነበሩ ሬሳታትን ዝሞቱ እንስሳታትን ንውጻእ ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
ማዕከናት ዜና መንግስቲ፡ ነቶም ግዳያት ጃምላዊ ቀብሪ ይካየድ ከምዘሎ ጸብጺበን።
ኣመሓዳሪ ኡማሩ ባጎ ንስድራቤት ግዳያት ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ጽንዓት መልእኽቲ “እቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ከምዘሕመሞ” ገሊጹ።
ኣብ ናይጀርያ ምፍንጃርን ሓደጋታትን ቦጣት ነዳዲ ልሙድ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ብኸፊል ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ጽርግያታት ዘጋጥም እዩ።