ስለምንታይ እዩ ጉግል ናብ ቢንቶ ጸዲፉ ብዝሞተ ሰብ ዝኽሰስ ዘሎ?

ኣብዚ ምዕቡል ቴክኖሎጂያዊ እዋን፡ ሰባት ኣብ ዘይፈልጥዎ ቦታ እውን ከይዶም፡ ብፍጹም ክጠፍኡ ኣይክእሉን’ዮም፤ ዕድመ ንጉግል ማፕ።

ኣብ ሞባይልካ፡ 'ካብዚ ዘለወኽዎ ነቒለ ናብ ከምዚ ቦታ ክኸይድ ደልየ' ኢልካ ምስ እትውከስ፡ ዝጸሓረን ምስ ኵሉ ኣማሪጺታት መጓዓዝያን ሓበሬታ ክትረክብ ቀሊል እዩ።

ሓደ ኣሜሪካዊ፡ ‘ብጉግል ማፕ’ ተመሪሑ መኪና እናዘወረ፡ ናብ ሓደ ፈራስ ቢንቶ ኣትዩ ጸዲፉ ስለዝሞተ፡ ስድራ እዚ ግደይ፡ ‘ጉግል ማፕ’ ብዛዕባ እቲ መዋቲ ዝኸዶ ዝነበረ መገዲ፡ ፈራስ ቢንቶ ዘለዎ ምዃኑ ስለዘይሓበሮ’ዩ ጸዲፉ ብምባል ንጉግል ይኸሱ ኣለዉ።

እቲ ፓክሶን ዝተበሃለ ኣሜሪካዊ፡ ኣብ መስከረም 2022’ዩ በቲ ኣብ ሰሜን ካሮላይና ዝርከብ ሂኮሪ ዝበሃል ቦታ እናዘወረ እንከሎ’ዩ ኣብ ሓደ ፈራስ ቢንቶ ኣትዩ ዝሞተ።

ስድራ እዚ ግዳይ ከኣ እቲ ቢንቶ ቅድሚ ትሽዓት ዓመታት’ኳ እንተዓነወ፡ ጉግል ማፐ ግን ምፍራስ ናይቲ ቢንቶ ኣብ ‘ጉግል ማፕ’ ስለዘየስፈሮ’ዩ ፓክሶን ጸዲፉ እዮም ዝብሉ ዘለዉ።

ስድራቤት ግዳይ፡ ብሰሉስ ወግዓዊ ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕረቡ ክዀኑ እንከለዉ፡ ወሃቢ ቃል ጉግል፡ እቲ ትካል ንዝቐረበሉ ክስታት ይምርምሮ ከምዘሎ ገሊጹ።

መዋቲ ፓክሶን፡ ኣቦ ክልተ ቈልዑ ኰይኑ፡ ኣብ እንዳ ዓርኩ ዝጽንበል ዝነበረ መበል ታሽዓይ ዓመት ጓሉ ኣብዒሉ፡ ብዙሕ ብዘይፈልጦ ከባቢ ብጉግል ማፕ እናተመርሐ ናብ ገዛኡ ብመኪና እናኸደ እንከሎ፡ ናብ ሓደ ዝተሰበረ ቢንቶ ጸዲፉ ሞይቱ ክብሉ እቶም ስድራ ኣብ ዝመስረትዊ ክሲ ጠቂሶም ዘለዉ።

በዓልቲ ቤቱ፡ ኣቐዲማ ንኽልቲአን ደቆም ሒዛ ብመኪና ገዛ ክትከይድ እንከላ፡ ንሱ ዛሕዛሕ ኢሊ ዝነበረ ኣቝሑ እንዳ ዓርኩ ንምውግጋን ክሕግዞም ብምትራፍ’ዩ ካብአን ተሪፉ።

ጠበቓ ስድራ መዋቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ብዛዕባ እቲ ጽርግያ ኣፍልጦ ስለዘይነበሮ፡ ናብ በዓልቲ ቤተይን ናብ ደቐይን ብሰላም ክበጽሕ’የ ብምባል ምሉእ እምነቱ ኣብ ‘ጉግል ማፕ’ ኣንቢሩ’ዩ ዝዝውር ነይሩ” ኢሉ።

እቲ ጠበቓ ኣተሓሒዙ፡ “እንተዀነ ጉግል ማፕ ንዝሓለፈ ትሽዓተ ዓመታት ንዅነታት እቲ ጽርግያ ዝሕብር፡ ኣብ መርበቡ ዝዀነ ምምሕያሽ ስለዘይገበረን [እቲ ቢንቶ ምስባሩ] ፓክሶን ምስቲ ዝነበረ ጸላምን ማይን ጸዲፉ ሞይቱ፡” ይብል።

እቲ ቢንቶ ኣብ 2013 ምስ ፈረሰ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ናብ ጉግል ብተደጋጋሚ ከምዝሓበሩን እንተዀነ ጐግል ማፕ ዝዀነ ምምሕያሻት ከምዘየርኣየን ኣብቲ ክሲ ሰፊሩ ኣሎ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ንመራሕቲ መካይን ንምጥንቃቕ ናብቲ ቢንቶ ኣብ ዘምርሕ መንገዲ፡ መኸልከሊ ዓንዲ ገይሮም’ኳ እንተነበሩ፡ ምስ ግዜ ወሳዲኡ ዘይፍለጥ ካብቲ ቦታ ከምዝተለዓለ ቻርሎት ኦብዘርቨር ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

ጠበቓ እቲ ስድራ ብዘይካ ንጉግል ማፕ፡ ነቲ ዝተሰበረ ቢንቶ ናይ ምጽጋን ሓላፍነት ነይሩወን’ዩ ንዝበለን ሰለስተ ትካላት እቲ ከባቢ’ውን ከሲስወን ኣሎ።

በዓልቲ ቤቱ ንፓክሶን ኣሊሽያ ፓክሶን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ’ውን፡ “ደቀይ ኣቦአን ብኸመይ ከምዝሞተ ብተደጋጋሚ’የን ዝሓታኒ፡ ንዐአን ከረድእ ዝኽእል ቃላት የብለይን፡ ምኽንያቱ ኣነ’ውን ንባዕለይ ጉግል ንሓደ ዝፈረሰ ቢንቶ ንኽንድዚ ዓመታት ኣብ ‘ጂፒኤስ’ ዘይሓበረሉ ምኽንያት ክርድኣኒ ኣይክእል’ዩ” ኢላ።

ወሃቢ ቃል ጉግል ንኣሶሸይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ንስድራ ፓክሶን ዝተሰምዓና ከቢድ ሓዘን ክንገልጽ ንፈቱ” ድሕሪ ምባል “ዕላማና ንዅሉ ሰብ ቅኑዕ ዝዀነ መንገዲ ምሕባር’ዩ፤ ነቲ ዘጋጠመን ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ክስን ከኣ ንምርምሮ ኣለና” ኢሉ።