ኣብ ኣመሪካ ቴክሳስ ሓደ ዕጡቕ ኣብ ሞል ዕዳጋ ሸሞንተ ሰባት ተኲሱ ቐቲሉ

ሓደ ዕጡቕ ኣብ ሰሜን ዳላስ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ሞል ዕዳጋ ንዝነበሩ ሸሞንተ ሰባት ብጥይት ከምዝቐተለ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ሓቢሩ።

ኣብቲ ሞል ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክወጽኡ ከምዝኸኣሉን፡ ሓደ ሰብኣይ ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ መገዲ ከምዝተኮሰ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

ፖሊስ ነቲ ዕጡቕ ብጥይት ከምዝቐተሎን በይኑ ምዃኑ ከምዝኣምንን ገሊጹ።

ገለ ካብቶም ግዳያት ህጻናት ምዃኖም ይግለጽ። ብውሕዱ 7 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ክሕከሙ እንከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም ሰለስተ ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝርከቡ እዮም።

ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ኣለን፡ ጆናታን ቦይድ፡ 7 ሰባት - እቲ ዕጡቕ ሓዊሱ - ኣብቲ ቦታ፡ ክልተ ድማ ድሒሮም ኣብ ሆስፒታል ከምዝሞቱ ገሊጹ።

ሓደ ኣባል ፖሊስ "ተኹሲ ሰሚዑ፡ ናብቲ ተኹሲ ገጹ ጐዪዩ፣ ነቲ ጥርጡር ጥርጡር ቀቲልዎ" ይብል ሓላፊ ፖሊስ ኣለን ብራያን ሃርቪ።

ዕድመ እቶም ግዳያት ካብ 5 ክሳብ 51 ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል እቲ ሆስፒታል ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ግረግ ኣቦት፡ ነቲ ፍጻመ፡ "ክንገር ዘይክእል ትራጀዲ" ክብል ብምግላጽ፡ እታ ግዝኣት ንሰበስልጣን እቲ ከባቢ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ክትህብ ድልውቲ ምዃና ገሊጹ።

ፖሊስ ኣሜሪካ፡ መርትዖታት ኣብ ዝእክቡሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብቲ ቦታ ዝተቐረጸ ቪድዮ ዘለዎም ሰባት ምስ ኤፍ.ቢ.ኣይ ክራኸቡ ሓቲቶም።

ገለ መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ ዕጡቕ ኩሉ ጸሊም ክዳን ከም ዝተኸድነን ናይ ውግእ ናውቲ ከም ዝለበሰን ገሊጾም።

ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ቪድዮ፡ ሰባት ኣብ ስግር መዕረፊ መካይን ክሕብኡ ክጎዩ ከለዉ፡ ተኸታታሊ ተኹሲ እናተሰምዐ ዘርኢ እዩ።

ኣለን ኣስታት 105 ሽሕ ነበርቲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ ማእከላይ ዳላስ ንሰሜን 32 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።

መብዛሕትኦም ኣብ ቴክሳስ ዕድሚኦም 21 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ዓበይቲ ሰባት ብዘይ ፍቓድ ሽጉጥ ክሕዙ ይፍቀደሎም እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ምሓዝ ጠበንጃን ሽጉጥን ዝግበር ገደባት ውሑድ እዩ። ሪፓብሊካን ንሓጋጊ ኣካል ግዝኣት ቴክሳስ ይቆጻጸርዎ።

ኣብ ኣሜሪካ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዓመት ብውሑዱ 198 ጃምላዊ ተኹሲ ከምዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፉ ኣርባዕተ ወይ ልዕሊኡ ሰባት ከምዝተቐትሉ ወይ ከምዝቖሰሉ መረዳእታ ይሕብር።