እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ካብ ሓላል ስጋ ቢልዮናት ክትከስብ ዘይከኣለት?
ዓለማዊ ዕዳጋ ሓላል መግቢ 1.6 ትሪልዮን ዶላር ይግመት።
ኣብ ኢትዮጵያ ሓላል ኢንዱስትሪ ዝብል ሓሳብ ብዘይካ ኣብ ውሑዳት ኣብያተ መግቢ ዓረብ ብደረጃ ኢንዱስትሪ ኣይፍለጥን።
ኢትዮጵያ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ ካብ ገለ ሃገራት ዓረብ ዝበዝሐ ኣማኒ ምስልምና ህዝቢ ኣሎዋ።
እታ ሃገር ግን ተቕርቦ ሓላል መግቢ ዳርጋ የለን ክበሃል ይኽእል።
ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ሓላል ስጋ ከም ቡንን ካልኦትን እናሰደደት ሸርፊ ወጻኢ ክትረክብ ኣይከኣለትን?
ሓላል ስጋ እንታይ እዩ?
ንኣመንቲ እስልምና ሓላል ስጋ ብብልዕን መስተን ጥራይ ዝግለጽ ኣይኰነን።
ፍርያታት መድሃኒት፡ ጽባቐ፡ ዋላ ሆቴላት ሓላል ምዃኖም ይምርመሩ እዮም።
'ሓላል ቱሪዝም' ዝብል ዓቢ ሓሳብ እውን ኣሎ። ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ዘይሽየጠሉ ሓላል ሆቴል ካብ ምሕዳር ጀሚሩ ምሉእ ኣገልግሎት እቲ ቱሪዝም ኣብ ሓላል ዝተመርኮሰ እዩ።
ዝዀነ ስጋ ሓላል ክኸውን ካብ ስም እቲ ንሕርዲ ዝቐርብ እንስሳ ጀሚሩ ክሳብ ዝባረኸሉ ኣገባብ፡ እንተላይ ምምጋቡ፡ ጽኑዕ ቅጥዕን ስርዓትን ኣለዎ።
ነዚ እስላማዊ ኣገባብ ምሕራድ ዝኽተል መሕረዲ እንስሳ ከም ሓላል ስጋ ዘቕርብ ተገይሩ ይቝጸር።
እቶም ኣብ እስልምና ክልኩላት (ሓራም) ዝዀኑ እታወታት ዘለዎ ዝዀነ ፍርያት ክልኩል እዩ። ንኣብነት ስጋ ሓሰማን ከልቢን ኣብ እስልምና ክልኩል (ሓራም) እዮም። ጐድናዊ ፍርያት እዞም እንስሳታት’ውን ክልኩል ይኸውን።
ስለምንታይ ኢትዮጵያ ካብ ሓላል ስጋ ዶላር ክትሓፍስ ኣይከኣለትን?
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ስርናይ ትዅረት ዝገበረት ሃገር እያ።
ይዅን እምበር፡ ሓላል ኢንዱስትሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተተንከፈ ካልእ ምንጪ ዶላር ከምዝዀነ ክኢላታት ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።
ቢንመሊክ ዓብዶ ነዚ ሓላል ጽላት ንግዲ ኣብ ምድንፋዕ ተዋፊሩ ይርከብ።
ቢንመሊክ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ 'ከም ኢትዮጵያ ካብ ኢንዱስትሪ ሓላል ክትጥቀም ምቹእ ኵነታት ዘለዋ ሃገር ኣይፈልጥን' ክብል ገሊጹ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ነዚ ሰፊሕ ዕድል ምስ ኣውፈርቲ ውሽጢ ዓዲ ንምልላይ ናይ ሓላል ኤክስፖ ኣዳልዩ ብዙሓት ኣውፈርቲ ተረኺቦም ነይሮም።
ቢንመሊክ፡ 'ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዘይኮነስ ዓለምለኻዊ ናይ ሓላል ኤክስፖ ክትውድብ ነይርዋ' ይብል ብጣዕሳ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበ ሚኒስተር ሕርሻ ዑመር ሑሴን እውን ተመሳሳሊ ስምዒት ይገልጽ።
ኢትዮጵያ ካብ ዓውዲ ሕርሻ ናብ ዕዳጋ ሓላል እተቕርቦም ብርክት ዝበሉ ፍርያት ከምዘለዉ እቲ ሚኒስተር ይሕብር።
“ተበጻሕነትና ኣስፊሕና ድሌታት ተቐባሊት ሃገር እንተድኣ ኣማሊእና፡ ኣብቲ ዓውዲ ብዙሕ ተረባሕቲ ክንከውን ኢና” ኢሉ።
ስለዚ ኢትዮጵያ ስለምንታይ እያ በቲ ዝደለ ደረጃ ዘይተቕርብ?
ቢንመሊክ፡ ኢትዮጵያ ንምንታይ ንሓላል ኢንዱስትሪ ምችእቲ ተባሂላ ንዝብል ሕቶ ክልተ ቀንዲ ነጥብታት ብምቕራብ መልሲ ይህብ።
ቀዳማይ፡ ኢትዮጵያ ንማእከላይ ምብራቕ ቀረባ እያ።
ካልኣይ፡ ኢትዮጵያ ብቐርኒ ዘለወን ከብቲ ሃብታም እያ።
ስለምንታይ ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ዝያዳ ክትረክብ ኣይከኣለትን?
'መጀመርያ፡ ኣዕራብ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘለዎም ኣተሓሳስባ ክቕየር ኣለዎ'
እቲ ብሰንኪ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ታሪኽ ጥሜት ዝመጸ፡ ኣብ ዓረባዊ ዓለም ዝርአ ኣሉታዊ ስምዒት ሓደ ዕንቅፋት እዩ።
ካልእ ጸገም እቲ ቀረብ ዘተኣማምንን ብዝደለይዎ ልዑል ጽሬት ዝቕርብን ዘይምዃኑ እዩ።
“ኣብ ፍርያት ስጋ ብዙሕ እምነት የብሎምን” ክብል ኣብ ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንዱስትሪ ስጋን ጸባን ዳይረክተር ልምዓት ኢንዱስትሪታት ስጋ ዝዀነ ኣብርሃ ነጋሽ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣዕራብ ኣብ ኢትዮጵያ እምነት ንኽስእኑ ምኽንያት ዝዀኑ ከም ክንክን ከብቲ፡ ጽሬትን ምሕደራን መሕረዲ፡ ሓለዋ ጽሬት፡ ቀረብ ቀለብ እንስሳ ዝኣመሰሉ ነገራት የጠቓልሉ።
ንኣብነት ኣብ ገለ ሃገራት ዓረብ ዝርከቡ ኣቕረብቲ ስጋ ምሉእ ታሪኽ ህይወት እተን ከብቲ ክፈልጡ ይደልዩ።
ኣብርሃ ነዚ ሓሳብ 'ምክትታል' ክብል ብሓጺሩ ይገልጾ።
“ምሉእ ታሪኽ ህይወት ሓንቲ ጤል፡ ኣበይ ከም ዝተወልደት፡ እንታይ ከም ዝበልዐት፡ እንታይ ከም ዝተኸተበት፡ ኣበይ ኣትያ ኣብ ክንደይ ዕድመኣ ከም ዝተሓርደት ክፈልጡ ይደልዩ እዮም” ይብል።
ከምዚ ዝበለ ዝርዝር ሓበሬታ ዘይምህላዉ ሓደ ካብቶም ንንግዲ ወጻኢ እታ ሃገር ዘዕንቅፉ እዩ።
ኢትዮጵያ ቢልዮን ዶላር ከይትረክብ ዝዓግቱ ካልኦት ዕንቅፋታት
ቢንመሊክ፡ እቲ ቀንዲ ብድሆ ዓለምለኻዊ ምስክር ወረቐት ኣፍልጦ ምርካብ ከምዝዀነ ይኣምን።
ከም ብራዚል፡ ኣርጀንቲና፡ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ሓላል ስጋ ናብ ሃገራት ዓረብ ብምልኣኽ ብዙሕ ሃብቲ ዝረኽባ ደረጃ ዘማልአ ምስክር ወረቐት ኣፍልጦ ብዘተኣማምን መንገዲ ስለዘቕርባ እዩ።
ቢንመሊክ፡ “ብራዚል ጥራይ ኣብ ዓመት 350 ሽሕ ቶን ሓላል ስጋ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ትልእኽ እያ” ይብል።
ብራዚል ካብ ማእከላይ ምብራቕ ብኣሽሓት ኪሎ ሜተር ርሒቓ እያ ትርከብ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጥቓ ሃገራት ዓረብ እያ ዘላ።
ይዅን እምበር ኢትዮጵያ ኣብ 2014 ዓ.ም 22 ሽሕ ቶን ስጋ ጥራይ እያ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ክትልእኽ ክኢላ።
እዚ ድማ ካብ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ።
'ህዝብና ክንደይ ከብቲ እምበር እንታይ ዓይነት ከብቲ ኣለኒ ኣይብልን'
ዝያዳ ከብቲ ስለዘለና ጥራይ ዝያዳ ክንሰድድ ንኽእል ኢና ማለት ኣይኰነን።
ሓደ ምኽንያት ድሌታትን ደረጃታትን እተን ተቐበልቲ ሃገራት እዩ።
“80 ሚእታዊት ካብቲ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝለኣኽ ስጋ ኣጣል እዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ጠለብ ኣጣል ልዑል ስለዝዀነ እዩ” ይብል ኣብርሃ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ዝለኣኽ ስጋ ከብቲ ተባዕታይ ክኸውን ኣለዎ። ስጋ ኣደ ምስዳድ ከም ምጽናት ዓሌት እዩ ዝቝጸር።
ኣንስተይቲ ከብቲ ንማሕረድቲ ዘይትለኣኸሉ ተወሳኺ ምኽንያት ድማ ስጋኣ ቀልጢፉ ስለዝስብሕ እዩ።
እቲ ናብ ወጻኢ ዝለኣኽ ስጋ ኣጣል ካብ ሸሞንተ ወርሒ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝዕድመኦም ክኸውን ይግባእ። ኣብዚ ዕድመ ዘሎ ኵሉ ስጋ ዘይኮነስ ዝተመርጸ ጥራይ እዩ ዝለኣኽ።
እዞም ዝርዝራት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዋላ'ኳ ኢትዮጵያ ብዙሕ ከብቲ እንተሃለዋ፡ ውሑዳት ጥራይ እያ ክትሰድድ እትኽእል።
ኣብርሃምን ቢንመሊክን፡ ኣብ ሃገርና ከብቲ መዐቀኒ ሃብቲ እምበር መፍረዪ ሃብቲ ከምዘይኰነ ይሰማምዑ።
ኣብርሃ፡ 'ብቐርኒ ዝቘጽር ሕብረተሰብ እዩ ዘለና' ይብል።
'ኣብ መሕረዲ ሓንቲ ሃመማ እንተተረኺባ ጠንጢኖምዎ እዮም ዝኸዱ'
ካልእ ብድሆ ድማ ደረጃ ጽሬት መሕረዲታት እዩ። ኣብ ዓመት 200 ሽሕ ቶን እዮም ክሓርዱ ዝኽእሉ።
ዋላ'ኳ 18 መሕረዲ ሓላል ስጋ እንተሃለዉ፡ እቶም 11 ጥራይ እዮም ብምሉእ ዓቕሚ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ።
ንሳቶም እውን ካብ ዓቕሞም 20 ሚእታዊ ጥራይ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ።
ኣብ ርእሲኡ ድማ ደረጃ ጽሬቶም ንተቐበልቲ ኣይምስጥን።
“መብዛሕትኡ ግዜ ኣዕራብ ንክትትል ናብቲ መሕረዲ ክኸዱ ከለዉ በቲ ዝርእይዎ ነገር ብዙሕ ሕጕሳት ኣይኰኑን” ይብል ቢንመሊክ።
ኣብርሃ እውን ተመሳሳሊ ተመኵሮ ኣለዎ።
“ዓመታዊ ካብ ዱባይን ካልኦት ሃገራትን ነቲ ኵነታት ክርእዩ ይመጹ። ኣብቲ መሕረዲ ዝመረተ ሓጺን ወይ ሃመማ እንተተረኺባ ገበን እዩ፣ ዳግማይ እውን ኣይቅበሉኻን።”
ኣዕራብ እንተዘይተቐቢሎም ካልእ ዝቕበል ኣይክህሉን እዩ።
ኢትዮጵያ ስለምንታይ እያ ውሑድ ትልእኽ ዘላ?
እቲ ቀረብ ክሳብ ክንድዚ ትሑት ዝዀነሉ ምኽንያት ብዙሕ እዩ።
እቲ ሓደን ቀንዲን ብተደጋጋሚ ዝረአ ዘሎ ግጭት እዩ።
ካልእ፡ “ብተደጋጋሚ ብድርቂ ይጥቅዑ” ይብል ኣብርሃ።
ብዘይካ'ዚ፡ ከብቲ ናብ መሕረዲ እንተመጺኦም መብዛሕትኡ ግዜ ስለዝቕጥቀጡ ስጋኦም ይጽልም እዩ።
ኣብርሃ ካልእ ከም ሃገር ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍል ዝበሎ፡ እቶም ከብቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ክሰግሩ ይግበር ምህላዉ እዩ።
1 ቢልዮን ዶላር ንምርካብ እንታይ ክንገብር ንኽእል?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ካብቲ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝለኣኸቶ ሓላል ስጋ ዝረኸበቶ 120 ሚልዮን ዶላር ኣይመልእን።
22 ሽሕ ቶን ሰዲዳ 120 ሚልዮን ዶላር ክትረክብ እንተኽኢላ፡ ከም ብራዚል ኣብ ዓመት 350 ሽሕ ቶን እንተሰዲዳ ክንደይ ቢልዮን ዶላር ክትሓፍስ ከምትኽእል ንምግማት ኣየጸግምን።
ስለዚ እንታይ ክትገብር ትኽእል?
ነዚ ንምዕዋት ቀዳማይ ስጕምቲ ምስክር ወረቐት ሓላል ምርካብ እዩ ይብል ቢንመሊክ።
እዚ ምስክር ወረቐት እዚ ሓደ ፍርያት ብመስመራት ሓላል ከምዝፈረየ ዘረጋግጽ እዩ።
ቀጻሊ ስጕምቲ ድማ ትሕተ ቅርጺ ሓላል ምህናጽ ይኸውን።
እዚ ድማ ካብ መሕረዲ እንስሳታትን ራንችታትን መራኽብን ጀሚሩ ንዅሉ ዘጠቓልል እዩ።
ነፍሲ ወከፍ መሕረዲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰፊሕ መሬትን ናይ ገዛእ ርእሱ መግቢ፡ መዕቆቢን መጓዓዝያን ከብቲ ክህልዎ የድሊ።
“ዘመናዊ ሕርሻ ክህሉ ኣለዎ፣ ጥዕና ከብቲ፡ ክታበት፡ ልደትን ምሉእ ታሪኽ ህይወትን ክንከታተል ኣለና፡” ይብል ኣብርሃ።