‘ምሉእ ኣቑሑተይ ከየውጻእኩ ገዛይ ተዓሺጉ’- በዓልቲ ቤት ኣቶ ታየ ደንደኣ

በዓልቲ ቤት ናይቲ መንግስቲ ንምግልባጥ ተንኮል ይኣልም ነይሩ ተባሂሉ ዝተኣሰረ ዲኤታ ሚኒስትሪ ሰላም ነበር ታየ ደንደኣ፡ ካብ ዝነበሩሉ ናይ መንግስቲ ገዛ ‘ምሉእ ንብረታ ከየውጸአት ከምዝተዓሸገ’ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ገዛውቲ መንግስቲ ካብ ዘመሓድር ትካል ክሳብ ሓሙስ ካብቲ ገዛ ክትወጽእ ትእዛዝ ከም ዝተወሃባ ዝገለጸት ወ/ሮ ስንታየሁ ኣለማየሁ፡ ትማሊ ሓሙስ ብግዲ ክትወጽእ ከምዝተገበረት ተዛሪባ።

ኣቶ ታየ ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ መዓልቲታት ኣቑሑታ ሒዛ ክትወጽእ ተኣዚዛ ነይራ።

“ሓይልታት ጸጥታ ሓሙስ ንግሆ ሰዓት ሰለስተ መጺኦም ኣውጺኦምና” እትብል ወ/ሮ ስንታየሁ፡ ዝተወሰኑ ኣቑሑትን ክዳውንትን እኳ ክተውጽእ እንተኸኣለት፡ ካልእ ንብረት ግን ኣብቲ ገዛ ከምዝተዓሸገ ሓቢራ።

“ሕጂ እትኽእልዎ ንብረት ውሰዱ እሞ ካልእ ንብረትኩም ዓርቢ ተመሊስኩም ውሰድዎ ኢሎም ዓሺጐምዎ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ኣብዚ እዋን ብግዝያዊነት ምስ ቤተሶቦም ተጸጊዖም ከምዘለዉ እውን ኣረዲኣ።

ኣቶ ታየ ሰኑይ ምሸት ካብ ገዛኡ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተወሰደ ንቢቢሲ ዝገለጸት ወ/ሮ ስንታየሁ ኣለማየሁ፡ ሰሉስ ንግሆ ገዛውቲ መንግስቲ ካብ ዘመሓድር ትካል ስልኪ ተደዊሉ ክሳብ ሓሙስ ክለቁ ከምዝተኣዘዙ ተዛሪባ ነይራ።

ላዕለዋይ ኣባል ሰልፊ ብልጽግናን ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያን ኣቶ ታየ፡ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን መራኸቢ ብዙሃንን ብዘንጸባረቘም ንመንግስቲ ዝጻረሩ ርእይቶታት ኣዘራራቢ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተኻየደ ዘተ ዘይምዕዋቱ፡ ብልሽውና፡ ኣብ ኦሮሚያ ዘሎ ግጭትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተተሊሙ ዝነበረ ሰልፍን፡ ንመንግስቲ ዝነቅፍ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝተጽሓፈ ደብዳበ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝተሰጐገ ዝዝከር እዩ።

ብሰኑይ ካብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝተጽሓፈ ደብዳበ ከምዝተባረረ ዕላዊ ዝገበረ ኣቶ ታየ፡ ኣብቲ ዕለት ምሸት ብዙሓት ኣባላት ጸጥታ ገዛኡ ብምፍታሽ ሒዞምዎ ከምዝኸዱ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ስንታየሁ ገሊጻ ነይራ።

ኣባላት ፖሊስ ፈደራል፡ ምሸት ሰዓት ሓሙሽተ ( ሓደ ሰዓት ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ) ናብ ገዛና መጺኦም ክሳብ 9፡00 ሰዓት ለይቲ (3፡00 ለይቲ) ፍተሻ ኣካይዶም፤ 9፡45 ሒዞምዎ ከይዶም’’ ብምባል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ መክሲኮ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ፖሊስ ፈደራል ምህላዉ ከምዘረጋገጸት ተዛሪባ፡፡

ኣባል ማእከላይ ኮሚተ ናይቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግናን ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያን (ጨፌ) ዝዀነ ኣቶ ታየ ደንደኣ፡ መሰል ዘይምኽሳስ ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ሳልሳይ መዓልቱ ከምዝዀነን ናብ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ምቕራቡ እትፈልጦ ከምዘይብላን በዓልቲ ቤቱ ገሊጻ።

ኣቶ ታየ ካብ ዝእሰር ንደሓር ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቡን ዘይምቕራቡን ንምፍላጥ ቢቢሲ ንሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ፈደራል ዝሓተተ ኰይኑ፡ መረጋገጺ ግን ኣይረኸበን።

ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ድሕነትን፡ ማእሰርቲ እቲ ሚኒስተር ዲኤታ ነበር ኣመልኪቱ ብሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ምስ ኣመራርሓ 'ግብረ ሽበራዊ' ዝተበየነ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ርክብ ብምፍጣር፡ ‘‘መንግስቲ ብዓመጽ፡ ራዕድን ዕጥቅን ንምግልባጥ’’ ተንኮል ክኣልም ከምዝተረኽበ ጠቒሱ።

ብተወሳኺ፡ ‘‘ብፍላይ ምስ ጭውያ’’ ብዝተሓሓዝ ኢድ ከምዘለዎን ኣብ ገዛኡ ብዝተገበረ ፍተሻ ኣጽዋር ኲናት፡ ኣቑሑ ኤሌክትሮኒክስን ካልኦት ሰነዳትን ከምዝተረኸቡን ዝገልጽ ክሲ ቀሪቡሉ።

ኣብ ልዕሊ በዓል ቤታ ዝቐረቡ ክስታት ከምዘይትቕበሎም እትገልጽ ወ/ሮ ስንታየሁ፡ ‘‘እቲ ሕጂ ዝጸሓፍን ዝበሃልን ዘሎ ፈጺሙ ንዕኡ ይገልጾ እዩ ኢለ ኣይኣምንን፤ ፈጺሙ!’’ ኢላ።

ማእሰርቲ በዓል ቤታ ከቢድ ጸገም ከምዘስዓበ እትገልጽ ወ/ሮ ስንታየሁ፡ ኣቶ ታየ ሰኑይ 1 ታሕሳስ 2016 [ኣግ] ኣብ ቀይዲ ምስኣተወ፡ ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ ነቲ ዝነብሩሉ ገዛ መንግስቲ ለቒቘም ክወጹ ከምዝተኣዘዙን ኣብ ጐደና ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ።

"ሰራሕተኛታት ‘ኪራይ ቤቶች’ ሰሉስ ንግሆ ሰዓት 3፡00 (9:00 ቅ.ቐ)፡ መጺኦም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ካብቲ ገዛ ክንወጽእ መልእኽቲ ገዲፎም ከይዶም፤ ረቡዕ ንግሆ ደጊሞም ብምምጻእ ሓሙስ ሰዓት 3፡00 ካብቲ ገዛ ውጽኡ ኢሎምና።"

በቲ ውሳነ ዝተሰናበደት ወ/ሮ ስንታየሁ ተግባራዊ ዝግበር እንተዀይኑ፡ "ናብ ጐደና ክንወጽእ ክንግደድ ንኸውን፤ እንታይ ከምዝፍጠር ጽባሕ ሓሙስ ሰዓት ሰለስተ ክንርኢ ኢና" ኢላ።

እቶም ስድራ ካብ ናይ መንግስቲ ገዛ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ክወጽኡ ዝተወሃቦም ትእዛዝ ዝምልከት፡ ቢቢሲ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ኣቶ ታየ ደንዳኣ፡ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሐ ኰይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጽአ ካብ ቀንዲ ደገፍቱ ብምዃን ናብ ሓላፍነት መጺኡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ምኽንያቱ ከይተገለጸ፡ 1 ታሕሳስ 2016 [ኣግ] ብሰለስተ መስመር ናይ ምስጋና ደብዳበ ካብ ሓላፍነቱ ክሳብ ዘሰናብቶ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዲኤታ ሚኒስትሪ ሰላም ኰይኑ እውን ኣገልጊሉ፡፡