እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ዳርጋ ምሉእ ደሴት ብዘይ ገዛ ዘትረፈ' ህቦብላ
ኣብ ደሴት ዩኒየን ዝነበረ ፅቡቕ ገዝኣ ብኸቢድ ሓያል ህቦብላ ቤሪል ከምዘይነበረ ኰይኑ ብህይወት ዝተረፈት ካትሪና ኮይ፡ ብመጠን እቲ ዝረእየቶ ዕንወት ሰንቢዳ ኣላ።
ኣብታ ኣብ ካሪብያን እትርከብ ደሴት ዝነበረ ዳርጋ ኩሉ ህንጻታት ከምዝፈረሰ ወይ ብኸቢድ ከምዝተሃስየ ድማ ትገልጽ።
“ደሴት ዩንየን ህቡብላ ቤሪል ምስ ሓለፋ ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት እያ ዘላ። ቃል ብቓሉ ዳርጋ እታ ደሴት ብምልእታ ገዛ-ኣልቦ እያ ተሪፋ” ኢላ ሚስ ኮይ ብቪድዮ ኣብ ዝዘርግሐቶ መልእኽታ።
“ደው ኢሉ ዝተረፈ ህንጻ የለን። ገዛውቲ ዓንዮም፤ ጽርግያታት ተዓጽዮም፤ ዓንዲ መብራህቲ ኣብ ጎደናታት ወዲቖም ኣለዉ” ኢላ።
ገፋፍ ዓሳን ኣተሓባባሪ ገፈፍቲ ዓሳን ሰባስቲያን ሳይሊ ብሓሳብ ኮይ ይስማማዕ።
“ኩሉ ጠፊኡ ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝነብረሉ ቦታ የብለይን” ኢሉ።
ካብ 1985 ጀሚሩ ነባሪ ደሴት ዩኒየን ዝኾነ ሳይሊ ኣብ 2004 ህቦብላ ኢቫን ክሓልፍ ርእዩ እዩ።
ህቦብላ ቤሪል ግን ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓይነት ከምዝዀነ ይዛረብ።
“እዚ ህቦብላ ዝሓለፎ እዩ፤ 90 ሚእታዊት ካብታ ደሴት ተደምሲሱ ኣሎ” ይብል።
ዕምቆት ናይቲ ዝተፈጥረ ስንባደን ፍርሕን ክሳብ ሕጂ ኣብ ድምጹ ይንፀባረቕ።
“ምስ በዓልቲ ቤተይን ጓለይን ኣዕቚበ ነይረ፤ ሓቂ ክነግረኩም ፈጺምና ብህይወት ክንተርፍ ኢና ኢለ ኣይሓሰብኩን” ኢሉ።
ምስ ስድራአ ሆቴል እትውንን ጓል ሓውቦኡ ኣሊዚ ብወገና፡ እቲ ህቦብላ ብከተማኦም ክሓልፍ ከሎ ዘስካሕክሕ ነገር ከምዘርአየት ትዛረብ።
“እቲ ጸቕጢ ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝነበረ እዝንኻ ዘፅምም ድምፂ እዩ ነይሩ። እቲ ናሕሲ ተበታቲኑ ክውሰድ ንሰምዕ ኔርና። መስኮት ክሰባበር፡ ከዕለቕልቕ ሪእና” ኢላ።
“ከምዚ ሕሱም ከም ዝኸውን ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ኩሉ ሰብ ስንባደ ፈጢሩሉ” ክትብል ተዛሪባ።
ኣፍራዪ ንህቢ ከምኡ’ውን ገፋፍ ዓሳ ዝኾነ ሰባስቲያን፡ ክልተ ናይ ንህቢን መርብሒ ቦታታት'ውን ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዉ ይገልጽ።
ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ እቲ ሕብረተሰብ ቀዳምነት ዝህቦ መጽለሊ ምርካብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ሰባት ንስድራቤቶም ገለ ዓይነት ግዝያዊ መንበሪ ንምስራሕ ዕንጨይትን ፕላስቲክን ክእክቡ ይረባረቡ ኣለዉ።
"ማይን መግብን ምርካብ ድማ ከቢድ ምዃኑ ርዱእ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣሊዚ ሳይሊ፡ ኣብ ደሴት ዩኒየን ካልኦት ብዙሓት ኣቑሑት እውን ብህጹጽ ከምዘድልዩ ተዛሪባ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክሳብ ሕጂ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘይብሎም ኮይኖም ብዙሓት ድማ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ይርከቡ።
ሰባስቲያን ሳይሊ፡ ዋላ’ኳ ኣብታ ደሴት ህውከትን ገዛ ኣልቦነትን እንተተፈጥረ፡ እንኳዕ ካብኡ ኣይምኸፍኣ ይብል።
“እቲ ኣገዳሲ ነገር ብህይወት ምትራፍና እዩ”።