ፖላንድ፡ ምስዳድ ኣጽዋር ናብ ዩክረይን ከምእተቋርጽ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, TOMASZ GZELL/EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK
ሓንቲ ካብ ቀንዲ እሙናት መሓዙት ዩክረይን ዝዀነት ፖላንድ፡ ድሕሪ እቲ ምስ ጉዳይ እኽሊ ተተሓሒዙ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጠረ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ፡ ናብታ ምስ ሩስያ እትዋጋእ ዘላ ጐረቤታ ኣጽዋር ምልኣኽ ደው ከምእተብል ኣፍሊጣ።
ኣብ ክንድኡ ንገዛእ ርእሳ ዘመናዊ ኣጽዋር ኣብ ምዕጣቕ ከምእተተኩር ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ገሊጹ።
እቲ ስጕምቲ ዝተወስደ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ድሕሪ ምስፋኑ እዩ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘስምዖ መደረ፡ ብሰሉስ ፖላንድ ንኣምባሳደር እታ ሃገር ጸዊዓ ኣዘራሪባ።
ዘለንስኪ፡ ገለ ሃገራት ምስ ዩክረይን ዘለወን ምሕዝነት ናይ ይምሰል ከምዝዀነ ክገለጽ እንከሎ፡ ፖላንድ፡ “ነታ ካብ መጀመርታ መዓልቲ ናይቲ ውግእ ጀሚራ ክትሕግዝ ዝጸንሐት ሃገር ዘይምልከት እዩ” ክትብል ነጺጋቶ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ማቲየዝ ሞራዊኪ ብረቡዕ ብተሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ምስ ሰደድ እኽሊ ተተሓሒዙ ዝተፈጠረ ምስሕሓብ፡ ሃገሩ ናብ ዩክረይን ኣጽዋር ምልኣኽ ደው ከምእተብል ኣፍሊጡ።
ንሱ፡ “ንፖላንድ ዘመናዊ ኣጽዋር ነዕጥቓ ስለ ዘለና፡ ደጊም ናብ ዩክረይን ኣጽዋር ኣይንልእኽን፡” ኢሉ።
እቲ ምስሕሓብ ጉዳይ እኽሊ፡ ድሕሪ ወራር ሩስያ መስመራት ጸሊም ባሕሪ ብምዕጻዎም፡ ዩክረይን ብመሬት ሰደድ ክትገብር ዘኽእላ ኣማራጺታት ክትደሊ ኣብ ዝተገደደትሉ ዝነቐለ እዩ።
ድሕሪ'ዚ ብዙሕ መጠን ዘለዎ እኽሊ ናብ ማእከላይ ኣውሮጳ ውሒዙ።
ከም ሳዕቤኑ እኽሊ ዩክረይን ከባብያዊ ዋጋ ከየውርድ ዝሰግአ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ናብ ሃገራት ቡልጋርያ፡ ሃንጋሪ፡ ፖላንድ፡ ሮማንያን ስሎቫክያን ከይኣቱ ብግዝያውነት ከልኪሉ።
እቲ ክልከላ ኣብ 15 መስከረም ከቋርጽ እንከሎ፡ ሃንጋሪ፡ ስሎቫክያን ፖላንድን ግን ነቲ ክልከላ ቀጺለናኦ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ዓለምለኻዊ ሓላፍነት ተጣሒሱ ዝበለት ዩክረይን፡ ኣንጻር እተን ሰለስተ ሃገራት ናብ ትካል ንግዲ ዓለም ክሲ ኣቕሪባ።
ፖላንድ ብግደኣ ነቲ ክሲ ብምንጻግ ነቲ ክልከላ ደው ከምዘይተብሎ ኣፍሊጣ ኣላ።
ዩክረይን፡ ነቲ ምስ እኽሊ ተተሓሒዙ ዝተጀመረ ወጥሪ እንተዘይኣህዲኣቶ ድማ ኣብ ካልኦት ምህርቲታት ዩክረይን እውን ከልከላ ከምእትገብር ቀዳማይ ሚኒስተር ሞራዊኪ ኣጠንቂቑ።
እተን ሰለስተ ሃገራት፡ ዋላ'ኳ ክልከላ እንተገበራ፡ ብግዝኣተን ኣቢሉ ናብ ካልኦት ሃገራት ክሓልፍ ከምዝፈቕዳ ግን ገሊጸን እየን።
ዩክረይን ብግደኣ፡ ፖላንድ “ስምዒት ንጐድኒ ብምግዳፍ” እቲ ወጥሪ ብዘተ ክፍታሕ ክትገብር ጸዊዓ።
ካብ ዩክረይን እኽሊ ምእታው ኣብ ዕዳጋ ኣውሮጳ ጉድኣት ከምዘየውርድ ዝገለጸት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፡ ነቲ ወጥሪ “ዘሕዝን” ክትብል ወቒሳ።
ዩክረይን፡ ነቲ ካብ ሩስያ ዝወርዳ መጥቃዕቲ ክትከላኸል ድጋፍ ክትገብረላ ዝጸንሐት ፖላንድ፡ ታንክታት ካብ ጀርመን ንኽወሃባን ነፈርቲ ክቐርበላን ብምጽዋዕ፡ ከምኡ እውን ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ስደተኛታት ብምቕባል ኣብ ጐድና ደው ኢላ ጸኒሓ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







