ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ኣል-ሸባብን ዝተኻየደ ውግእ

ምንጪ ስእሊ, AP
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ሶማልያ ኣብ ትርከብ ከተማ ሮብ ድሬይ ብኣል-ሸባብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከም ዝፈሸለ ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ ምክልኻል ሎሚ 9 መስከረም 2016 ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዕጡቓት እቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ሮብ ድሬ ዝተባህለ ከባቢታት ሃገረ ሶማልያ ኣብ ዝርከቡ ሓይልታቱ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ድሕሪ ምፍታኖም፡ "ምሉእ ብምሉእ ፈሺሉ ተደምሲሶም" ይብል።
ኣል-ሸባብ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሰለስተ ነታጒ ዝጸዓና መካይን፡ 12 ነታጒ ዝተዓጠቑን ካልኦት ልዕሊ 450 ኣባላትን ከም ዘሳተፈ ኣዛዚ ክፍሊጦር ኮሎኔል ፈይሳ ኣየለ ገሊጹ።
እቲ ኮሎኔል ወሲኹ እቲ ጉጅለ "ኣባላቱ ንጥፍኣት ኣዳልዩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ግን መደቡ ከይተዓወተ ተደምሲሱ” ኢሉ።
ሻምበል ጥላሁን ደምሴ፡ ኣልሸባብ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ኣሰሊፉ፡ ነታጒ ዝጸዓና ተሽከርከርቲ ተጠቒሙ መጥቃዕቲ ክፍጽም ከም ዝተንቀሳቐሰ ሓቢሩ።
እንተዀነ ክልተ ክፍልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ተዋዲዶም "ነቲ ንጥፍኣት ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሓይሊ ኣል-ሸባብ ስዒርናዮ ኣለና" ኢሉ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ እቲ መጥቃዕቲ መዓስ ከም ዝተፈጸመ ኣይገለጸን፤ ይኹን’ምበር ሮይተርስ ንነበርቲ ብምጥቃስ፡ እቲ ሰራዊት ብሰንበት 6 መስከረም 2016 ኣብ ምዕራብ ሶማልያ ምስቶም እስላማውያን ዕጡቓት ከም ዝተጋጨወ ጸብጺቡ ነይሩ።
ካብ ዶብ ኢትዮጵያ 20 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ክልል ባኮል፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ራብ ዱሬ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣል-ሸባብን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ልዑል ድምጺ ፍንጀራን ቶኽስን ከም ዝሰምዑ ነበርቲ ነቲ ማዕከን ዜና ገሊጾም።
ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ብወገኑ፡ ኣል-ሸባብ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ኢትዮጵያ ክልተ ድብያ ከም ዘካየደን ብሰንበት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማልያ ክልል ባኩል ግጭት ከም ዝነበረ ጸብጺቡ’ዩ። ኣናዶሉ፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕትን ግጭትን ከቢድ መጉዳእቲ ከም ዘጋጠመ’ውን ሓቢሩ።
እቶም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣካል ናይቲ ንፖሊስ ሶማልያ ንምሕያልን ካልእ ድጋፋትን ዝገብርን ተልእኾኡ ኣብ 2024 ዝዛዝምን ዓቃብ ሰላም መሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ እዩ።
እቶም ዓቃብ ሰላም ካብ ያድ ናብ ከተማ ዋጂድ ክምለሱ እንከለዉ፡ ብሰንበት ብኣል-ሸባብ ዝተፈ-ጸመ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ድብያ ከም ዘጋጠሞም’ዩ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። እቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ኤል ባርዴ ናብ ሑዱር ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝተፈጸመ ጠቒሱ።
ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ባኩል ኣብ ዋጂድን ሁዱርን ወተሃደራዊ መዓስከር ኣለዎም።
ኣብ ሑዱር ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓላፊ ጸጥታ ከም ምንጪ ብምጥቃስ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተኸታታሊ ጸረ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ወተሃደራት ሶማልያ ብሓባር ኣብቲ ጸረ-መጥቃዕቲ ልዕሊ 55 ዕጡቓት ኣል-ሸባብ እዮም ተቐቲሎም። ይኹን’ምበር እቲ ሓላፊ ጸጥታ፡ ብሰንኪ እቶም ክልተ መጥቃዕቲታት ክንደይ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝተቐትሉን ከም ዝቖሰሉን ካብ ምግላጽ ከም ዝተቖጠበ ሓቢሩ።
ኣናዶሉ፡ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣባላት ኣል-ሸባብን ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ነቲ መኮነን ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ብወገኑ፡ 167 ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝቐተለን ወተሃደራዊ መካይን ከም ዘዕነወን ምግላጹ’ውን ሓቢሩ።
ቅድሚ ሕጂ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምስ ሶማልያ እትዳወብ ዶባዊት ከተማ ብኣል-ሸባብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዓወት ከም ዘፍሸለት ምግላጻ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







