ሓይሊ ኣየር ሶማልያ ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን መጥቃዕቲ ኣካይዱ

ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ሶማልያውያን ሕጹያት መኮነናት ሓይሊ ኣየር

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremesekel

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ሶማልያውያን ሕጹያት መኮነናት ሓይሊ ኣየር

ሓይሊ ኣየር ሶማልያ ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን ናይ ውግእ በረራታት ብምክያድ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ማእከላይ ሶማልያ ዝርከብ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ኣየር ክፍጽም ከምዝጀመረ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቓሊሓን።

ብመሰረት ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፡ ሓይሊ ኣየር ሶማልያ ኣብ ማእከላይ ዞባዊ ግዝኣት ጋልሙዱግ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ኣብ ዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ።

“ሕጂ ሓያል ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ምድርን ኣለና። ብመንእሰያት ሶማልያ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ሶማልያ ናይ ምክትታል ተልእኾታት ከምኡ’ውን ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ይፍጽሙን” ክብል ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ጀነራል ዓብደላሂ ዓሊ ኣኖድ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ተዛሪቡ።

ኣብ ሕዳር 2022 ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ብኤርትራዊ መዘናኡ ኣስያስ ኣፍወርቂ ተዓጂቡ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ዝወስዱ ሕጹያት መኰነናት [ካደትስ] ሓይሊ ኣየር ሶማልያ ዑደት ኣካይዱ ነይሩ።

ኤርትራ፡ ኣብ ኮሌጅ ኣቬሽን ኤርትራ መደብ ስልጠና ዝወሰዱ ልዕሊ 200 ሕጹያት መኰነናት ሓይሊ ኣየር ሶማልያ 1ይ ጕጅለ ኣሰልጢና ምንባራ ተገሊጹ ነይሩ።

ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣስታት 5000 ዝዀኑ ሰራዊት ሶማልያ ብሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ኣየር ከምኡ’ውን እግረኛ ከሰልጥኖም ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ጉዳይ እቶም ንወተሃደራዊ ታዕሊም ናብ ኤርትራ ዝተላእኹ 5,000 ሶማላውያን ወተሃደራት፡ ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ከዘራርብ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ ሑሴን ሸኽ ዓሊ፡ መንግስቲ ንኣልሸባብ ንምውጋእ ኣጽዋርን ሄሊኮፕተራትን ከምዘጥረየ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ሰራዊት ሶማልያን ጉጅለ ኣልሸባብን ሓያል ኩናት ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ወተሃደራት መንግስትን ምልሻታት ቀቢላታትን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣንጻር እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ብዘካየድዎ ሓባራዊ መጥቃዕቲታት እቲ ጉጅለ ካብ ሓያሎ ቦታታት ተደፊኡ እዩ።