ሞቓድሾ፡ ኣብ ዓለም 'ሓደገኛ’ ከተማ ዶ ወይስ ‘ሉል ህንዳዊ ውቅያኖስ’?

ምንጪ ስእሊ, SORAYA ALI
ብሶራያ ዓሊ
ክሳዕ ቅድሚ ገለ ሰሙናት፡ ሃገረይ ኣይፈልጣን ነይረ።
እቲ ቋንቋ እዛረበሉ፡ መልክዐይ’ውን ምስ ኵሎም ዜጋታት እታ ሃገር ዝመሳሰል እዩ፤ ግን ረጊጸያ ኣይፈልጥን።
ሶማልያ!
ኣብዛ ወርሒ ግን ኣሰር ማእለያ ዘይብሎም ወለዶ ዲያስፖራ ተኸቲለ ናብታ ትውልዲ ዓደይ ተጓዒዘ።
ኣነ ካብታ መሰረት ስድራቤተይ ዝዀነት ሶማልያ፡ ኣስታት 9,700 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ለንደን’የ ተወሊደ ዓብየ።
ኣብኡ፡ ሞቓድሾ ወትሩ ክልተ ኣዝየን ዝተፈላለያ ከተማታት ከም ዝዀና ዓይነት ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ።
ብሓደ ወገን ኣብ ዜና ዝሰምዖ ነገር ኣሎ፡ ብሞትን ዕንወትን ዝመልአት ርእሰ ከተማ፡ "ኣብ ዓለም እታ ዝኸፍአት ሓደገኛ ቦታ" ተባሂሉ ዝንገረላ ሞቓድሾ።
ብኻልእ ሸነኽ ወለደይ ዝነግሩኒ ኣሎ፤ ብዛዕባ "ዛማር" ከምቲ ደቂ ዓዲ ዝጽውዕዋ፡ ኣዝዮም ብፍቕሪ’ዮም ዝይዛረቡ ነይሮም። ሞቓድሾ፡ ኣብቲ ዝነውሐ ገማግም ባሕሪ ኣፍሪቃ እትርከብ ጽብቕቲ ከተማ ከም ዝዀነትን ብብዙሓት "ሉል ህንዳዊ ውቅያኖስ" ተባሂላ ከም እትፍለጥን ይገልጹ።
ሕጂ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዝሰማዕክዎ ነገር፡ ገለ ሓቂ ከም ዘለዎም ክግንዘብ ክኢለ ኣለኹ።

ምንጪ ስእሊ, SORAYA ALI
ብዙሓት ዲያስፖራ ኣፍሪቃውያን ከማይ ናብ መበቆላዊ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ።
ኣብታ ሃገር ክትበጽሑ ከለኹም መብዛሕትኡ ግዜ ዓሚቝ ስምዒት ምትእስሳር ይርአ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብሓንሳብ ግን ዲያስፖራ ብምዃንኩም ዝመጹ ፍልልያት ዝፈጥርዎ ቅዛነት ወይ ትካዘ ይስምዓኩም።
ወለደይ ኣብ መወዳእታ 1950ታት ኣብ ሞቓድሾ እዮም ተወሊዶም፤ ከም ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ሶማላውያን ድማ ብዛዕባ’ታ ሃገር ዝያዳ ተስፋ ዘለዎ ዝኽሪ ኣለዎም።
"ዝደለናዮ ተኸዲንና ኣብተን ላዕሊአን ዝኽፈታ መካይን ኴንና ናብ ዝደለናዮ ንዘውር ኔርና" ትብል ኣደይ፡ ነቲ ልዑል ዝነበረ ዕንደራን ቅዲ ጸጕራን እናዘከረት። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ዓቃባዊ ኣከዳድና ክኽደና’ዩ ትጽቢት ዝግበር።
"ዘይኣጣል ጥራይ እዮም ነይሮምኹም" ኣሕዋተይ የላግጹ፤ ኣደይ እዚ ክትሰምዕ ከላ ትሓዝን።
ኣብ ሚድያታት ክንርእያ ዝዓበና ሶማልያ፡ ምዕራባውያን ጋዜጠኛታት ኣብ መዓስከራት ነቶም ብጥሜት ዝተሃሰዩ ተመዛበልቲ ከዘራርቡ ዝረኣየላ እያ። እዚ ኣብ 1990ታት ብሰንኪ ኲናት እዩ ነይሩ።
ግን ሕጂ’ውን፡ ኣብ 2023፡ ተመሳሳሊ ምስልታት ይርአ ኣሎ፤ ጠንቂ ናይዚ ቀጻሊ ዘይምርግጋእን ለውጢ ክሊማን’ዩ።
ብዘይተጸበኽዎ መንገዲ ድማ፡ ቅኑዕ ምስሊ እታ ሃገር ኣብ ቲክቶክ እየ ረኺበዮ።
#SomaliTikTok ተዓዘብቲ ኣለዎ፤ እዚ ሃሽታግ ኣስታት 77 ቢልዮን ግዜ ተራእዩ ኣሎ።
ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢለ፡ ብመነጽር ደቂ ዓድን ከማይ ዝኣመሰሉ ሰባትን ብዛዕባ መዓልታዊ ህይወት ሞቓድሾ ንእሽቶ ርድኢት ረኺበ። እዚ ድማ ብዓይነይ ከይደ ክርእያን ናብዛ ከተማ ምግዓዝ ከይተረፈ ክሓስብን ደሪኹኒ።

ምንጪ ስእሊ, SORAYA ALI
ብርግጽ ሞቓድሾ ክሳዕ ሕጂ ሓደገኛ ቦታ እያ፣ ምስ ኣልቃዒዳ ዝተኣሳሰር ጕጅለ ኣልሸባብ ስግኣት ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ጥቅምቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
ኣብ ሚድያታት ሳሕቲ ዝርአ ምስሊ ናይታ ከተማ ግን ኣሎ፣ ፍርሒ ዘይምርግጋእ ምህላዉ መብዛሕትኦም ምዕራባውያን ብነጻነት ክጓዓዙን ኵሉ መዳይ እታ ሃገር ክዕዘቡን ኣይክእሉን ማለት እዩ።
እቲ እንኮ ዝረኣኹዎ ጻዕዳ ሰብ፡ ኣብ ወሰን እቲ ልዑል ጸጥታ ዘለዋ መዓርፎ ነፈርቲ እዩ።
እቲ ሓቀኛ ሕመረት ሞቓድሾ ግን ብቤት መግቢ፡ ዕዳጋታት፡ ገማግም ባሕርን ህዝባን ጥራይ እዩ ክረአ ዝኽእል።
እታ ከተማ ለይቲ ለይቲ እያ ህያው ትኸውን ወይ ነፍሲ ትዘርእ፡ ብዝበለጸ ድማ ብባጃጅ - ሰለስተ ጎማ ዘለዋ ዓይነት ዓረብያ ሶማላያ - እንተተዳህሰሰት’ዩ ዝሓሸ ዝኸውን።
"ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ሽዱሽተ ባጃጅ ኣለዋ" ክብል ሓደ መራሒ መኪና ተዋዝዩ።
እቶም ፍሉጥ መግቢታትን መኣዛታትን፡ ኣሰራርሓ መግቢ ኣደይ የዘኻኽሩኒ።
ከም ስጋን ሩዝን ዝኣመሰሉ ቀንዲ መግቢታት ኣፍሪቃውያን፡ ኵሉ ግዜ ምስ ባናናን ኣብ ጐድኒ ድማ ምስ ከም ቀመማዊ ስፓጌቲ ቦሎኛ ዝኣመሰሉ መግቢታት እዮም ዝቐርቡ፤ እዚ ካብ ሕሉፍ መግዛእቲ ጥልያን ዝተበገሰ’ዩ።
ገፈፍቲ ዓሳ እቲ ከባቢ፡ ኣብ ጃፓን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላር ክሽየጥ ዝኽእል ግዙፍ ቱና ኣብ መንኵቦም ተሰኪሞም ክኸዱ ይረኣዩ።
እቲ ዘሕዝን ግን፡ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዝስስን ዝነበረ ኢንዱስትሪ ምግፋፍ ዓሳ ሶማልያ፡ እኹል ትሕተ ቅርጺ የብሉን፤ ከምኡ’ውን እኹል ወፍሪ ኣይስሕብን። ብሰንኪ’ዚ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ዝግባኦም ዓስቢ ኣይረኽቡን ዘለዉ ማለት እዩ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ መሓመድ፡ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ሓደ ዓመት ገይሩ ኣሎ። እታ ሃገር’ውን ኣብ መንገዲ ዳግመ ህንጸት ከም ዘላ ዘመልክት ስምዒት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, SORAYA ALI
"ኣብ ኵሉ ቦታ ህንጸት ትርኢ ኣለኺ፡ ቀስ ኢልና ንመሓየሽ ኣለና፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ" ይብል ወዲ 24 ዓመት መራሒ እታ ዝተሳፈርኩላ ባጃጅ።
ከም ካልኦት ብዙሓት፡ ንሱ’ውን ርግኣት ዝዓሰላ ሶማልያ ገና ኣይረኣየን። እቲ ኲናት ኣብ 1991 እዩ ተወሊዑ፤ ኣስታት 75 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድመኦም እዮም።
ንሱ ግን ተስፋ ይገብር ኣሎ፤ ግን ዕላልና ነቲ ዘሰክፍ ዘይማዕርነት ዘጕልሕ ነይሩ።
ከም ብዙሓት ዲያስፖራ፡ ኣነ ክምለስ ናይ ምምራጽ ፍሉይ ዕድል ኣለኒ።
ካልኦት ሶማላውያን፡ ብፍላይ ድማ ካብታ ርእሰ ከተማ ወጻኢ ዘለዉ ግን፡ መውጽኢ መንገዲ እዮም ዘናድዩ።
ኣብ 2022 ሶማልያ፡ ብደረጃ ዓለም ብብዝሒ ስደተኛታት መበል ሻሙናይ ደረጃ ከም ዝሓዘት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ሶማልያ ሓንቲ ካብተን ንክሊማ ተቓላዕቲ ዝዀና ሃገራት ዓለም ኰይና፡ ብሰንኪ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ተገዲዶም እዮም፤ እቲ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ካብ ዝተረኣዩ ዝኸፍአ ድርቂ ሕጂ ብምዕልቕላቕ ውሕጅ ይትካእ ኣሎ።
ብዝበለጸ ናብታ ከተማ እናተጓዓዝና፡ ሓድሽን ኣረጊትን ህንጻታት ኣስተብሂለ። ነቲ እስላማዊ ኣፍሮ - ጣልያናዊ ስነህንጻ ድማ ከድንቕ ደሪኾምኒ።
ኣብ ቅድሚ እቶም ህንጻታት ኮንክሪት መከላኸሊታትን ቁጽሪ ዘይብሎም ዝተጸፍጸፉ ካሻታት ሑጻን ይርአ። ዳርጋ ኣብ ኵሉ ኩርናዓት እታ ከተማ ድማ ኤኬ-47 ጠመንጃ ዝዓጠቐ መንእሰይ መኮነን ኣሎ።
ብመጕልሒ ድምጺ ኣቢሉ ኣዛን - ጻውዒት ጸሎት - ይግልጽ፣ ኣብ መንጎ ድማ ካብ ርሑቕ ድምጺ ተዅሲ ይስማዕ።
እዚ እናሃለወ ግን ዓሚቝ ተስፋ ይስምዓኒ። ድማ በይነይ ኣይኰንኩን።
እታ ከተማ መብዛሕትኦም ካብ ሚነሶታ ወይ ቶሮንቶ ብዝመጹ ካልኦት ዲያስፖራን ከምኡ'ውን ምርግጋእ ንምዅስኳስ ቆሪጾም ዝተለዓሉ ናይቲ ከባቢ ሶማላውያንን ዝተመልአት እያ።
"ኣብ ሃገረይ እምነት ኣለኒ" ኢላትኒ ሓንቲ መንእሰይ ነጋዲት። ፈጺማ ካብ ሃገራ ክትስደድ ከም ዘይትደሊ’ያ ትዛረብ።
ንሳ፡ "እታ ወለድና ዝነገሩና ሶማልያ ክንመልሳ ንኽእል ኢና" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







