እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መድሃኒት ምጕዳል ክብደት ሰብነት ክወሃብ እዩ
ክብደት ሰብነት ንምንካይ ዝሕግዝ ወጐቪ ዝተበሃለ መድሃኒት፡ ኣብ ብሪጣንያ ክወሃብ እዩ።
ሃገራዊ ትካል ጥዕና - ኤንኤችኤስ፡ እዚ ብውሱን መጠን ዝኣተወ ዓይነት መድሃኒት ንዝሓመሙ ሰባት ክእዘዝ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።
እዚ መድሃኒት ኣብ ሃገራዊ ትካላት ይዅን ብሕታውያን ማእከላት ጥዕና ክወሃብ ከም ዝኽእል'ውን፡ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ዓሰርተታ ኣሽሓት ጸገም ዘለዎም ሰባት ክሕግዝ ከም ዝኽእል ይግመት።
እንተዀነ ኣብ ዓለም ሕጽረት መድሃኒት ወጎቪ ስለዘሎ ዋጋኡ ክቡር ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
እዚ ብመልክዕ መርፍእ ዝወሃብ መድሃኒት ልዕሊ 10 ሚእታዊት ክብደት ንምንካይ የኽእል።
ነዚ ዝወሰዱ ሰባት፡ ሸውሃቶም ከም ዝንኪ ወይ ስምዒት ጽጋብ ብምፍጣር፡ መግቢ ከይወሰዱ ነዊሕ ክጸንሑ ይኽእሉ።
ህቡባት ሰባት፡ ኣብ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ተጠቀምቲ እዚ መድሃኒት እዮም።
እንተዀነ፡ እዚ መድሃኒት ንኣካላዊ ምንቅስቓስን ጥዑይ ኣመጋግባን ከምዘይትክእ ሰብሞያ ይሕብሩ።
ነዚ መድሃኒት ንምፍታን ተባሂሉ ዝወሰዱ ሰባት፡ ተጠቃምነቱ ደው ኣብ ዘበልሉ እዋን ክብደት ክውስኹ ተራእዮም እዮም።
ወጐቪ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ብሪጣንያ ክንደይ ከም ዝሽየጥ’ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ቅድሚ ሕጂ ግን ንኣርባዕተ መርፍእ ብ 73.25 ፓውንድ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ሓደ ተጠቃሚ ኣብ ሰሙን ሓደ መርፍእ ይወስድ።
ደኒማርካዊ ትካል ኖቮ ኖርዲክስ፡ ነዚ መርፍእ ዘፍሪ ዘሎ ኰይኑ፡ ፍርያቱ ብስፍሓት ክሳብ ዝዛዝም ኣብ ዓለምለኻዊ ምክፍፋል ገደብ ከም ዝህሉ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ፡ “እዚ ፍርያት ንዝተወሰነ ግዜ ክንኪ ትጽቢት ንገብር፤ ዝተወሰነ ፍርያት ግን ኣብ ዕዳጋታት ብሪጣንያ ክቐርብ’ዩ” ኢሉ።
ነዚ መድሃኒት ኣዝዮም ዝደልዩ ሕሙማት ቀዳምነት ንኽረኽቡ ምስ ሰብሞያ ጥዕና ከም ዝሰርሕ ዝሓበረ ኖቮ ኖርዲክስ፡ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘለዎም ሰባት እዚ ሕክምና ክረኽቡ ከም ዝሰርሕ ኣረዲኡ።
እዚ መድሃኒት፡ ምስ ዝተመጣጠነ ምግብን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ንክልተ ዓመታት ዝወሃብ ኰይኑ፡ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ንዘለዎምን ብሰንኪ ክብደቶም ንሕማም ዝተቓልዑ ሰባት ክወስድዎ ይኽእሉ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣስታት 35 ሽሕ ሰባት ብመገዲ ሆስፒታላት እታ ሃገር ኣቢሎም ነዚ መድሃኒት ክረኽቡ ዝኽእሉ ኰይኖም፡ ኣብ ዝስዕብ መድረኽ፡ ንኻልኦት ዜጋታት ክወሃብ ምዃኑ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ወሃቢ ቃል እቲ ትካል፡ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ሕጽረት መድሃኒት ወጐቪ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝሰርሑ ተዛሪቡ።