እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሰባት ንሕጽረት መግቢ ከምዝተቓልዑ ተገሊጹ
ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጲያ ብኲናትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሰባት ንሕጽረት መግቢ ከም ዝተቓልዑ ተገሊጹ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ክልል ዓፋር ኣቶ መሓመድ ሑሴን ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ኣብቲ ክልል ዘጋጠሙ ድርቂ፡ ሓደጋ ውሕጅን ኲናትን ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሰባት ንከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣቃሊዖም።
ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤምኤስኤፍ) ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ዓፋር እናገደደ ዝመጽአ ቅልውላው መግቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረሉ ሓቢሩ እዩ።
እቲ ትካል ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት መሰረታዊ ዝበሃሉ ማእከላት ሓለዋ ጥዕናን ጽሩይ ዝስተ ማይን ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ይነብሩ ከም ዘለዉን ብዙሓት ህጻናት ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ይሞቱ ከም ዘለዉን'ውን ሓቢሩ።
ዋላ'ኳ ኣቶ መሓመድ ብሕጽረት ምግቢ ዝሞቱ ህጻናት ብዛዕባ ምህላዎም “ሓበሬታ የብለይን” እንተበለ፡ ካብቶም ሓገዝ ምግቢ ዘድልዮም 1.3 ሚልዮን ሰባት፡ ካብ መንግስትን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ሓገዝ ዝረኽቡ ዘለዉ እቶም ልዕሊ 900 ሽሕ ሰባት ጥራሕ እዮም ኢሉ።
“ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ፡ ን340 ሽሕ ሰባት ሓገዝ ምብጻሕ ኣይተኻእለን። ነቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይበጽሖም ወገናት ንምሕጋዝ ንዓለምለኻዊ ትካላት ሓገዝ ክገብሩ ኣፍሊጥናዮም ኣለና” ኢሉ።
“መንግስቲ ብዝተኻእለ መጠን ሓገዝ የቕርብ ኣሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ን 630 ሽሕ ህዝቢ መዓልታዊ ቀለብ የቕርብ ኣሎ።”
ብተወሳኺ ኣስታት 100 ሽሕ ህጻናት ሃናጺ መግቢ ይቐርበሎም ከም ዘሎ ኣቶ መሓመድ ተዛሪቡ።
ኣቶ መሓመድ ከም ዝሕብሮ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ትሕተ ቕርጺ ስለ ዝዓነወን ንብረት ስለ ዝተዘምተን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብዚ እዋን ኣብ መዕቆቢ ክጸንሑ ተገዲዶም እዮም።
ኤምኤስኤፍ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ካብ ዝርከቡ ማእከላት ኣገልግሎት ጥዕና፡ እቶም 20 ሚእታዊት ጥራይ ኣገልግሎት ይህቡ ከም ዘለዉ ገሊጹ እዩ።
እንተዀነ እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ቅልውላው ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምሕባር ትካላት ረድኤት ብቕልጡፍ ኢደን ከእትዋ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።