ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ናብ ሓደገኛ ውግእ ሓድሕድ 'ተምርሕ ዘላ' ካልእ ሃገር

ኣብ ደቡብ-ሱዳን፡ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣቝሙ ዝርከብ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ካብቲ ኣብ 2018 ዝኣተዎ ውዕል ሰላም ምውጽኡ ትማሊ ሰሉስ ከም ዘፍለጠ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እዚ ውሳነ'ዚ ዝሰዓበ፡ ኣብ መንጎ መራሒ ናይቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ሪክ ማቻርን ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን ብጎንጽን ማእሰርትን ዝምድናኦም እናሻሕከረ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ሳልቫ ኬርን ሪክ ማቻርን ድሕሪ ዝበፅሑዎ ስምምዕ፡ እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ደው ክብል ገይሩ ፀኒሑ እዩ።

ይዅን'ምበር፡ ብሕልፊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት፡ ኣብ መንጎኦም ወጥሪ እናወሰኸ ክመጽእ ተራእዩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ'ዚ፡ ሓይልታት ጸጥታ ንምኒስተር ነዳድን ምክትል ኣዛዚ ሰራዊትን ዝርከቡዎም ሓያሎ ሰበስልጣን ተቓዋሚ ሓይሊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን (SPLM-IO) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ይዝከር።

እቲ ማእሰርቲ፡ እቶም 'ዋይት ኣርሚ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ምልሻታት ኣብ ከተማ ናስር ኣንጻር ሰራዊት ደቡብ-ሱዳን ድሕሪ ዘካየዱዎ መጥቃዕቲ ዝሰዓበ ኰይኑ፡ ተቓዋሚ ሓይሊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ነቶም ተወለድቲ ንዌር ዝዀኑ ምልሻታት ደገፍ ከም ዝገብሩሎም መንግስቲ ይኸስስ።

እቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ግን ነዚ ክሲ'ዚ ነጺጉዎ እዩ።

ምክትል ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ሓይሊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ኦየት ናትናኤል ፒየሪኖ፡ እቶም ዝተኣስሩ ሰበስልጣን ክሳዕ ዝፍታሑ፡ እቲ ሰልፊ ምስ መስርሕ ሰላም ኣብ ዝተኣሳሰር ዝዀነ ይዅን ጸጥታዊ ንጥፈት ከም ዘይሳተፍ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊኦም ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ስጕምትታት ንህላወ ስምምዕ ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ፒየሪኖ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃድን፡ ንሕመረትን ህላወን እቲ ውዕል ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ፡" ኢሉ።

ኣብታ መዋስንቲ ኢትዮጵያ ዝዀነት ናስር፡ ካብ መወዳእታ ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት፡ 50,000 ሰባት ካብ ቤተ-ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉን 10,000 ሰባት ድማ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሃደሙን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣኒታ ኪኪ ግቤሆ ገሊጻ።

ሓላፊ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ-ሱዳን ኒኮላስ ሃይሶም፡ እታ ሃገር "ናብ ኲናት ሓድሕድ ክትምለስ ኣብ ኣፍደገ" ረጊጻ ብምህላዋ፡ ስክፍታ ከም ዝስምዖ ገሊጹ።

ብዙሕ ሓሶት ሓበሬታን ናይ ጽልኢ ዘረባን ከም ዘሎ፣ በዚ ድማ እቲ ግጭት ዓሌታዊ ባህሪ ክሕዝ ከም ዝኽእል ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መደረ ገሊጹ።

ኣብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት'ውን ኣብ ደቡብ-ሱዳን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ንኽፈርስ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ ክብሉ ክኢላታት ይኣምኑ። ከም ሳዕቤኑ፡ ኣታዊታት ነዳዲ ደው ኢሉን ወጥሪ እናወሰኸን ይኸይድ ኣሎ።

ኣላን ቦስዌል ካብ 'ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ፡ "ከምቶም ኲናት ሱዳን ቅድሚ ምብራዑ ዝተራእዩ ምልክታት፡ ሕጂ ኣብ ላዕላይ ናይል'ውን ይርኣዩ ኣለዉ። እዚ ወጥሪ'ዚ ናብ ርእሰ ከተማ ጁባ ከይበጽሕ ደው ንምባሉ ከቢድ ክኸውን እዩ፡" ኢሉ።