እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣከዳድና ዘለንስኪ ኣብ ኦቫል ሃውስ ንዘጋጠሞ 'ውርደትን ሕስረትን' ጠንቂ ዀይኑ ድዩ?
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብዓርቢ ኣብ ዋይት ሃውስ ካብ መኪንኡ እንትወርድ፡ ቀዲሙ ዝሃቦ ርእይቶ ብዛዕባ ኣካድንኡ እዩ ነይሩ።
ትራምፕ ሰላምታ ክህቦ እንከሎ፡ ነቲ ብዩክረይናዊ ወተሃደራዊ ቅዲ ዘለዎ ጸሊም 'ስዊትሸርት' ዘለንስኪ ብምትኳር፡ "ኣጥዒሙልካ'ባ" ክብል ትንክፍ ኣቢልዎ።
ትራምፕ፡ ከም ብዋዛ ዝተዛርበ ይምሰል 'ምበር ውሽጣዊ ስምዒት እቲ ፕረዚደንት ዘመልክት ይመስል።
ዘለንስኪ ካብ ምጅማር ምሉእ ወራር ሩስያ 2022 ኣትሒዙ ፡ ንኮንግረስ ኣመሪካ ሓዊሱ፡ ምስ መራሕቲ ዓለም ኣብ ዝገበሮ ኣገደስቲ ኣኼባታትን ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ስረ፣ ቁልፊ ዘለዎም ማልያታትን ክራቫታን ገይሩ እዩ ዝረአ።
እቲ መራሒ ዩክረይን፡ ዝመርጾ ወተሃደራዊ ክዳውንቲ፡ ነቶም ኣብ ግንባር ኲናት ምስ ሰራዊት ሩስያ ዝዋግኡ ወተሃደራት ድጋፍ ንምርኣይ ምዃኑ እዩ ዝገልፅ።
ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ድጋፍ ክቃወሙ ንዝፀንሑ ነቐፍቲ ግን፡ እዚ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዘቖጥዕ ኮይኑ እዩ ፀኒሑ።
ንዓመታት፡ ኣብ ገለ የማናውያን ነቐፍቲ መዛረቢ ነጥቢ ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕዚ እቲ ጉዳይ ብዘደንቕ መንገዲ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ይርከብ።
ብፍላይ፡ ኣብቲ ብዓርቢ ምስ ትራምፕን ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓደ መዛረቢ ዛዕባ ኰይኑ ተራእዩ።
ብኸመይ እናኸረረ ከይዱ?
እቲ ኣኼባ ንጋዜጠኛታት ክፉት ምስ ኰነ፡ እቲ ቀዳማይ ሕቶ ካብ ዋና ወኪል ዋይት ሃውስ ናይ ዓቃባዊ መርበብ ዝዀነ- መደብ 'ሪል ኣሜሪካስ ቮይስ' ብራያን ግለን ዝመጸ እዩ።
"ንምንታይ ጥዑይ [ስሩዕ] ዘይትኽደን? ኣብ ቤት ፅሕፈት ዝለዓለ ደረጃ እዛ ሃገር ኢኻ ዘለኻ?"
"ንምዃኑ ሱፍ ኣለካ ዶ?" ብምባል ኣስዒቡ።
እቲ ሕቶ በዚ ኣየብቀዐን።
"ብዙሓት ኣመሪካውያን ክብሪ ናይዚ ቤት ጽሕፈት ከምዝተንከፍካ እዩ ዝስመዖም።"
እቲ ፕረዚደንት፡ ክሳብ ሽዑ ምስ ትራምፕ ዲፕሎማስያዊ፡ ዋላ'ውን ምሕዝነታዊ ዕላል ዝገብርን ዝዕገስ ዝነበረን ዝመስል ኰይኑ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ገፁ ቁጥዐ ዝተራእየሉ ህሞት'ዩ።
"እዚ ኲናት ምስተወድአ ሙሉእ ሱፍ [ኮስትዩም] ክኽደን እየ" መለሰ ዘለንስኪ።
ብድሕሪኡ እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ጋዜጠኛ ብቓላት ከላግፀሉ ጀሚሩ።
"ምናልባት ከምዚ ናትካ ዓይነት 'እወ' ። ዝሓሸ ነገር ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ እንድዒ" በለ ከም ዋዛ።
"ምናልባት ዝሓሰረ ነገር ክኸውን ይኽእል'ዩ።"
ዕሉል ደጋፊ -ጋዜጠኛ
እቲ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ናብ ዘለንስኪ ዝቐረቦ ናይ መጀመርታ ሕቶ ነዚ ዝምልከት ነይሩ።
ንሱ፡ " ሙሉእ ሱፍ ብዘይምኽዳን ነቲ ቦታ ዘናዓቕካ ኣይመስለካን?' ክብል ዝኸሰሶ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ ሃዋህው ብኡንብኡ ከም ዝቐየሮ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ሓቢሮም።
ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ እቲ ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንትን ኣመሪካ ኣብ ቅድሚ ካሜራታት ቲቪ ዓለም ንኤውሮጳዊ መሓዛኦም ከዋርዱ ተራእዮም።
ሕቶ ግለን፡ ኣብ ፖለቲካ ማጋ [ኣመሪካ ትቕደም] ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ቅሬታ እዩ ንፋስ ኣውቒዑዎ።
ከም በዓል ጀይ ዲ ቫንስ - እቲ መራሒ ዩክረይን፡ ኣመሪካ ንሰለስተ ዓመት ዝሃበቶ ወተሃደራዊ ሓገዝ እኹል ምስጋና ወይ ኣኽብሮት ዘርኢ ኣይመስልን ክብሉ ይምጉቱ።
ደጋፊ ትራምፕ ዝኾነ ቻነል 'ራይት ሳይድ ብሮድካስቲንግ ኔትወርክ' ብዝሰርሖ ስራሕ ኣብ ዓቃባውያን ዓንኬላት ዝያዳ ዝፍለጥ ግለን፡ ሽፍንፍን ዘይብሉ ቅሉዕ ደጋፊ ትራምፕ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንፖሊቲኮ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "100 ሚእታዊት ደድሕሪ ፕረዚደንት ትራምፕን ኣጀንዳ 'ኣመሪካ ትቕደም' "ን ከምዘሎ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ምስታ ሓንቲ ካብተን ብግልጺ ዝዛረባ ደገፍቲ ትራምፕ ዝኾነት ኣባል ኮንግረስ ጆርጅያ ማርጆሪ ተይለር ግሪን ፍቕራዊ ርክባት ከምዘለዎ ይግለጽ።
ልሙድ ድዩ?
ግለን ከም ኣካል ናይቲ ንፕረዚደንት ዝሽፍን ጉጅለ ጋዜጠኛታት ዋይት ሃውስ ኮይኑ እዩ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ።
እዚ ጉጅለ እዚ ንፕረዚደንታዊ ወግዓዊ መደባት ሰፊሕ መራኸቢ ብዙሃን ዝሽፍን እዩ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ን 'ሓደሽቲ ድምፅታት' ዕድል ክንህብ - ብዝብል ሽም፡ ኣብዚ ሰሙን ናብቲ መድረኽ ዝኣትዉ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ተሪር ቁፅፅር ገይሩ።
ኣብ 2020 ዝተመስረተት 'ሪል ኣሜሪካስ ቮይስ' ብተዛማዲ ድሩት ዝኾነት የማናዊት ማዕከን ዜና ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ዝቐረባ ሓያሎ ደገፍቲ ትራምፕ ዝኾና ቻነላት ሓንቲ እያ።
ኣጋይሻ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ትራምፕ ይትንትኑ።
ንኣብነት ፕረዚደንታዊ መረፃ 2020፣ ናዕቢ ካፒቶል 2021ን ካልእን ብዝምልከት ንትራምፕ ዘለዎም ድጋፍ ኣስፊሖም ይቐርቡሉ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ኦቫል ኦፊስ ዘጋጠመ ውጥጥ፡ ግለን "ንህዝቢ ዩክረይን ልዑል ሓዘኔታ ከምዘለዎ"፡ ነገር ግን 'ዘይውሕሉል' ኣከዳድና ዘለንስኪ ንኣመሪካ ዘይምኽባር ምዃኑ ዝገልፅ ፅሑፍ ኣብ ኦንላይን ጠቂዑ።
ደገፍቲ ዘለንስኪ ብወገኖም፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ዊንስተን ቸርችል ንቡር ክዳን ተኸዲኑ ዘርኢ ስእልታት ብኢንተርነት ዘርጊሖም።
ኣብቲ እዋን፡ እቲ መራሒ ብሪጣንያ ምስ ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ፍራንክሊን ሩዝቨልት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ጃምፕሱት ዝመስል ክዳውንቲ ክኽደን እንከሎ፡ ምስ መራሕቲ ዓለም ኣብ ዝገበሮ ርክባት'ውን፡ ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ይኽደን ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ. . .
ድሕሪ ሕቶ ግለን፡ እቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ብቕልጡፍ ናብ ጭቡጥ ዛዕባታት ተሰጋጊሩ ነይሩ።
'ኣመሪካ ናብ ዩክረይን ተወሳኺ ኣጽዋር ክትሰድድ ድያ?' ዝብል ሕቶ ቀሪቡ ነይሩ።
ትራምፕ ግን ኣብ መወዳእታ መልሱ፡ ናብቲ ናይ ዘለንስኪ ክዳን ተመሊሱ ርእይቶ ሂቡ።
"ኣነ ክዳውንትኻ እፈትዎ እየ" ኢሉ ብዋዛ ንዘለንስኪ እናኣመልከተ፡ "ዘጥዐመሉ ይመስለኒ" ኢሉ።
ብድሕሪ መጋረጃ፡ ኣተሓሳስባ ትራምፕ ካብዚ ዝተፈልየ ክኸውን ከምዝኽእል ጸብጻባት ይሕብሩ።
ማዕከን ዜና ኣመሪካ ኣክሲዮስ፡ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስ ንዘለንስኪ መሉእ-ሱፍ ክዳን ክኽደን ሓቲቶም ከምዝነበሩን፡ ከምኡ ብዘይምግባሩ ከምዝተቖጥዑን ሓቢሩ።
ቫንስ ንዘለንስኪ ብተደጋጋሚ "ሚስተር ፕረዚደንት" ክብል ዝፀወዐ ዀይኑ፡ እቲ መራሒ ዩክረይን ግን፡ "ጀይዲ" ኢሉ ይፅወዖ ነይሩ።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ኦቫል ኦፊስ መጺእካ ነዚ ኣብ ቅድሚ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ክትከራኸር ምፍታንካ ኣኽብሮት ዘይብሉ ይመስለኒ" ኢሉ።
እቲ ዘተ ካብኡ ቁልቁል ወሪዱ።
ኣብ'ዚ እዋን ኲናት፡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብዚ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ኣብ ዝበጽሐሉ ዘሎ እዋን፡ ዘለንስኪ ካብ ዋይት ሃውስ ተባሪሩ ወፂኡ።