እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓለምለኻዊ መሰል እንስሳት፡ ኣብ ልዕሊ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕርቦ ዘሎ ነቐፌታ እንታይ እዩ?
ፒታ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ተሓላቒ መሰል እንስሳታት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዱ ነይሩ።
'ፒፒል ፎር ዘ ኤቲካል ኦፍ ኣኒማልስ' (ፒታ) ዝተሰምየ ትካል፡ ኣብ ጥቓ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ'ዩ ሰልፊ ጸዊዑ።
ብመሰረት እቲ ትካል፡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣህባይ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተጠቒሞም ዓሌታት ኣህባይ የሰጋግሩ ከም ዘለዉ ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ፒታ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣንጻር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕንዑ ዝተፈላለዩ ጐስጓሳት ከካይድ ጸኒሑ'ዩ።
እቲ ትካል መሰል እንስሳታት ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት እቲ መገዲ ኣየር፡ ፈሓም ብምድርባይ ተቓውሞኡ ከም ዘስዓበ ይግለጽ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ብማሕበራት ድሕነት እንስሳታት ዝጀመሮ ወፍሪ ብምጥቃስ መግለጺ ሂቡ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣመሪካ እንታይ ኣጋጢሙ?
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለተ ሓሙስ፡ ናይ ልደት ክዳዉንቲ ዝተኸድኑ ሰራሕተኛታት ፒታ፡ ናብቲ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምእታው፡ፈሓም ፋሕ ኣቢሎም።
ፒታ ብ18 ታሕሳስ 2024 ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋሽንግተን "እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ዓይነታት ኣህባይ [ማክዌስ ዝበሃሉ] ንምርምር ቤተ ፈተነ ኢሉ የጕዓዕዝ'ሎ" ብዝብል ተቓውሞ ከም ዘስመዐ ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ፡ ሓደ ዓሌታት ኣህባይ ብኮንትሮባንድ የሰጋግር ከም ዘሎ ኣብ ዝቐረበ ክሲ ሽም መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ዝተጠቐሰ ኣመልኪቱ።
ምክትል ፕረዚደንት ፒታ ኰይና ትሰርሕ ዝነበረት ካቲ ጊለርሞ፡ "መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብፍርሒ ንዝርዓዱ ኣህባይ የዘዋውር ኣሎ። እዞም ኣህባይ ተሳቒዮም እዮም። ኣካላቶም ተበሊዖምን ተቐቲሎምን። ንጥዕና ህዝቢ ሓደጋ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም" ኢላ።
ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ 'ALXnow'፡ እቲ መገዲ ኣየር እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ውሽጥን ወጻእን እቲ ቤት ጽሕፈት ፊሓም ድሕሪ ምድርባዮም፡ ናብ ፖሊስ ሓቢሩ።
እቲ መርበብ ሓበሬታ ወሲኹ፡ ቤት ጽሕፈት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንውሑዳት ሰዓታት ተዓጽዩ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
[ኤኤልኤክስናው] ካብ ሰራሕተኛ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ረኺበዮ ዝበሎን ኣብ ቤት ጽሕፈት እቲ መገዲ ኣየር ኵምራ ፈሓም ዘርኢ ቪድዮ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዘርጊሑ'ሎ።
ፒታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ፈሓም ኣብ ደገ ኣፍ እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ዝተደፍአ ሓቢሩ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ'ኸ እንታይ በለ?
እቲ መገዲ ኣየር ብ15 ታሕሳስ 2024 ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተጀመረ ጎስጓሳት ከምዝተዓዘበ ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ፡ እቶም ጐስጓሳት ብትካላት እንስሳ ዘገዳም'ኳ እንተተኻየዱ፡ "ኣብ ጭቡጥ ሓበሬታ ዘይተመርኰሱ ናይ ሓሶት ወይ መደናገሪ ክስታት ካብ ምቕራብ ክቑጠቡ" ከም ዘለዎም ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ፡ "መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብመሰረት ኣብ መጓዓዝያ ብህይወት ዘለዉ እንስሳት ዝተቐመጠ ኣህጉራዊ ሕጊ እዩ ዝሰርሕ" ኢሉ።
እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ቀረባ እዋን ብዘይሻራዊ ክኢላ ብዝተገበረ መርመራ መሰረት ደንቢ ዓለም ለኸ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር (IATA)ን ቁፅፅር ህያዋን እንስሳን (LAR) ይሰርሕ ከም ዝነበረ ተገሊፁ።
"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሃገራውን ዓለምለኻውን ሕግታት በረራ ይጥሕስ ኣሎ ዝብል ክሲ ሓሶት'ዩ" ይብል እቲ መግለጺ።
እቲ መገዲ ኣየር ኣስዒቡ "ነዞም ተሓለቕቲ መሰል እንስሳታት ዘልዕልዎ ስክፍታታት ዝርዳእ'ኳ እንተዀነ፡ ሕብረተሰብ ኰነ ትካላት ኣብ ስራሕና ዝለዓለ ስነ-ምግባራዊ መትከላት ከም እንኽተል ክፈልጡ ኣለዎም" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ዲሲ ኣብ ጥቓ ቤት ጽሕፈት እቲ መገዲ ኣየር ከም ዝተኻየደ ዝንገረሉ ተቓውሞ ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን።
ቢቢሲ ፒታ ዝተባህለ ትካል ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕርቦ ዘሎ ጥርዓንን ኣብ ቤት ጽሕፈት ዲሲ ዘጋጠመ ጉዳይን ካብቲ መንገዲ ኣየር መብርሂ ክወሃቦ ሓቲቱ፡ መልሲ ግን ኣይረኸበን።
ትካል ተሓላቒ ድሕነት እንስሳታት [ፒታ] ኣብ ልዕሊ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጥርዓን ከቕርብ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ [ኤክስ] ኣብ ዘካፈሎ ቪድዮ፡ ቶክዮ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ከምዘስዓበ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኒውዮርክን ብራስለስን ኣንፃር እቲ መገዲ ኣየር ተቓውሞ ከም ዘስምዐ'ውን ይዝከር።
ኣብ 2021 'ወርልድ ኣኒማል ፕሮቴክሽን' ዝተብሃለ ትካል ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ "መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንንግዲ ዝውዕሉ እንስሳ ዘገዳም ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛ የጕዓዕዝ ኣሎ" ኢሉ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ እዋን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ "ኣህጉራዊ፡ ዞባዊ፡ ሃገራዊ ሕግታትን ውሽጣዊ ኣገባባትን ተኸቲለ ህያዋን እንስሳታት ብዓቢ ጥንቃቐ እየ ዘጓዕዝ" ብምባል መልሲ ሂብሉ ምንባሩ'ውን ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ሓላፊ ጎስጓሳት ፒታ ዓባይ ብሪጣንያ ሩበን ስኪት፤ ምክትል ፕረዚደንት ፒታ ኤስያ ጄሰን ባከርን ወዲ 11 ዓመት ወዱን ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእሳሮም ከም ዝተሰጐጉ ይግለጽ።
ክልተ ኣመሪካውያንን ሓደ ብሪጣንያዊን፡ እቲ መገዲ ኣየር ኣህባይ ብኽፉእ ኣተሓሕዛ ናብ ቤተ ፈተነ የጕዓዕዝ ኣሎ ብዝብል ተቓውሞ እናስምዑ እንከለዉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም።
[ፒታ] ኣብ መላእ ዓለም ንመሰላት እንስሳታት ብጎስጓስን ተቓውሞን ዝፍለጥ ዘይመንግስታዊ ትካል እዩ።