እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማይክል ኪዋኑካ ፡ 'ስመይ ከቶ ኣይልውጥን' ዝበለ ህቡብ ኣፍሪቃዊ-እንግሊዛዊ ሙዚቀኛ
ብዛዕባ ማይክል ኪዋኑካ ምሕሳብ፡ ብዛዕባ እቲ "ካብ ጨርቂ ናብ ወርቂ" ዝብል ብሂል የዘኻኽረና።
ኣብ ቍንቍኛ ፈረንጂ "ካብ ጨርቂ ናብ ወርቂ" (rags-to-riches) ዝበሃል ብብዝሒ ኣብ ስነጽሑፎም ዝጥቀምሉ ብሂል ኰይኑ፡ ንሓደ ካብ ውጹእ ድኽነት ናብ ብልጽግና፡ ወይ ከኣ ካብ ድቕድቕ ክውለት ናብ ክብታ-ተፈላጥነት በሎኽ ኢሉ ንዝወጽእ ሰብ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ኣብ ህቡብ ባህሊ (popular culture) ተደኲኑ ዝርከብ መተረኽታ'ዩ። እምበኣርከስ ዛንታ ማይክል ኪዋኑካ ካብኡ ዝርሕቐ ኣይኰነን፣ እኳ ደኣ ከም ኣብነት ናይቲ ብሂል ኣስሚርና ከነዘንትዎን ከነብዕሎን ዝግባእ ዛንታ'ዩ ክበሃል ይከኣል።
ሙዚቃ ንማይክል ኪዋኒካ ካብ ድኽነት ክወጽእ ዘኽኣሎ ትዕድልቲ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ ከምቲ ናቱ ኣብ ሙዚቃ-ዓለም-ፈረንጂ ገይሩ ዝተጓነጸፎ ዓወት ቀሊል ቅያ ከም ዘይኰነ ክምስከረሉ ዝግብኦ ስነጥበበኛ'ዩ።
ባህልን ታሪኽን ሙዚቃ ፈረንጂ ዓሚቝን ነዊሕን ኰይኑ፡ ካብ ዘመን ናብ ዘመን ብብርክት ዝበሉ መድርኻት ሓሊፉ እናሓየለን እናተመሓየሸን ዝማዕበለ ስነጥበብ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ካብኡ ዝተማህሩን ብእኡ ዝማዕበሉን ፍሉጣት ሙዚቀኛታት ንወለዶታት እና`ስነቑ ሓደ ርጡብ ባህሊ ሙዚቃ ክፈጥሩ ክኢሎም'ዮም።
ነቲ ካብ ግዳም መጺኡ ተቓልዖ ዝጓደሎ ሰብ፡ ካብ ባዶ ተበጊሱ፡ ኣብ ሞንጎ ፈረንጂ ኰይኑ ሙዚቃዊ ዓቕሙ ንኸማዕብል ዝፍትን ሰብ ቀሊል ጻዕሪ ከም ዘይኰነ ኵሉ ዝግንዘቦ ሓቂ'ዩ፣ ንማይክል ግን ኣብቲ ሜዳ ፈረንጂ ኣትዩ ጸብለል ክብል ምርኣይ ብሓቂ ዘገርም'ዩ።
ማይክል ጊታር ክጻወት ምስ ጀመረ፡ ከም'ቶም ዓበይቲ ናይ ጃዝ ጊታርያታውያን ክኸውን ሕልሚ ነበሮ። ኣይኰነሉን፣ ከም ኣሰናዪ-ጊታሪስታ ኰይኑ ግን ክእለቱ ኣማዕበለ። ምስ ብዙሓት ዓበይቲ ደረፍቲ ከኣ ተጸንቢሩ ክእለቱ ኣመስከረ።
እዚ ኣብ ማዝወል-ሂል ዝበሃል ክፋል ለንደን ዝዓበየ፡ ኡጋንዳ ዝሞበቈሉ ዜጋ እንግሊዝ፡ ስድርኡ ካብ ኢዲ ኣሚን (እቲ ጨካን መራሒ ኡጋንዳ ዝነበረ) ሃዲሞም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተዓቝቡ ሰባት ክዀኑ እንከለዉ፡ ማይክል ኣብ ማእከል ጸዓዱ ብምዕባይ ህርድግ ኢሉ ነቲ ኣብ ሙዚቃ ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ዝዀስኰሶ ዓቕምን ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ከብጽሖን ኣብ ዓለም ከኣ ተፈላጥነት ክረክብ ብምኽኣሉን ንኣፍሪቃውያን ብሓበራ፡ ንኡጋንዳውያን ድማ ብፍላይ፡ ህያው ኣርኣያ'ዩ ኢልካ ምግላጹ ምግናን ኣይኰነን።
ማይክል ኪዋኑካ ኣብ ሙዚቃ-ዓለም ክዓብን ክብሩ ክዛይድን ምስ ጀመረ፡ እቶም ናይ ካርየራኡ (ቀዋሚ-ሞያተኝነት) ኣለይትን ኣማኸርትን፡ ከምኡ'ውን እቶም ኣማለድቲ-ንግዲ ተበላሒቶም፡ ስሙ ኣብ መልሓስ ጸዓዱ ኰረር ስለ ዘይብል፡ ነቲ ኪዋኑካ ዚብል ስሙ ንኽልውጥ ሕሹኽ እናበሉ ምስ ፈተኑዎ ቅልውላው ፈጠረሉ። ንሳቶም ብምኽንያት ስሙ መሸጣ ሙዚቃኡ ለጠቕ ክብል'ዩ ካብ ዚብል ስክፍታ፡ ምስኡ ከኣ ኣታዊኦም ከይሃምም ፈሪሖም'ዮም ስምካ ቀይሮ እናበሉ ተጽዕኖ ዝገበርሉ።
ማይክል ስሙ ንምልዋጥ ኣብ ውሽጡ ሕርኽርኽ ስለ ዝበሎ፡ ንምኽሮም ከም ረቂቕ ዓይነት ዘርአኝነት ገይሩ ስለ ዝረኣዮ፡ ምስኡ ከኣ መንነቱ ክስርዝ ዝሓትዎ ከም ዝነበሩ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖ ዓቕሉ ጸበቦ።
"ምስቲ ወለድና ዝሃቡና ስም ዘለና ምትእስሳር ኣዝዩ ሓያል'ዩ፡" ኢሉ ምስ ነብሱ ብምዝራብ፡ "ካብ ስም ጥምቀትካ ዝዓቢ ህያብ ስድራናን ፈጣሪናን የሎን፣ ንዓይ ከኣ ህያው መዘከርታ'ዩ፡" ብምባል ምኽሮም ከም ዘይቅበሎ ኣነጺሩ መለሰሎም።
ኣብታ ብ2019 ዘሕተማ ፡ ብስሙ 'ኪዋኑካ' ኢሉ ዝሰመያ ሳልሰይቲ ኣልብሙ፡ እኳ ደኣ ብዓበይቲ ፊደላት፡ ነቲ ስሙ ንምቕያር ዝተኻየደ ጐስጓስ ብዕልን ዓውታን መልሲ ሃበሉ። 'ጅግና' (hero) ዘርእስታ ደርፉ፡ ነቲ ጕዳይ ብስነጥበባዊ ኣገባብ ከም ዝመከቶ ተኸታተልቱ፡ ሰዓብቱን ሰብ-ሚድያን ይምስክሩ።
'ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ' ኰይኑ ነገሩ፡ ነቶም ስሙ ንኽቕይር ሕሹኽ ዝብለዎ ዝነበሩ ሰባት ናይ ገባርን ሓዳግን ስልጣን ስለ ዝነበሮም፡ ድልየቶም ስለ ዘየማልኣሎም ሕንኦም ይፈድዩዶ ይዀኑ ካብ ዝብል ስግኣት፡ 'እቲ ዝበሃል ካብ በልኩ፡ ጅግናዶ ክብሉኒ ይዀኑ፡ ወይስ ኣጠዓዒሞም'ዮም ክሃርሙኒ፡" እናበለ እናተጻዕረን እናተሳሕበን ክደርፍ ምስምዑ ክሳብ ክንደይ ብረቂቕ ከም ዝሓስብ ኣመስከረ ይብሉ ተንተንቲ ሙዚቃ።
ማይክል ኪዋኑካ ብብልጭልጭ ዓለም ሰብ-ዝና ዘይተዓሻሾ፡ ኣትኵሮኡ ኣብ ስርሑ ብደምቢ ዝዓሰለ፡ ብሙዚቃዊ መሃዝነቱ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ዝርከብ፡ ኣብ ሞንጎ መንእሰያት ከኣ ግዙፍ ህላወ ክፈጥር ዝኸኣለ ሰብ'ዩ።
ማይክል ንመጀመርታ ኣቓልቦ ሰማዕቲ ዘጥረየሉ እዋን ምስ ኣደል (Adele) - እታ ኣብ ዓለም ብደርፋ መዳርግቲ ዘይብላ ስነጥበበኛ ኰይኑ ብ2011 ብዘካየዶ ዑደት ነበረ።
ኣይጸንሐን ኣብ ዓመቱ፡ እታ ቀዳመይቲ ኤል.ፒ. 'Home Again' ዘርእስታ ብ2012 ኣብ ዕዳጋ ኣውጽአ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብደረጃ ወርቂ ከኣ ጸብለል በለት።
እታ ካልአይቲ ዲስኮኡ ድማ (Love & Hate) ብ2016 ካብ ኵለን ደርፍታት ቀዳመይቲ ክትወጽእ በቕዐት።
ማይክል ዋዕ-ዋዕ ከይበለ፡ እቲ ናይ ልቡ ብደርፍታቱ ኣቢሉ ምስ ሰማዕቱ ክመያየጥ ብምኽኣሉ፡ ንብዙሓት ሰበ-ስልጣን ሙዚቃን ክኢላታትን (ሓተታ ኣቕረብቲ) ሃነን ዘብለ ሙዚቀኛ ምዃኑ እቶም ዝተሓጽየሎምን ዝተዓደሎምን ብልጫታት ይምስክርሉ።
ካብ 2011 ጀሚሩ ማይክል ብርክት ዝበሉ ብልጫታት ክረክብ ክኢሉ'ዩ። እታ ቀዳመይቲ ብልጭኡ 'ድምጺ ቢ.ቢ.ሲ. 2012' (BBC Sound of 2012) ክትከውን ከላ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጥጡሕ ባይታ ፈጠረትሉ። ጸኒሑ ንብሪት-ኣዎርድስ (Brit Awards) ተሓጽየ፣ ከምኡ'ውን፡ ኣብ ኤም.ቲ.ቪ.- ኤውሮፓ (MTV Europe Music Awards) ካብ'ቶም ዝለዓሉ ሙዚቀኛታት ኰይኑ ቀረበ።
እዚ ንምሉእ ህይወቱ ንጋንታ ቶትንሃም - ሆትስፐር እናደገፈ ዝዓበየ ሙዚቀኛ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ካብ ክሊ ልሙድ ንግዳዊ ትካል ሙዚቃ ወጺኡ ናብ ክሊ ናይ'ቶም ምሩጻት ሰበ-ብልጫ ሙዚቀኛታት ክሰግር ብምኽኣሉ፡ ንኣቕረብቲ ሓተታ ሙዚቃ ዳግም ዘዛርብ ዘሎ ሙዚቃዊ ብቕዓቱ ተመስኪሩሉ ድማ ሰለል ኢሉ ዘንሳፍፍ ዘሎ ስነጥበበኛ እዩ።
እቶም ኣቐዲሙ ዘውጽኦም ኤል.ፒ.'ታቱ ጽቡቕ ተቐባልነት ክረኽቡ እንከለዉ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ድማ ቅዲ ስርሑን ዉረባኡን ብሓቂ ክደምቁ ስለ ዝኸኣሉ፡ ብ2019 ንፈለማ እዋን በታ 'ኪዋኑካ' ዘርእስታ ኤል.ፒ. ኣቢሉ ሽልማት መርኩሪ ክቕበል በቒዑ'ዩ። ትርጕም እቲ ሽልማት ብሓቂ ዓቢ'ዩ፣ ኣብ ምህዞ-ሙዚቃ ዘለዎ ብልጫታቱን ብቕዓቱን ዕምቈት ዘለዎም ሕላያቱን (lyrics) ኣለልዩ ስለ ዝመስከረሉ። ኣብ መበል 63'ዊ ዓመታዊ 'ግራሚ ኣዎርድስ' (ዓመታዊ ሰብ-ብልጫ ሙዚቃ ዝእንገድሉ ጽንብል) ድማ ከም ወናኒ እታ ዝበለጸት 'ሮክ-ኣልቡም' ኰይኑ ቀረበ። ይዅን'ምበር፡ ብዘገርም ኣገባብ ማይክል ብፍረ-ጻማኡ ኣብ ክንዲ ዝበራታዕ ለጠቕተኝነት ፈጠረሉ።
ማይክል፡ ምስ ሻርሎት ዝስማ - ኣብ ናይ ወንጌል ሙዚቃ እትነጥፍ ብዓልቲ ቤቱ - ብ2016 ተመርዕዩ ምስ ክልተ ደቆም ጽቡቕ ሓዳር መስሪቶም ኣብ ሳውዝሃምፕተን ዝበሃል ከተማ'ዮም ዝቕመጡ። ሻርሎት ጽንዕትን ኣብ ዓንዲ-እምነታ ዝተጸግዐት ብርትዕቲ ሰብ ስለ ዝዀነት፡ ንማይክል ክሽገር ኣስተብሃለትሉ። እወ፡ ማይክል ካብ እምብዛ ትሑት ምዃኑ በቲ ዝተጓናጸፎ ዓወት ክኣምን ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ ነብሰ-ጥርጠራን ተሸሚሙ ንነብሱ ክሓትት ምስ ጀመረ ጭንቀት ከም ዝፈጠረሉ ረኣየት።
ማይክል ካብ ሙዚቃ ተኣልዩ ኣብ ናይ ሓዳር-ዓለም ተሸሚሙ ንሒደት ዓመታት ተገሊሉ ብምጽንሑ ንብዙሓት ኣድነቕቱ ኣብ ስክፍታን ሻቕሎትን ከተተ። ሻርሎት ግን ጸገሙ ተረዲኣ ኣብ ጐድኒ ብዓል ቤታ ደው ብምባል፡ ሸተት ክብል እናልዓለት፡ ዘድሊ ጽንዓት ብምስናቕ ዳግም ብድድ ክብል ቀሲባቶ'ያ ክበሃል ይከኣል።
ሒደት ዓመታት ጸኒሑ ከኣ ኣብ መድርኽ ብምምላስ፡ እንሆ ሕጂ`ውን እታ ተኸታተልቱ ብሃንቀውታ ዝጽበይዋ ዝነበሩ 'Small Changes' ዘርእስታ ራብዐይቲ ኣልቡም ከሕትም ብምኽኣሉ፡ ድሮ ሰብ ዋኒን-ሙዚቃ ብኣኽብሮት ተቐቢሎም ኣብ ፈቐድኡ ሚድያ ዓለም ብኣድናቖት ክዛረቡላ ጀሚሮም ኣለዉ።
"ደጊምሲ ኣብ ዉሽጢ ሕልመይ እነብር እነኹ፡ ኣብ ዘየድሊ ለጠቕተኝነት ኣትየ ዘባኸንኩዎ ግዜ ይኣክል፡" ብምባል ብሓያል መንፈስ ተሰንዩ ንትዕድልቱ ብግቡእ ኣብ ምጥቃም ይርከብ።
ማይክል ኪዋኑካ ዝጻወቶ ዓይነት ሙዚቃ፡ ከምቲ ዘመን ኣምጽኦ ንሳዕስዒት መንእሰያት ዝርዕም ድሙቕ ረምታን ዳምዳምታን ዘለዎ ዘይኰነስ ልስልስ ኢሉ ኣብ ሓሳብን ኣስተንትኖን ዝሽምም ኰይኑ፡ ንሕልና ዝምክት ዓይነት ሙዚቃ'ዩ ዘቕርብ ክበሃል ይከኣል። ኵሎም ደርፍታቱ፡ በቲ ምዉቕን ኣብ ኣእምሮ ምስሊ ዝገድፍን ድምጹ ሰብኣዊ እንተናኡ ክድሕድሖ ምስምዑ ንባዕሉ ተመኵሮ'ዩ።
ነቲ ብዛዕባ እምነቱ ንኽዝምር ጠለስታ ዘሎዎ ኰይኑ ዘይስምዖ ዝነበረ ከያናይ፡ ብዛዕባ ህይወት፡ ኣቦነትን፡ ጓና ምዃን፡ ምስጢር ዕብየት ስነ-ጥበቡ ክዛረብ ምስማዕ ንባዕሉ ትምህርቲ'ዩ። ብዛዕባ ሳዕቤን ናይቲ ዝተጓናጸፎ ዓወት - ናይ ሓንጎል ጭንቀት - ኣልዒሉ ምስ መራኸቢ-ብዙሓን ከይሓብአ ክዛረብ ምኽኣሉ ብብዙሓት ይምስገን'ዩ።
ማይክል ኪዋኑካ ኣብ 'ዘ-ጋርድያን' ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዓለምና ከም ዝተለወጠ ይዛረብ። "ቀደም ናይ ኣፍርቃ ስም ሒዘ ኣብ ዓለም ጸዓዱ ምእታወይ ሰኸኽ ዝብለሉ ዘመን'ዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ፡ ኣብ ዙርያይ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ዓለመይ - መማህርተይ ኰኑ መምህራነይ፡ ንስመይ ብግቡእ ስለ ዘየድምጽዎ ንኽእርሞም ተኸኽ እብል ነበርኩ። ሕጂ ግን ብኣፍሪቃዊ ስመይ - ብዘየገድስ ከመይ ገይሮም ሰባት የድምጽዎ፡ ብሓቂ'የ ዝሕበን ፡ ፈጨጭ'ውን እብል፡" በለ።