ካብ ሓራምዝ ክሃድም ብሓርገጽ ዝተቐትለ ገፋፊ ዓሳ

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ምብራቓዊ ዛምብያ ሓደ ወዲ 52 ዓመት ገፋፍ ዓሳ፡ ህይወቱ ንምድሓን ካብ መጓሰ ሓራምዝ እናሃደመ እንከሎ ብመጥቃዓቲ ሓርገጽ ከም ዝሞተ ፖሊስ ሓቢሩ።

እዚ ሓደጋ ዲን ኒረንዳ ምስ ክልተ ኣዕሩኽቱ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ክምለስ ከሎ ምስ ጕጅለ ሓራምዝ ድሕሪ ምግጫዎም ብረቡዕ እዩ ተኸሲቱ።

ምእንቲ ከምልጡ ድማ ሃዲሞም ኣብ ጥቓ ፈለግ ሉዋንግዋ ኣብ ዝርከብ ሩባ ክሕንብሱ ጀሚሮም።

"ኣብቲ ግዜ እቲ እዩ ሓደ ሓርገጽ የማነይቲ ሰለፉ ብምንካስ መጥቃዕቲ ኣውሪድሉ፡" ይብል ሓላፊ ፖሊስ ሮበርትሰን ምዊምባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ።

እታ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ብዝሒ ሓራምዝ ዘለዋ ኰይና፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳ ዘገዳምን ዘጓንፍ ግጭት ብዙሓት ሰባት ቀቲሉ እዩ።

ፖሊስ ወሲኹ'ውን ኒሬንዳ በቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ በትሪ ብምውቃዕ "ካብቲ ሩባ እናኣንፍሓኸ ወጺኡ፡" ብምባል ምዊምባ ካብቲ ሓርገጽ ከምልጥ ከም ዝኸኣለ ሓቢሩ።

ድሕርሪ'ዚ እቶም ካብ ካብ ማዕዶ ዝከታተልዎ ዝነበሩ ክልተ ገፈፍቲ ዓሳ ብጾቱ ክሕግዝዎ ብምኻድ ገምገም ፈለግ'ኳ እንተ ወሰድዎ፡ ብዙሕ ደም ይፈሶ ብምንባሩ ብህይወት ክተርፍ ኣይከኣለን።

እቲ ሓለቓ ፖሊስ፡ "ነቲ ደም ክዓግትዎ ፈቲኖም እኳ እንተ ነበሩ፡ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ሞይቱ፡" ኢሉ።

ሰብመዚ እንስሳ ዘገዳም ድሒሮም ኣብቲ ቦታ ፍጻመ ኣብ ዝበጽሕሉ፡ ኣብ የማነይቲ ሰለፍ እቲ ገፋፊ ዓሳ ዓሚቝ መንከስቲ ብምርካብ ንጠንቂ ናይቲ ናብ ሞት ዘብጽሐ ብዝሒ ደም ምፍሳስ ተመልኪቶም።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ንሰብመዚ ተወኪሱ።

እቲ ናሽናል ፓርክ ደቡብ ሉዋንግዋ ዛምብያ ኣቢሉ ዝውሕዝ ፈለግ ሉዋንግዋ ሓደ ካብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ብዝሒ ሓራግጽ ኒል ዝርከብሉ ከም ዝዀነ ተጣበቕቲ ዕቃበ እንስሳ ዘገዳም ይሕብሩ።

ካብቲ ኣብ 2023 እተመዝገበ 26 ሞት እንስሳ ዘገዳም 15 ብመጥቃዕቲ ሓርገጽ ዝሰዓበ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ጥቓ ፈለግ ሉዋንግዋ ዝርከቡ ምዃኖም ሓደ ብማሕበረሰብ ናይቲ ከባቢ ዝምራሕ ኣፍሪቃዊ ትካል ግብረሰናይ ዕቃበ እንስሳ ዘገዳም ይገልጽ።

ሰበስልጣን ዛምብያ ኣቐድም ኣቢሎም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባትን በጻሕቲ ሃገርን በቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ተኣፋፊ ቦታታት እንስሳ ዘገዳም ክጓዓዙ ከለዉ ኣዝዮም ጥንቃቐ ክገብሩ ጸዊዖም ነይሮም እዮም።

ሰበስልጣን እንስሳ ዘገዳም ብወገኖም፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብን እንስሳታትን ዘሎ ግጭት ንምቕናስ ዘኽእል ስጕምትታት ክወስዱ ይሓስቡ ከም ዘለዉ ይገልጹ፣ ገለ ካብዚ ከኣ ኣብ ጥቓ እንስሳ ዘገዳም ዝከላኸለሉ ሓጹር ምህናጽ ዘጠቓልል እዩ።