ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ስልጣን ንሲቪላዊ መንግስቲ ከረክቡ ተሰማሚዖም

ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣብ መንጎ ንዲሞክራሲ ዝድግፍ ጥምረት ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ብኣዘዝቱ ሰራዊት ዝምራሕ ምምሕዳርን፡ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምቛም ዘኽእል ኣናዊ ስምምዕ ተፈሪሙ ።

እቲ ውዕል መረጻ ክሳብ ዝካየድ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሕ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ዘኽእል እዩ።

እንተኾነ ድሮ እቲ ውዕል፡ ነቲ ዕልዋ ዘካየዱ ሰባት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ብዝጠልቡ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ። 

እቲ ተቓውሞ ኣብ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዝተጀመረ ኮይኑ ኣብ መላእ እታ ሃገር ክቕጽል ከምዝኽእል ይግመት።

ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ እታ ሃገር ነበር ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ከቢድ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ሚያዝያ 2019 ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ሱዳን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣትያ ትርከብ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሃገራት ኣዕራብን ምዕራባውያንን ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ንምስፋን፣ ተቓውሞታት ደው ንምባልን ዝተረመሰ ቁጠባ እታ ሃገር ንምድሓን፡ ኣብ ሞነጎ እቲ ወታሃደራዊ ምምሕዳርን ሲቪልን ዝግበሩ ድርድራት ክድግፉ ጸኒሖም።

እንተኾነ ግና እቲ ሎሚ ሰኑይ ዝተፈረመ ውዕል ‘ነይበርሁድ ረዚስታንስ ኮሚተ’ ዝተባህለ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ክመርሕ ዝጸንሐ ውዳበ ተቓዊምዎ'ሎ።

እቲ ማሕበር ከም ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝበሉ መራሕቲ ብሞት እቶም ኣብ ሰልፍታት ኣንጻር ዕልዋ ዝተቐተሉ ዜጋታት ክሕተቱ እዩ ዝጠልብ።

ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ስምምዕ ምምሕያሽ ትካላት ጸጥታ ዘይሓውስ ብምዃኑ እቲ ወታሃደራዊ ክንፊ ምስ ሓይሉ ክቕጽልን ዲሞክራስያዊ ስግግር ከተዓናቕፍ ክገብርንእ ዘኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።

ፖለቲካዊ መራሕቲ ግና ፡ ፍትሕን ካልኦት ምምሕያሻትን ኣብ ቀጻሊ ዝርርብ ከምዝረኣዩ ይገልጹ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ነቲ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኣል-በሽር ዝተመስረተ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምፍራስ ስልጣን ምጭባጡ ይዝከር።

ነቲ ዕልዋ ዘይተቐበሉ ሱናውያንን ክሳብ ሕጂ ህዝባዊ ተቓውሞታት ከካይዱ'ዮም ጸኒሖም።