እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካቶሊካውያን ካብ ትራምፕን ሃሪስን ‘ካብቲ ዝኸፍአ ዝሓሸ’ ክመርጹ ጳጳስ ፍራንሲስ ጸዊዖም
ጳጳስ ፍራንሲስ ንኽልቲኦም ሕጹያት ፕረዚደንት ኣመሪካ "ኣንጻር ህይወት" ክብሉ ብምግላጽ፡ ካቶሊካውያን መረጽቲ ግን ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ‘ካብቲ ዝኸፍአ ዝሓሸ’ ክመርጹ ምዒዶም።
እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጉዳይ ስደተኛታት ዘይምቕባል ምስ ትራምፕ ብዝተኣሳሰር ብዘምስል ጠቒሶም "ከቢድ" ሓጢኣት ምዃኑ ተዛሪቦም። ካማላ ሃሪስ ድማ ኣብ ምንጻል ጥንሲ ዘለዋ መርገጺ ምስ "ቅትለት" ኣነጻጺሮምዎ።
ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ን12 መዓልታት ዝጸንሐ ዑደት ኣብ ዝዛዘሙሉ እዋን ብዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ “ስደተኛታት ዘባረር ይዅን ዕሸላት ዝቐትል ኵሎም ኣንጻር ህይወት ደቂ ሰባት እዮም” ኢሎም።
እቶም ጳጳስ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ንሃሪስ ይዅን ንትራምፕ ብስሞም ኣይጠቐሱን። ካብቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ 1.4 ቢልዮን ኣመንቲ ካቶሊካውያን እቶም 52 ሚልዮን ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ’ዮም።
ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ነፋሪት ኰይኖም ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ንካቶሊካውያን መረጽቲ ወኪሎም ኣብቲ መረጻ ክሳተፉ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ተሓቲቶም፡ ኣመሪካዊ ከምዘይኮኑን ኣብቲ መረጻ ከምዘይመርጹን ተዛሪቦም። ኣመሪካውያን ግን ድምጾም ክህቡ ኣተባቢዖም።
“ዘይምምራጽ ጽቡቕ ስለዘይኮነ ክትመርጹ ኣለኩም። ኣወዳዲርካ ካብቲ ዝኸፍአ ነቲ ዝሓሸ ክትመርጽ ኣለካ። መን እዩ እቲ ንእሽቶ ሓጥያት ዘለዎ? እታ ሰበይቲ ዶ እቲ ሰብኣይ ግን እንድዒ። ኵሉ ሰብ ብሕልናኡ ነዚ ክሓስብን ክገብርን ኣለዎ" ኢሎም።
እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብትምህርቲ ካቶሊክ ዝተኸልከለ ምንጻል ጥንሲ ብተደጋጋሚ ኣትሪሮም ይነቕፍዎ እዮም።
"ንውላድ ካብ ማህጸን ኣደ ብሓይሊ ምውጻእ ቅትለት'ዩ፡ ምኽንያቱ ኣብኡ ህይወት ስለዘሎ" ኢሎም።
ብዛዕባ ትራምፕ ድማ ነቐፌታዊ ርእይቶታት ክህቡ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
ኣብ እዋን መረጻ 2016፡ ንትራምፕ "ክርስትያን ኣይኰነን" ክብሉ ገሊጾሙዎ ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ ከምኡ ዝበልሉ ምኽንያት ድማ እቲ ፕረዚደንት ጸረ ስደተኛታት ዝጥቀመሉ ቃላት እዩ።
"ስደተኛታት ምስጓግ፡ ህይወቶም ከመሓይሹን ህይወት ክህልዎምን ዘይምፍቃድ ጽዩፍ ነገር'ዩ" ክብሉ ብዓርቢ ገሊጾም።
ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ተሪር ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ቃል ከምዝኣተወን ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ዳግማይ እንተተመሪጹ ሚልዮናት ስደተኛታት ክሰጉግ ከምዝኾነን ኣፍሊጡ እዩ።
ካማላ ሃሪስ ምንጻል ጥንሲ ብዝምልከት መከላኸሊታት ብደረጃ ሃገር ብስፍሓት ከምዝዝርጋሕ ቃል ኣትያ ኣላ።
ጳጳስ ፍራንሲስ ሓሳቦም ዝገለጹ ትራምፕን ሃሪስን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መድረኽ ካብ ዝካትዑ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ።
እቶም ሕጹያት ተወዳደርቲ ተወሳኺ ሓደ ግዜ መድረኽ ክትዕ ከካይዱ ትጽቢት እኳ እንተነበረ፡ ትራምፕ ግን ምስ ሃሪስ ዳግማይ ከምዘይካታዕ ኣፍሊጡ'ሎ።