ኣከዳድናኺ 'ስነ ልቦናና ረቢሹዎ' ዝብል ተቓውሞ ዝቐረበላ ሚኒስተር፡ ሻርፓ ተለቂሓ ክትሽፈን ተገዲዳ

ሚኒስትር ጥዕና ዛምቢያ ሲልቫ

ምንጪ ስእሊ, Zambia parliament

ሚኒስተር ጥዕና ዛምቢያ ሲልቫ ማሴቦ፡ ኣብ ባይቶ፡ ሓደ ተቓዋሚ ኣባል ባይቶ፡ ኣከዳድንኣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት "ስነ-ልቦናዊ ረብሻ" የስዕብ ኣሎ ብምባል ናብ ኣፈ-ጉባኤ እቲ ባይቶ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቡ፡ መንኵባን ሕቖኣን ብሻርፓ ክትሽፍን ተገዲዳ።

ሙለንጋ ፉቤ፡ ኣከዳድና እታ ሚኒስተር፡ ሑቖኣ ዘርኢ ስለ ዝነበረ፡ 'ማሴቦ ግቡእ ኣከዳድና ድያ ተኸዲና ዘላ?' ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ።

እቲ ሲልቫ ማሴቦ ተኸዲናቶ ዝነበረት ቀምሽ፡ ኣፍልባን መንኰባን ዝሸፈነ ኰይኑ ገለ ክፋል ዝባና ዘርኢ’ዩ ነይሩ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ፡ ኣብ’ቲ ኣከዳድና ዝዀነ ጸገም የብሉን ዝብል ምላሽ ሂቡ። ይኹን’ምበር፡ ብሰንኪ’ቲ ዝቐረበ ጥርዓናት ክትሽፈን ኣለዋ ኢሉ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሚኒስትር ሲልቫ ናይ ገዛእ ርእሳ ሻርፓ ሒዛ ቅድሚ ምምላሳ፡ ካብ ካልእ ኣባል ባይቶ ተለቂሓ ክትሽፈን ተገዲዳ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ፍጻሜ ኣድልዎ ምዃኑ ብምግላጽ ተቓዊሞምዎ።

ኣባል ማሕበር ክርስቲያን መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ሚርያም ምዊንጋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ፍጻመ ጾታዊ ኣድልዎ ዝተራእዮን ንናጽነት ደቂ ኣንስትዮ ዝዳፋእን ከም ዝዀነ ገሊጻ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ባይቶ ዛምብያ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ባይቶ ክዀና እንከለዋ ስሩዕ ኣከዳድና ማለት ስሩዕ ባድላ ወይ ትሕቲ ብርከን ዝዀነ ጕርዲ ክዳን፣ ስረ ወይ ክኣ “ጭዋ” ዝብሃል ባህላዊ ኣከዳድና ጥራይ ክኽደና ይፍቀደለን።

ንደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ባይቶ ዝምልከት ስርዓት ኣከዳድና እውን ኣሎ።

እዚ ከኣ፡ ባድላ፣ ነዊሕ ሱሩዕ ስረ፣ ጃኬትን ክራቫታን፤ ከምኡ’ውን "ጭዋ" ባህላዊ ኣከዳድና፤ ወይ ነዊሕ ወይ ሓጺር ኢድን ዘለዎ ሱፍ፣ ሻርፓን ከራባትን ዘለዎ ኣከዳድና ክኽደኑ ኣለዎም ይብል።