እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
10 ሚልዮን ዶላር ዝተሸጠ ቦርሳ ስነ ጥበባዊት
ካብ ቆርበት ዝተሰርሐ ናይ ብሪጣንያዊት ሙዚቀኛ ጄን በርኪን ቦርሳ ብ10.1 ሚልዮን ዶላር ኣብ ጨረታ ተሸይጡ።
እዚ ክብረወሰን ዝሰበረ ካብ ቆርበት ዝተሰርሐ ጸሊም ቦርሳ ብ1985 ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ፋሽን ዛጊት ንሓንቲ ቦርሳ ኢድ- ክሳብ ሕጂ ካብ ዘተሰልዐ ዋጋ እቲ ዝለዓለ እዩ።
እቲ ቦርሳ ዝተሰርሓሉ ኣጋጣሚ ከምዚ እዩ ነይሩ።
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ እቲ ብሪጣንያዊት ሙዚቀኛ ምስ ሓደ ዘመናዊ ፍርያት ፋሽን ናይ ዘፍሪ ሀርሜስ ዝተባሀለ ትካል ሓላፊ ኣብ ሓደ በረራ ኣብ ጎኑ ኮፍ ኢላ ትበርር ነበረት።
እቲ ሒዛቶ ዝነበረት ቦርሳ ንእሽቶ ስለዝነበረ ድማ ነቲ ሒዛቶ ዝነበረት ኣቑሑታ ኣይኸሎን።
ሻቡ ነቲ ኣብ ጎድና ተቐሚጡ ዝነበረ ሓላፊ ፡ስለምንታይ ዓቢ ቦርሳ ዘይትሰርሑ ክትብል ተወከሳቶ።
ነቲ ሕቶ ዝቐረበሉ ሓላፊ ድማ ሓድሽ ቦርሳ ክነድፍ ጀመረ።
እቲ ሓድሽ ቦርሳ ጽባቐ ዘለዎን ዝያዳ ኣገልግሎት ዝሕብን ኮይኑ እዩ ተዳልዩ።
ሓላፊ ሄርሜስ ንመጀመርያ ግዜ ንመፈትንታ ዝነደፈላ ቦርሳ ድማ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሶትሆቢስ ዝተባህለ ኣብ ፓሪስ ብዝተኻየደ ጨረታ ንሓደ ጃፓናዊ ብ513 ሽሕ ዶላር ተሸይጣ።
እዚ ድማ ክብረወሰን ዝሰበረ መሸጣ እዩ።
ቦርሳ ናይታ ሙዚቀኛ ንጨረታ ዘቐረበ ሶትሆቢስ ፡ ኣብ መንጎ ትሽዓተ ተጫረቲ ንኣስታት ዓሰርተ ደቓይቕ ህልኽ ዝመሎኦ ውድድር ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዓለምና ፍሉጥ ዝኮነ ኣጫራቲ ፋሽን ትካል ሶትሆቢስ፡ እቲ ነቲ ቦርሳ ዝተኸፍለ ዋጋ "ንምእማኑ ዘጸግም ሓይልን ዓቕምን ኣፈ-ታሪኽ ዘርኢ ኮይኑ፡ ተጫረቲ ነቲ ፍሉይ ቦርሳ ንክውንንዎ ዝሓደሮም ህንጡይነት ዘረእይ እዩ።" ኢሉ።
ሶትሆቢስ ነቲ ቅድሚ ጨረታ ዝነበረ ግምት ናይቲ ቦርሳ'ኳ እንተዘይገለጸ፡ እታ ቦርሳ ግን ኮሚሽንን ክፍሊትን ሓዊሱ ብ10.1 ሚልዮን ዶላር እያ ተሸይጣ።
ሄርሜስ ነዛ ቦርሳ ነታ እንግሊዛዊት-ፈረንሳዊት ድምጻዊት ድሕሪ ምስርሖም፡ ናብ ዐዳጋ ምስ ኣቕረብዎ ድማ ሓደ ካብቶም ኣብ ኢንዱስትሪ ፋሽን ዓቢ ስም ዘትረፉ ኮይኑ ኣሎ።
ገለ ካብቶም ዘፍርይዎም ዲዛይን ቦርሳታት ዋጋ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላር ዝግመት ኮይኑ፡ ኣብ ዝርዝር ዓደግቲ ናይቲ ኩባንያ ንምእታው ዓመታት ክትጽበ ኣለካ።
ከም በዓል ኬት ሞስ፡ ቪክቶርያ ቤክሃምን ጀኒፈር ሎፐዝን ዝኣመሰላ ሰብ ዝና ዓለምና ድማ ገለ ካብተን ካብ ቦርሳታት'ዚ ኩባንያ ዝውንና እየን።
ቦርሳ'ታ ሙዚቀኛ ፡ በርኪን እትድግፎም መርገጺታትን ንቀዳሞት ፊደላት ስማን ዝተሰለመ እዩ።
እዛ ኣብ 2023 ኣብ መበል 76 ዓመታ ዝዓረፈት ሙዚቀኛ፡ ንዓሰርተ ዓመታት ነታ ቦርሳ ክትጥቀመሉ ብምጽናሕ፡ ኣብ 1994 ንሓደ ትካል ግብረ ሰናይ ኤይድስ ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብ ናብ ጨረታ ኣወፍያቶ።
ኣብ ፓሪስ ወሃ ዘበለ ቡቲክ እትውን ካትሪን ቤኒየር ነቲ ቦርሳ ድሕሪ ምዕዳጋን ን25 ዓመታት ድሕሪ ምውናንን ድማ እንሆ ትማሊ ሓሙስ ንመሸጣ ኣቕሪባቶ።