‘ጸላም ድያ ህንዲ? እንድዒ’ - ትራምፕ ኣብ ዓሌት ካማላ ሃሪስ ኣባጭዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶናልድ ትራምፕ ንጸለምቲ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ዓሌታዊ መንነት ካማላ ሃሪስ ብዝምልከት ሕቶ ኣልዒሉ።
ትራምፕ፡ እታ ምክትል ፕረዚደንትን ሕጽይቲ ዲሞክራት ክትከውን እትግመትን፡ ክሳብ ቀረባ እዋን፡ ንኤስያዊ-ኣመሪካዊ ውርሻኣ ከየጕልሐት "ጸላም ሰብ ኰይና" ክብል ገሊጹ።
ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራዊ ማሕበር ጸለምቲ ጋዜጠኛታት "ክሳብ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ሃንደበት ጸላም እትኸውን ጸላም ምዃና ኣይፈልጥን ነይረ፣ ሕጂ ድማ ጸላም ተባሂላ ክትፍለጥ ትደሊ ኣላ" ኢሉ።
"ስለዚ ኣነ ኣይፈልጥን - ህንዳዊት ድያ? ወይስ ጸላም እያ?"
ካማላ ሃሪስ፡ ዘረባ ትራምፕ ተመሳሳሊ ዝጸንሐ ሜላ ይጥቀም ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ "ምክፍፋልን... ዘይምክብባርን፡" ክትብል እንከላ፤
"ፍልልያትና ከምዘይፈላልየና ዝርዳእ መራሒ ይግብኣና - ብዙሕነትና ኣገዳሲ ምንጪ ሓይልና'ዩ" ኢላ።
ሃሪስ ፈላመይቲ ጸላምን ኤስያዊት ኣመሪካውዊት ምክትል ፕረዚደንት እያ። ወለዳ ድማ ካብ ህንዳውያንን ጃማይካውያንን ዝተወለዱ እዮም። ኣብ ሃዋርድ ዩኒቨርሲቲ ዝተመሃረት ኰይና ኣብቲ ብብዝሒ ጸለምቲ ዝነብሩሉ ኣልፋ ካፓ ኣልፋ ማሕበር ኣዋልድ ተጸንቢራ።
ኣብ 2017 ናብ ሰነት ድሕሪ ምእታዋ ኣባል ባይቶ ጸለምቲ ኮንግረስ ኰይና።
ትራምፕ፡ ንዓሌታዊ መንነት ሃሪስ ብምጥቃስ፡ "ንኽልቲኦም የኽብር እየ" ኢሉ፤ "ግን ከምዘይትገብሮ ርዱእ'ዩ ምኽንያቱ ምሉእ ህይወታ ህንዳዊት ስለዝነበረት፣ ድሕሪኡ ድማ ሃንደበት መጠወሪ ሒዛ ጸላም ሰብ ኰይና።"
ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን ፒየር፡ ዝዀነ ሰብ "ንሓደ ሰብ መን ምዃኑ፡ ብኸመይ መንነቱ ከምዘለልዮ ክነግር መሰል የብሉን፣ እዚ ናይ ማንም ሰብ መሰል ኣይኰነን" ክትብል ርእይቶ ሂባ።
ትራፕም፡ ንተቓወምቱ ብዓሌቶም መሰረት ናይ ምጥቃዕ ታሪኽን ተመኵሮን ኣለዎ።
ንፈለማ እዋን ጸሊም ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝዀነ ባራክ ኦባማ ኣብ ኣመሪካ ኣይተወልደን ክብል ብሓሶት ከሲሱ ነይሩ።
ንኣምባሳደር ሕቡራት ሃገራት ነበርን ቀዳመይቲ ተቓዋሚት ሪፓብሊካን ኒኪ ሄሊን፡ ወለዳ ክትውለድ እንከላ ዜጋታት ኣመሪካ ስለዘይነበሩ፡ ፕረዚደንት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ ብምባል ብሓሶት ኣጥቂዋ’ዩ።
ሕጽይቲ ዲሞክራትስ ክትከውን እትግመት ሃሪስ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዋ ኣሎ፤ ሪፓብሊካን፡ ብሰንኪ ዓሌታ ጥራይ እያ ተመሪጻ ብምባል ሕጹይነታ ነቒፎም’ዮም።
ትራምፕ፡ ሃሪስ ኣብ መጀመርታ ናይ ሕጊ ሞያኣ ፈተና ብቕዓት ከምዝወደቐት ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ትምህርታ’ውን ሕቶ ኣልዒሉ’ዩ።
"ሓቂ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ናይ ብቕዓት ፈተናኣ ኣይሓለፈትን፣ ክሓልፎ’የ ኢላ ኣይሓሰበትን ከምኡ'ውን ንሓዋሩ ክትሓልፎ ኢላ ኣይተጸበይትን፤ ምናልባት ሓሊፋቶ ትኸውን" ኢሉ።
ሚስ ሃሪስ ኣብ 1989 ካብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ሃስቲንግስ ኮሌጅ ሕጊ’ያ ተመሪቓ። ብመሰረት ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ኣብ ቀዳማይ ፈተነኣ ከምዝወደቐት ኣብ ካልኣይ ግን ከምዝሓለፈት ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







