ካብ ማርስ ዝወደቐ ከውሒ ብ4.3 ሚልዮን ዶላር ሓራጅ ተሸይጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ "ንምእማኑ ዘጸግም" ዝበሃል፡ ካብ ማርስ ናብ ምድሪ ዝወደቐ ቍርፅራፅ ከውሒ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓራጅ ብ4.3 ሚልዮን ዶላር (3.2 ሚልዮን ፓውንድ) ተሸይጡ።
ናብ ምድሪ ካብ ዝወደቑ ቍርፅራፅ ኣኻውሕ፡ እቲ ዝዓበየ ከም ዝዀነ እዩ ዝግለፅ።
እዚ 'ኤንዳብልዩኤ 16788' ብዝብል ዝፅዋዕ ከውሒ፡ 24.5 ኪግ ዝምዘን ኰይኑ ዳርጋ 15 ኢንች (38.1 ሴሜ) ንውሓት ከም ዘለዎ ይንገር።
እቲ ኣብ ርሑቕ ዞባ ኒጀር ኣብ ሕዳር 2023 ዝተረኸበ ክቡር እምኒ፡ ካብቲ ካብኡ ቀፂሉ ዝዓበየ ቍራጽ ከውሒ ማርስ፡ ብ70 ሚእታዊት ዝዓበየ ምዃኑ እቲ ቤት ሓራጅ ገሊጹ።
እዞም ፍሉያት ቍርፅራፅ ኣኻውሕ 'ሚቲዮራይት' ብዝብል ዝፍለጡ ኰይኖም፡ ሓደ ኣስተሮይድ ወይ ኮሜት በኸባቢ ኣየር ምድሪ እንክሓልፍ፡ ኣብ ምድሪ ዝተርፍ እምናዊ ኣካል (ከውሒ]) እዩ።
ቤት ሓራጅ ሶተቢ፡ ነቲ ቀይሕ ቡናዊ ዝሕብሩ ከውሒ ሚቲዮራይት፡ "ክትኣምኖ ዘጸግም" ሳሕቲ ዝርከብ 'መጋየፂ' ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ ምድሪ ኣስታት 400 ዝዀኑ ሚቲዮራይት ማርስ እዮም ተረኺቦም ዝፈልጡ። እዚ ብሓራጅ ንመሸጣ ዝቐረበ ድማ እቲ ዝዓበየን ኣዝዩ ዝምስጥን ምዃኑ ይግለፅ።
ምክትል ኣደ መንበር ሳይንስን ተፈጥሮኣዊ ታሪኽን ሶተቢ ካሳንድራ ሃተን፡ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝዘርግሐቶ ቪድዮ፡ "እዚ ኣብ ፕላኔት መሬት ዝዓበየ ቍራጽ ማርስ'ዩ። እዚ ካብኡ ናብዚ ናይ ምብጻሕ ተኽእሎኡ ብሳይንስ እንክረአ ቀሊል ኣይኰነን፡" ኢላ።
ንሳ፡ ኣስታት 70 ሚእታዊት ገጽ መሬት ብማይ ከም ዝተሸፈነ ብምዝኽኻር፡ "ኣብ ክንዲ ኣብ ማእከል ውቅያኖስ፡ ኣብቲ ብጭቡጥ ክንረኽቦ እንኽእል ኣብ ደረቕ መሬት ምዕላቡ ንምእማኑ ዘጸግም እዩ፣ ዕድለኛታት ኢና።"
ብዛዕባ እቲ ሓራጅ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ምስጢራዊ ብምዃኑ፡ መወዳእታ መሸጣ እቲ ሚትዮራይት ኣበይ ከም ዝኸውን ንጹር ኣይኰነን።
እንተዀነ፡ ዛጊድ ብዘሎ ተመን፡ ተወሳኺ ግብሪን ክፍሊትን ንጠቕላላ ዋጋ እቲ ከውሒ ናብ ኣስታት 5.3 ሚልዮን ዶላር ሓፍ ከም ዘብሎ ሶተቢስ ገሊጹ።
ኣብቲ 100 ታሪኻዊ ኣቝሑት ዝሓዘ ናይ ረቡዕ ሓራጅ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ጁራሲክ ዝነበረ ዓጽሚ ሴራቶሳውረስ ብ26 ሚልዮን ዶላር ከም ዝተሸጠ ምፍላጥ ተኻኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







