እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሮማ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ ዓሪፎም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ሰኑይ 21 ምያዝያ ኣብ መንበሪ ቤቶም ካዛ ሳንታ ማርታ - ቫቲካን ከምዝዓረፉ ተፈሊጡ።
ብጹእ ካርዲናል ፋረል፡ ንሞት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ "ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ሞት ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ብዓሚቕ ሓዘን እነግር" ክብሉ ንዓለም ኣርዲኦም።
"ሎሚ ንግሆ ሰዓት 7፡35 [ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ] ጳጳስ ሮማ ፍራንቸስኮ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ተመሊሶም። ምሉእ ህይወቶም ንኣገልግሎት ጐይታን ቤተ ክርስቲያኑን ዝተወፈየ እዩ ነይሩ፡" ኢሎም።
ሞት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኸውን ዘሎ፡ ብሰንበት ንበዓል ትንሳኤ ኣመልኪቶም ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቫቲካን ንዝተኣከበ ህዝቢ ልሙድ መልእኽቲ ድሕሪ ምሕላፎም 24 ሰዓታት ኣብ ዘመልእ ግዜ እዩ።
እቶም ጳጳስ፡ ኣብ ዓረብያ ኰይኖም፡ ብሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀሪቦም፡ "ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ርሑስ በዓል ፋሲካ" ኢሎም። እዚ ልሙድ መልእኽትን ቃለቡራኬን፡ ብሓጋዚኦም እናተነበበ ኮፍ ኢሎም ይዕዘቡ ነይሮም።
ሞት እቶም ጳጳስ ዝነገሩ፡ ብጹእ ካርዲናል ብተወሳኺ፡ "ኣቡነ ፍራንቸስኮ - ንኽብርታት ወንጌል ብተኣማንነትን ትብዓትን ኣድማሳዊ ፍቕርን ክንነብር፤ ብፍላይ ድማ ንዝደኸዩን ኣዝዮም ዝተገለሉን ንምድጋፍ፡ ምሂሮም፡" ይብሉ።
"ከም ሓቀኛ ወደ መዝሙር ጐይታ የሱስ፡ ኣብነታዊ ተግባራቶምን ብዓሚቝ እናኽበርና፡ ንነፍሲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቲ ደረት ኣልቦ ምሕረት ዝመልኦ ፍቕሪ እቲ ሓደን ስላሴን ኣምላኽ ነመስግን።"
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ቀዲሙ መልእኽቲ ሓዘን ዘስምዐ ኰይኑ፡ "ኣቦ ትሕትና፤ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ውጹዓትን ግሉላትን!" ክብል ገሊጹ።
ካልኦት መራሕትን ሰበስልጣናትን ዝተፈላለያ ሃገራት መልእኽቲታቶም የመሓላልፉ ኣለዉ።
ድሕሪ ሞት ጳጳስ እንታይ እዩ ዝግበር?
ቅድሚ ሕጂ መብዛሕትኡ ግዜ ጳጳሳዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዓቢ ፍጻመ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ስርዓተ ቀብሮም ቀሊል ክኸውን ተላብዮም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰለስተ ሳንዱቕ ሬሳታት ይቕበሩ ነበሩ፤ እቲ ሓደ ካብ ዕንጸይቲ ሳይፕረስ (ቀሊልን ኣሮማዊ ዕንጸይቲ)፣ እቲ ካልኣይ ንመዕሸጊ ዝኸውን ከቢድ ሓጺር፣ እቲ ሳልሳይ ድማ ካብ ጽሕዲ (ጽኑዕን ነዊሕ ዝጸንሕን ተሪር ዕንጸይቲ) ዝተሰርሑ እዮም ነይሮም።
ፍራንቸስኮ ብዚንጐ ዝተለበጠ ቀሊል ዕንጸይቲ ሳንዱቕ መሪጾም።
ብተወሳኺ፡ ነቲ ሬሳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣብቲ ካታፋልክ ዝበሃል በሪኽ መድረኽ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊክ፡ ህዝቢ ክርእዮ ምቕማጥ ዝብል ትውፊት ከምዝእለ ገይሮም እዮም።
ኣብ ክንድኡ፡ ሰባት ሬሳኦም ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ሬሳ እንከሎ - እቲ ላዕለዋይ ክፋሉ ክፉት ኢሉ ምእንቲ ክረአ - ኣኽብሮቶም ክህቡ ከምዘኸል ክኸውን ለበዋ ሓዲጐም።
ኣቡነ ፍራንቸስኮ፡ ድሕሪ ልዕሊ 100 ዓመት ካብ ቫቲካን ወጻኢ ዝቕበሩ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ክዀኑ እዮም።
ኣብ ሮማ ካብ ዘለዋ ኣርባዕተ ቀንዲ ጳጳሳዊ ኣብያተ ክርስቲያናት ሓንቲ ኣብ ዝዀነት ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ክቕበሩ እዮም።