ኢሎን ማስክ፡ ፈላማይ ፍርቂ ትሪልዮን ዝወነነ ሃብታም ዓለም ኰይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓላፊ ቴስላ ኤሎን ማስክ ኣብዚ ዓመት ዋጋ ናይቲ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ኵባንያን ካልኦት ትካላቱን እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ልዕሊ 500 ቢልዮን ዶላር ጽሩይ ሃብቲ ዝረኸበ ፈላማይ ሰብ ኰይኑ።
ጽሩይ ሃብቲ ናይዚ ሃብታም ዓለም፡ ብረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ብኣቈጻጽራ ሰዓት ኒውዮርክ፡ 500.1 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጽሐን፡ ድሒሩ ድማ ቅሩብ ናብ ልዕሊ 499 ቢልዮን ዶላር ከም ዝወረደን ሃብቲ ቢልዮነራት ዝዕቅን ፎርብስ ጸብጺቡ።
ጐድኒ ጐድኒ ቴስላ፡ ዋጋታት ናይቶም ካልኦት ስራሕቱ - እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝጀመረ ኪነታዊ-ብልሒ 'xAI'ን - ኵባንያ ሮኬት ስፔስኤክስን እውን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ከም ዝወሰኸ ይግለጽ።
እዚ ምዕራፍ፡ ንደረጃ ሃብቲ ማስክ ዝያዳ ዘካዕበተ ኰይኑ፡ ኣብ ዓለማዊ ጽላት ቴክኖሎጂ ካብ መወዳድርቱ ኣዝዩ ዝቐደመ ይገብሮ።
ብመሰረት መዐቀኒ ቢልዮነራት ፎርብስ፡ መስራቲ ኦራክል ላሪ ኤሊሰን ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝሃብተመ ሰብ ኰይኑ፡ ኣስታት 350.7 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ኣለዎ።
ኤሊሰን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣክስዮን ኦራክል ብልዕሊ 40 ሚእታዊት ድሕሪ ምውሳኹ ንሓጺር እዋን ንማስክ ቀዲሙዎ ነይሩ።
እዚ ድማ በቲ እቲ ትካል ኣብ ትሕተ ቅርጺ ንግዲ ክላውድን ውዕላት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን (AI) ብዘርኣዮ ዕብየት ዝመጸ እዩ።
ገዚፍ ሃብቲ ማስክ ምስቲ ኣብ ቴስላ ዘለዎ ልዕሊ 12 ሚእታዊት ብጽሒት ብቐረባ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓመት ኣክስዮናቱ ብልዑል ደረጃ ወሰኽ ኣርእዩ።
ትማሊ ረቡዕ፡ ኣብ ንግዲ ኒውዮርክ ዝነበረ ብርኪ ቴስላ ልዕሊ 3.3 ሚእታዊት ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓመት ብልዕሊ 20 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።
ኣውፈርቲ ንማስክ ካብ ፖለቲካ ንላዕሊ ኣብ ትካላቱ ዝያዳ ከድህብ ስለ ዝርኣዩዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣክስዮናት ናይቲ ኵባንያ መኽሰብ ከርኢ ጸኒሑ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ምስቲ ወጻኢታት መንግስቲ ኣመሪካ ንምንካይን ስራሕ ንምቍራጽን ዝተዋህቦ ኣካል ምምሕዳር ትራምፕ ክፍሊ ብቕዓት መንግስቲ (DOGE) ብዝሰርሖ ስራሕ ነቐፌታ ኣጋጢምዎ ነይሩ።
ዋና ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ'ውን ዝዀነ ማስክ፡ ኣብ ከም መደባት ኢምግረይሽንን ብዙሕነትን ኣመሪካ፡ ፍትሓውነትን ምትእትታውን (DEI) ዝኣመሰሉ ጕዳያት ዘለዎ ኣረኣእያ'ውን ብግልጺ ከንጸባርቕ ተራእዩ እዩ።
ኣደ መንበር ቦርድ ቴስላ ሮቢን ደንሆልም ኣብ መስከረም፡ ማስክ ሕጂ ኣብ "ቅድሚትን ማእከልን" እቲ ትካል ከም ዘሎ ገሊጻ ነይራ።
ቦርድ እቲ ኵባንያ ብተወሳኺ፡ ማስክ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ዝተቐመጡ ዝርዝር ዓበይቲ ሸቶታት እንተሃሪሙ፡ ልዕሊ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ዝግመት ፓኬጅ ክፍሊት ክረክብ ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ነቲ ፓኬጅ ንምርካብ ዋጋ ተስላ ብሸሞንተ ዕጽፊ ከዕቢ፡ ሓደ ሚልዮን ኤኣይ ሮቦታት ክሸይጥ፡ ካልኦት 12 ሚልዮን መካይን ቴስላ ክሸይጥን ካልኦት ሓያሎ ዕላማታት ክሃርምን ይግብኦ።
ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ማስክ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣክስዮን ቴስላ ከም ዝገዝአ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ቴስላ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ብድሆታት ኣጋጢምዎም እዩ።
ካብ ከም በዓል ቻይናዊት 'BYD' ዝኣመሰሉ ተቐናቐንቲ ሰራሕቲ ኤሌክትሪክ መካይን ክኣ ተሪር ንሕንሕ ክገጥሞ ተራእዩ እዩ።
እቲ ኵባንያ ናብ ንግዲ ኤኣይን ሮቦትን ኣብ ምስግጋር እውን ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







