እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሲም ካርድ ዘየድልዮ ሓድሽ ኣይፎን - ሰሚዕኩም ዶ?
ኣፕል ኣብ ምህርቲ ስማርትፎን ንዘሎ ዕዳጋ ክመርሖ ካልኦት ድማ ክስዕቡ ዳራጋ ኣራባራብ እዩ ኰይኑ ዘሎ።
ኣብዚ ሰሙን ዘውጾኦ ሓድሽ ፍርያቱ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተለምደ ሲም ካርድ ወጻኢ ዝሰርሕ ብምዃኑ ፡ኣብ መጻኢ ቴክኖሎጂ ተሌፎን ንኣገዳስነት ሲም ካርድ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ኣሎ።
ኵሎም ተጠቀምቲ ተሌፎናት ስልኮም ምእንቲ ክዓዪ ነታ ንእሽቶ ካብ ፕላስቲክ ዝተርሐት ካርድ ኣብ ተሌፎኖም ከእትውዋ ኣለዎም።
ተጠቀምቲ ኣይፎን ኤር ግን ነዚ ከም ሕሉፍ ታሪኽ ጌሮም እዮም ክርእይዎ።
እታ ተሌፎን ብኢሲኤም ጥራይ እያ እትዓዪ፤ እዚ ኸኣ ተጠቀምቲ ሲም ካርድ ከይቀያየሩ ካብ ሓደ ኔትዎርክ ናብ ካልእ ብቐሊሉ ክደዋወሉን ብዘይ ሲምካርድ ካብ ሓደ ወሃቢ ኣገልግሎት ናብ ካልእ ክቕይሩ የኽእሎም።
ኬስተር ማን ሲሲኤስ ኣብ ዝብሃል ኩባንያ ዝዓዪ በዓል ሞያ እዩ።
ኣፕል ነዚ ሓድሽ ፍርያቱ ድሕሪ ምትእትታዉ፡ "መጀመርታ ናይ መወዳእታ ዕምሪ ሲም ካርድ እዩ" ይብል።
ይዅን እምበር ኵላትና ነዛ ንእሽቶ ቺፕ እዚኣ ንምውጋድ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስደልና ገና ንጹር ኣይኰነን።
ብኻልእ ሸነኽ ዝለዓል፡ እዚ ሓድሽ ምዕባለ ኣብ ኣጠቓቕማ ተሌፎንና እንታይ ለውጢ ከምጽእ'ዩ ዝብል ሕቶ እዩ።
እቲ ኣብ ሞባይል ተሌፎን ኣገልግሎት ንምርካብ እንጥቀመሉ ሲም ካርድ ንዓመታት ምስ ስማርትፎን ብማዕረ ክጥረ ጸኒሑ እዩ።
ሲም ንሓደ ተጠቃሚ ንምልላይ ዘገልግል ሞጁል ማለት እዩ። እዚ ኣብ ተሌፎንና እነእትዎ ካርድ ድማ ምስቲ ኣገልግሎት ኔትዎርክ ዘቕርበልና ትካልን መስመራቱን እንራኸበሉ ቀንዲ ባእታ እዩ።
ከም ውጽኢቱ ኸኣ ደዊልና ብሞባይል መልእኽቲ ክንለዋወጥ ከምኡ'ውን ዳታና ክንጥቀም ንኽእል።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ ኢሲም ከም ኣማራጺ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ሓደስቲ ተሌፎናት ወይ ነቲ ልሙድ ሲም ካርድ ወይ ኢሲም ክጥቀሙ ጸኒሖም።
እቲ ብሰሉስ ንኣይፎን ኤር ዘተኣታተወ ኣፕል ግን ተሌፎኑ ኢሲም ጥራይ ከም ዝጥቀም ኣፍሊጡ'ሎ።
እዚ ረቂቕን ሓድሽ ኣባል ስድራቤት ኣፕልን ዝዀነ ተሌፎን ድማ ኣብ መላእ ዓለም ኢሲም ጥራይ ዝጥቀም ኣይፎን ኰይኑ ኣብ ዕዳጋ ክውዕል እዩ ማለት'ዩ።
ካብ 2022 ጀሚሩ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝርከቡ ተጠቀምቲ eSIMs ጥራይ እዮም ዝጥቀሙ ነይሮም።
ይዅን እምበር ኣይፎን ንባዕሉ ሲምካርድ ንኸይጥቀም ኣይወሰነን ነይሩ።
ኣይፎን 17 ፡17ፕሮ ከምኡ'ውን 17 ፕሮማክስ ዝተሰየሙ ሓደስቲ ፍርያት ኣይፎን ኵሎም ብኢሲም ጥራይ ክዕጠቑ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።
ተቐባልነት ምእንቲ ክረክብ ግን ኣብ ካልኦት ሃገራት ሲምካርድ ክቕበል ዝኽእል ተጌሩ ናብ ዕዳጋ ከምዝቐርብ ይግለጽ።
ክኢላታት ምዕባለ ስማርትፎን ናብ ሓድሽ ኣንፈት ይኸይድ ከም ዘሎ ዘየጠራጥርን ምዃኑ ይሰማማዑ።
ብመሰረት እቲ ሲሲኤስ ኢንሳይት ኣብ ዘውጽኦ ትንቢታት፡ ኣብ 2024 ጥራይ 1.3 ቢልዮን eSIM ዘለዎ ስማርትፎን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እዩ።
እዚ ቝጽሪ እዚ ኣብ 2030 3.1 ቢልዮን ክበጽሕ ትጽቢት ይግበረሉ ።
ኣብ ፒፒ ፎርሳይት ቴክኖሎጂ ተንታኒ ዝዀነ ፓውሎ ፐስካቶር ብወገኑ፡ "ድሕሪ ግዜ እቲ ሲም ተቐባሊ ምሉእ ብምሉእ ክተርፍ ተጸበዩ" ይብል።
ፐስካተር ናብ ኢሲም ምስግጋር "ብዙሕ ጥቕምታት" ከም ዘለዎ ይሕብር።
ሓደ ካብኡ እቲ ንሲምካርድ መእተዊ ተባሂሉ ዝግደፍ ቦታ ኣትሪፍካ ዓቢ ባትሪ ክግበር ክኸእል እዩ።
ብተወሳኺ'ውን ፕላስቲክ ሲም ካርድ ዘይምጥቃም ንድሕነት ኣከባቢ ጽቡቕ ረብሓ ከምዘለዎን ተጠቀምቲ ናብ ወጻኢ ሃገር ክግዕዙ እንከለዉ ብዙሓት ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ ኣማራጺ ብምኽፋት ካብ ልዑል ወጻኢታት ከም ዘድሕኖም ይዛረቡ።
ከስተር ማን እዚ መቐይሮ'ዚ ሓደሽቲ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ዓማዊልን ዝምድና ከም ዝፈጥር የረድእ።
ብዘይካ'ዚ ንተጠቀምቲ ግዜን ገንዘብን ስለ ዝቝጥብ ዓብይ ረብሓ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ይዅን እምበር እዚ ለውጢ እዚ ሓድሽ ከም ምዃኑ መጠን ብዅሉ ሰብ ተቐባልነት ዘይብሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ከነስተብህለሉ ኣገዳሲ እዩ ይብል።
እቲ ኢንዱስትሪ ኢሲም ብኸመይ ከም ዝዓዪ ብንጹር ምስ ዘረድእ እውን "እዚ ለውጢ እዚ ብፍላይ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡን ተክኖሎጂ ኣብ ምጥቃም ብዙሕ ተገዳስነት ዘይብሎምን ሰባት ጭቡጥ ረብሓ ኣለዎ' ይብል እቲ በዓል ሞያ።