እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስለምንታይ ኢና ንፈሱ? ሳይንስ’ከ ብዛዕባ ፈሲ እንታይ ይብል?
ኵሉ ሰብ ብፈሲን መጕሳዕቲን ኣቢሉ ኣብ መዓልቲ 2.5 ሊትሮ ጋዝ ይፍኑ። እዚ ጋዝ ካብ እነተንፍሶ ኣየር፡ እንሰትዮ ማይን ኣብ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ካብ ዝርከቡ ባክተሪያን ዝመጽእ እዩ። ኣካል ወዲ ሰብ ነቲ ልዕሊ ዓቐን ጋዝ ብኣፍን መሃንቱስን ኣቢሉ ይገላገሎ።
እንፍንዎ ጋዝ መጠኑ ንእሽቶን ሽታ ዘይብሉን ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ስለዚ ዘይነስተብህለሉ ግዜ ኣሎ።
ዘይከም ከብቲ፡ ፈሲ ወዲ ሰብ ሚቴን ዝተበሃለ ዓይነት ጋዝ የብሉን። ስለዝዀነ ድማ ሰብ ክፈሱ እንከሎ ሃይድሮጅን ጋዝ እዩ ዘቃጽል ዘሎ ማለት እዩ።
ምፍሳው ንቡር’ኳ እንተዀነ፡ ካብ ንቡር ንላዕሊ ምፍሳው ግን ሳዕቤን ገለ መሰረታዊ ኵነታት ጥዕና ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
ስለምንታይ ኢና ንፈሱ?
ሰባት ዝፈስውሉ ምኽንያት፡ ኣብ መዓንጣኦም ከውጽእዎ ዝግባእ ስለዘሎ እዩ።
ካብዚ ጋዝ እቲ ዝተወሰነ መጠን ኣየር ብኣፍ ኣቢሉ ናብ መዓንጣ ዝኣቱ ክኸውን እንከሎ፡ መብዛሕትኡ ጋዝ ግን በቶም ኣብ ምሕቃቕ መግቢ ዝሕግዙ ባክተርያ እዩ ዝፍጠር።
እዚ ጋዝ እዚ ብመጕሳዕቲን ፈሲን ኣቢሉ ካብ ኣካል ይወጽእ።
ትሕዝቶ እቲ ጋዝ ብቐንዱ ሃይድሮጅንን ካርቦን ዳይኦክሳይድን ኰይኑ፡ ውሑድ መጠን ዲን (ሳልፈር) እውን ኣለዎ። ፈሲ ሽታ ዝህልዎ ብሰንኪ እዚ ዲን እዩ።
ኣብ መሃንቱስ ዝርከቡ ጫፍ መትኒታት፡ ሓደ ሰብ ብሓቂ ፈሲ ድዩ ወይስ ቀልቀል ዝመጾ ንኽፈሊ ይሕግዙ። እዚ ድማ ብዘይ ዝዀነ ስግኣት ጋዝ ንምውጋድ የኽእሎ ማለት’ዩ።
ኵሉ ሰብ ይፈሱ’ዶ?
ብዘይ ኣፈላላይ ኵሉ ሰብ ይፈሱ እዩ።
ገለ ሰባት ኣብ ዝፈስውሉ እዋን እኹል ጥንቃቐ ስለዝገብሩ ኣይፍለጡን’ምበር እምበር ዘይፈሱ ሰብ የለን።
ናብ መዓንጣ ዝኣተወን ከምኡ’ውን ኣብኡ ዝርከቡ ባክተርያ ዝፈጠርዎን ጋዝ ኣብ መወዳእታ ናብ ዓቢ መዓንጣ ይግዕዝ።
እዚ ጋዝ መብዛሕትኡ ናይትሮጅንን ካርቦን ዳይኦክሳይድን እዩ።
ብተወሳኺ ግን ካልኦት ውሑድ መጠን ዘለዎም ትሕዝቶታት ኣለዉ፤ ካብዚኦም ገለ ሃይድሮጅንን፡ ንእሽቶ መጠን ስካቶል ወይ C9H9N ዝበሃል ሽታ ዘለዎ ውህደት፡ ብሰንኪ ምብስባስ ትሪፕቶፋን ዝሓዙ ፕሮቲናት ዝርከብ ውሕደት C8H7N ወይ ኢንዶል ከምኡ’ውን ሜታንቲዮል፡ ሃይድሮጅን ሳልፋይድን ዳይሜቲል ሳልፋይድን ይርከብዎም። ፈሲ ጨናዊ ሽታ ክህልዎ ዝገብር ናይ እዚኦም ትሕዝቶታት ምትእኽኻብ እዩ።
ገለ ሰባት ስለምንታይ ብዙሕ ይፈስዉ?
ሓደ ሓደ ሰባት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ምፍሳዎም ንቡር እዩ።
ብገማግም ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ 5 ክሳብ 15 ግዜ ከምዝፈስው ጸብጻብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ የመልክት።
ይዅን እምበር፡ ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ክንፈሱ ዝገብሩና ውሑዳት ኵነታት ኣለዉ።
ምፍሳው፡ ምልክት ናይ ሕማም ሲልያክን ዘይተጻዋርነት ላክቶስን እዩ።
ሕማም ሲልያክ ዘለዎም ሰባት፡ ግሉተን ወይ ኣብ ገለ እኽሊታት ዝርከብ ተላጋቢ ትሕዝቶ ፕሮቲን ክበልዑ እንከለዉ፡ ስርዓተ ምክልኻሎም ንናይ ገዛእ ርእሶም ቲሹታት ዘጥቅዓሉ ኵነታት እዩ። እዚ ድማ ንመዓንጣኦም (ቀጢን መዓንጣ) ስለ ዝጐድእ ኣካላቶም መኣዛታት ብግቡእ ክወስድ ኣይክእልን።
እዚ ኵነታት እዚ ዘማዕበሉ ሰባት ከም ፓስታ፡ ባኒ፡ ኬክን ዝኣመሰሉ ካብ ስርናይን ስገምን ዝዳለዉ ግሉተን ዘለዎም መግቢታት እንተተመጊቦም፡ ውጽኣት፡ ቃንዛ ከብድን መንፋሕቲን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ምልክታት ከስዕበሎም ይኽእል።
ዘይተጻዋርነት ላክቶስ ድማ ኣካላት ንላክቶስ ክበታትን ወይ ከሕቅቕ ዘይምኽኣል። ላክቶስ ኣብ ጸባን ውጽኢት ጸባን ዝርከብ ሽኮር ኰይኑ፡ እዚ ናብ ኣካል ክምጠጥ ዝኽእል ቀጢን መዓንጣ ብዘፍርዮ ላክቴዝ ዝበሃል ኢንዛይም ምሕቃቕ መግቢ እዩ። ቀጢን መዓንጣ እኹል ላክቴዝ ከፍሪ እንተዘይክኢሉ ግን እቲ ሰብ ዘይተጻዋርነት ላክቶስ የማዕብል ኣሎ ማለት እዩ።
እዚ ኵነታት እውን ውጽኣት፡ ቅርጸት፡ መንፋሕቲን ከምኡ’ውን ስግድግድ ዝብል ስምዒት እንተላይ ሓደ ሓደ ግዜ ተምላስ ዝኣመሰሉ ምልክታት የርኢ።
ከም ንምሕቃቕ ዘጸግሙ መግብታት ምብላዕ፡ ብሰንኪ ድርቀት ዝመጽእ ካብ መጠን ንላዕሊ መንፋሕቲስ፡ ቁጥዐ መዓንጣን ሕማም ከስዐን ዝኣመሰሉ ኵነታት እውን ልዕሊ ዓቐን ፈሲ ከስዕቡ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ ገለ ኵነታት ፈሲ ጐድናዊ ሳዕቤን ገለ መድሃኒታት እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብሓፈሻ ግን ብዛዕባ መጠን ፈሲ ስክፍታ ዘለዎም ሰባት ሓኪም ከማኽሩ ከምዘለዎም ክኢላታት ይምዕዱ።
ፈሲ እንተተዓፊኑ ናበይ ይኸይድ?
ፈሲ እንተተዓፊኑ፡ ናብ ዝኸደሉ ቦታ የለን፤ ኣብኡ እዩ ዝጸንሕ። ሰባት ክሳዕ ዝምችኦም ወይ ክሳዕ ናብ ሽቓቕ ዝኸዱ ዓፊኖም ከጽንሕዎ ይኽእሉ’ዮም። እቲ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ፡ እቲ ፈሲ ኣብ መወዳእታ ምውጽኡ ዘይተርፍ’ዩ።
ክንፈሱ ዝገብሩ ዓይነታት መግብታት
ሓደ ብዛዕባ ፈሲ ዝገልጽ ናይ እንግሊዝኛ ግጥሚ ኣሎ።
‘Beans, beans, they're good for your heart,
The more you eat, the more you fart!’
እዚ ግጥሚ ናብ ትግርኛ ክንመልሶ እንከለና ከምዚ ዝስዕብ ትርጕም ይህብ።
‘ባሎንጋ፡ ባሎንጋ፡ ንልብኻ የሐጉሰካ፡
ዝያዳ ምስ ትበልዕ፡ ዝያዳ የፍስወካ!’
ስለምንታይ እዩ ግን ባሎንጋ ዝያዳ ክንፈሱ ዝገብረና?
ባሎንጋ ከም ካልኦት ብዙሓት መግቢታት ብዙሕ ክሓቅቕ ዝኽእል ጽሕጊ (ፋይበር) ዝሓዘ እዩ።
እዚ ፋይበር ንጥዕና ዓቢ ረብሓ'ኳ እንተሃለዎ፡ ብተወሳኺ ግን ፈሲ የስዕብ’ዩ - ምኽንያቱ ድማ መባዅዕቲ ወይ ምልዕዓል እዚ ፋይበር ኣብ ቀጢን መዓንጣ ዘይኰነስ ኣብ ረጒድ መዓንጣ እዩ ዝፍጸም። እዚ መስርሕ ጋዝ የፍሪ፤ እዚ ጋዝ ድማ ብፈሲ ኣቢሉ ይወጽእ።
ካልኦት ንፈሲ ዝድርኹ ድማ ከም ብርስን፡ ዓይኒ ዓተር ዝኣመሰሉ ጥረምረን ከምኡ’ውን ከም ብሮኮሊ፡ ካውሎ፡ ሽጉርቲ፡ ዝኣመሰሉ መግብታት ይርከብዎም።
እንስሳታት’ከ ይፈስዉ’ዶ?
ኵሎም ደቂ ሰባት ይፈስዉ’ዮም። ግን ኵሎም እንስሳታት’ከ ይፈስዉ’ዶ?
መብዛሕትኦም እንስሳታት ከምዝፈስዉ ዘረጋግጹ መጽናዕትታት ኣለዉ። ብካልእ ሸነኽ ድማ ብዛዕባ ገለ እንስሳታት ዝተገብረ እኹል መጽናዕቲ ስለዘየለ ብርግጽ ንምዝራብ ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ።
ማንቲለ ትፈሱ ድያ?
እወ። ማንቲለ ዘይተዀምስዕ በላዒት ተኽሊ እያ። እዚ ማለት መግባ ከም ሳዕሪ፡ ዕምባባታትን ጨናፍር ዝኣመሰሉ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ተኽሊ እተሕቕቐሉ ፍሉይ ከብዲ ግን የብላን። ስለዚ መግባ ንምሕቓቕ ኣብ ከም ባክተርያ ዝኣመሰሉ ነፍሳት እያ ትምርኰስ።
ማንቲለ መግባ መጀመርያ ኣብ ረጒድ መዓንጣ እዩ ዝደቅቕ፤ ስለዚ ካብ መግባ ዝያዳ መኣዛታት ንምርካብ እቲ ልስሉስ ተኽሊታት ዝሓዘ ቀልቀላ እውን ዳግማይ ትምገቦ’ያ።
እዚ ቅሩብ ዝፍንፍን ኣመጋግባ ስለዘለዋን ስርዓተ ምሕቃቓ’ውን ኣብ ነፍሳት ስለዝምርኰስን እዚ ክልቲኡ ንፈሲ ምቹእ ኵነታት እንተፈጠረ ዝገርም ኣይኰነን። ማንቲለ ትፈሱ እያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ግድን ክትፈሱ የድልያ’ዩ። ጸቕጢ፡ ምውሓድ ማይን ትሑት ጽሕጊ ዘለዎ ግን ከኣ ብልዑል ካርቦሃይድሬትን ሽኮርን ዝሃብተሙ መግቢታታ፡ ኣብ መዓንጣኣ ጋዝ ክእከብ ስለዝገብሩ፡ እንተዘይፈስያ መዓንጣኣ ስርሑ ደው ክብል ተኽእሎ ኣሎ።
ፈሲ መስሓቕ ነገር’ኳ እንተዀነ፡ ንማንቲለ ግን ናይ ህይወት ጉዳይ’ዩ፤ ምኽንያቱ እዚ ምትእኽኻብ ጋዝ ኣዝዩ ቃንዛ ዘለዎን ብፈሲ ኣቢሉ እንተዘይወጽኡ ድማ ግዜ ከይሃበ ቀታሊ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ሳሬት’ከ ፈሲ ኣለዋ’ዶ?
ብሓቂ ዝፈልጥ ሰብ የለን! ፈሲ ሳሬት ብዘገርም መንገዲ ትሑት መጽናዕቲ ዝተገብረሉ ኣርእስቲ እዩ። ገለ ፍንጪ ንምርካብ ግን ንስርዓተ ምሕቃቕ መግባ ክንምልከት ንኽእል።
ሳሬት፡ ዝበዝሕ ናይ ንጥፈት ምሕቃቕ መግቢ እተካይድ ካብ ኣካላ ወጻኢ እዩ። ነቲ መግባ ናብ ኣፋ ቅድሚ ምእታዋ፡ ንግዳያታ ብኢንዛይማት ምሕቃቕ መግቢ ዝመልአ መርዚ ትወግኦም እያ።
ብድሕሪኡ፡ እቶም ኢንዛይማት ምሕቃቕ መግቢ ስርሖም ክሳዕ ዝሰርሑ ትጽበ። ኣብ ውሽጢ ኣካል’ቲ ዘለዉ ቲሹታት እናበተኑ ይኸዱ። ድሕሪኡ እታ ሳሬት ነቲ ናብ ፈሳሲ ዝተቐየረ ሰናይ ምግባ ናብ ኣፋን ናብ ከብዳን ትመጦ፤ ጸኒሓ ድማ ተምልሶ’ሞ ዳግማይ ትምገቦ። ብተደጋጋሚ’ያ ከምዚ ትገብረሉ ምኽንያቱ ስርዓተ ምሕቃቕ ሳሬት ፈሳሲ ጥራይ እዩ ከሕቅቕ ዝኽእል።
ሳሬት መግባ ንምብታንን መኣዛታት ንምርካብን ዝሕግዝዋ ባክተርያ ኣብ ውሽጣ ስለዘለዉ፡ ኣብዚ መስርሕ’ዚ ጋዝ ክፍጠር ዝኽእል ይመስል። ስለዚ ድማ ሳሬት ክትፈሱ እትኽእለሉ ተኽእሎ ብርግጽ ኣሎ።
ኣዕዋፍ ይፈስዋ’ዶ?
ኣዕዋፍ መሃንቱስ ኣለወን፤ ስለዚ ብቴክኒካዊ መዳይ ክፈስዋ ይኽእላ’የን።
ክሳብ ሕጂ ግን ነዚ ዝሕብር ወግዓዊ መርትዖ የለን። ሓደ ክልሰ-ሓሳብ፡ ዝቐልጠፈ ፍጥነት ምሕቃቕ መግቢ ስለዘለወን ከምደቂ ሰባትን ካልኦት መጥበውቲ እንስሳታትን ምፍሳው ኣየድልየንን ይብል። ብመሰረት’ዚ መግበን ኣብቶም ሓጸርቲ ሻምብቆታት ከስዐአን ነዊሕ ስለዘይጸንሕ፡ ጋዝ ክፍጠረሉ ዝኽእል ዕድል ዳርጋ የለን።
ካልእ ክልሰ-ሓሳብ ድማ፡ መዓንጣ ኣዕዋፍ ከም መጥበውቲ ተመሳሳሊ ጋዝ ዝፈጥር ባክተርያ ከምዘይብሉ ይጠቅስ። ኣዕዋፍ ብጥራጥ ዘይኰነስ ቀስ ኢለን ድምጸን ኣጥፊአን ጋዝ ክፍንዋ ስለዝኽእላ፡ ተመራመርቲ ኣዕዋፍ ፈሰን ዘየስተብሃሉ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም፤ ወይ’ውን ኣብ ክንድኡ ብመጕሳዕቲ ኣቢለን ዘይተደልየ ጋዝ ዝፍንዋ ክዀና ይኽእላ።
ዳይኖሶራት’ከ?
እወ! ልክዕ ከም ኣኽላባትን ገለ ሓሳኹን ዳይኖሶር ጋዝ ከምዝፍንው ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ገለ ዓይነታት ዳይናሶር፡ ጋዝ ምፍናው ጥራይ ዘይኰነስ ብዙሕ ምፍሳው የድልዮም ነይሩ። ኣዝዩ ብዙሕ ብምዃኑ ድማ ብሓቂ ኣብ መላእ ምድርን ክሊማኣን ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ። ሓደ መጽናዕቲ፡ ዳይኖሰር ዝፍንውዎ ጋዝ ኣብ ዘመነ ሜሶዞይክ (ቅድሚ 250 ክሳብ 65 ሚልዮን ዓመታት) እዛ ፕላነት ዋዒን ጠሊን ንክትረክብ ኣገዳሲ ረቛሒ ምንባሩ የመልክት።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን እውን ፈሲን መጉሳዕትን ኣብ ክሊማ ጽልዋ የሕድሩ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ። ብፍላይ ጥሪት ክሳብ 14 ሚእታዊት ካብ ኵሉ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዝፍኖ ልቀት ጋዛት ሓምላይ ገዛ ከምዘበርክታ ይግለጽ።