ፕረዚደንት ሶማል፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ሃገሩ ከም ዘይዋግኣ ገሊጹ

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ዓቀብቲ ሰላም ሓይልታት ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ግጭት ክኣትውሉ ዘኽእል ምኽንያት ከም ዘየሎን "ናይ ውክልና ኲናት" ከም ዘይህሉን ገሊጹ።
ሃገሩ፡ "ኣብ መሬት ሶማል" ናይ ውክልና ኲናት ክህሉ ከም ዘይትፈቅድ ንቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ክልተአን ሃገራት ናብ ግጭት ክኣትዋ እንተ ደልየን ባዕለን ክዋግኣ ከም ዝኽእላ ብምግላጽ፡ እንተዀነ፡ "ሰራዊት ናይ ክልተአን ሃገራት ኣብ መሬት ሶማል ኣብ ቀረባ ርሕቀት ስለ ዘየለዉ፡ ናይ ግጭት ዕድል የሎን፡" ኢሉ።
ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ሰራዊት ኣማኢት ኪሎሜተራት ርሕቀት ከም ዘሎ ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት፡ "ግብጺ ንኢትዮጵያ ክትርብሽ እትደልየሉ ምኽንያት ኣይርኣየንን። ኢትዮጵያ'ውን ነቶም ናይ ግብጺ ዓቀብቲ ሰላም እትርብሽሉ ምኽንያት ኣይርኣየንን፡" ክብል ኣብሪሁ።
ሰራዊት ኢትዮጵያን ግብጽን፡ ንሶማልያ ናብ ዓውደ ውግእ ዝቕይር "ናይ ውክልና ኲናት" ከም ዘይከኣልን ሃገሩ ኣብ መሬታ ክኸውን ከም ዘይተፍቅድን ኣስሚሩሉ።
ብተወሳኺ፡ ሃገሩ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኲናት ምጽናሕ ስለ ዘድከማ፡ ካልእ ኲናት ከም ዘይትደሊ ሓቢሩ።
"ናይ ገዛእ-ርእስና ጸገማትን ኲናትን ኣለና፡" ዝበለ ሓሸን ሸኽ ማሕሙድ፡ ካልኦት ሃገራት መጺአን ኣብዚ ክዋግኣ ኣይንደልን ድሕሪ ምባሉ፡ "እዚ ፈጺሙ ኣይከውንን፡" ኢሉ።
መንግስቲ ሶማል፡ ኣብ ትሕቲ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ 11,000 ሰራዊት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንምርግጋእ ሶማል ከም ዝተላእኩ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ወኪል ሶማል፡ እቲ ተልእኾ ኣብ ዝጸደቐሉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ምምቕራሕ ሰራዊት ብኽልተኣዊ ስምምዕ ዝውሰን ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣብ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሶማል ካብ ዝሳተፋ ሃገራት ዝዀና ኢትዮጵያን ግብጽን ብምኽንያት ህንጸት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ ይርከባ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ካብ ዝዋፈር ዕስራ ዓመታት ኣቝጺሩ'ሎ። ግብጺ ግን ሶማልያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ተፈሓፊሓ ኣብ ዝነበረትሉ እያ ሰራዊታ ሰዲዳ።
ኢትዮጵያ ምስታ ኣብ ታሕሳስ 2016 ናጽነታ ዝኣወጀት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ናይ ወደብ ባሕሪ ስምምዕ ብምፍራማ ምስ ሶማልያ ኣብ ምትህልላኽ ኣእትይዋ።
ኣብ መወዳእታኡ፡ ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ኣንካራ ድሕሪ ዝገበርኦ ምርድዳእ ኣብ ስምምዕ በጺሐን።
ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እታ ባሕሪ ኣልቦ ዝዀነት ኢትዮጵያ ተጠቃምነት ኣገልግሎት ወደብ ክትረክብ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣብ ኣገልግሎት ወደብ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ይቕጽል ከም ዘሎን "ክሳዕ ሕጂ ኣብ መደምደምታ ከም ዘይበጽሑን፡" ሓቢሩ።
"ኢትዮጵያ ወደብ ሶማል ተኻርያ ክትጥቀም ጸገም የብልናን፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







