ጒኒ-ቢሳው፡ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዘካየደ ጀነራል መራሒ ሃገር ምዃኑ ኣፍሊጡ

ኣብ ጒኒ-ቢሳው ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ኣዛዚ ሰራዊት ሓድሽ መራሒ እታ ሃገር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣዛዚ ሓለዋ ፕረዚደንት ዝነበረ ጀነራል ሆርታ ን'ታም፡ ንሓደ ዓመት መሰጋገሪ ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ሎሚ ቃለማሕላ ፈጺሙ'ሎ።

ብረቡዕ፡ ገለ መኮንናት እታ ሃገር ኣብ ዘካየድዎ ዕልዋ ንፕረዚደንት ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባሎ ኣብ ቀይዲ ብምእታው ስልጣን ከምዝተቖጻጸሩ ብወግዒ ምፍላጦም ይዝከር።

ውጽኢት ናይቲ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሎሚ ሓሙስ ክግለጽ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን'ዩ እቲ ዕልዋ ተፈጺሙ ዘሎ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ቢሳው ተዅሲ ምስ ተሰምዐ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምንጭታት መንግስቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኤምባሎ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ሓቢሮም።

ብድሕሪ'ዚ እቶም መኮንናት ኣብ መንግስታዊ ተሌቪዥን ቀሪቦም፡ እታ ሃገር ምዕራብ ኣፍሪቃ ውጽኢት ናይቲ ሰንበት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣብ እትጽበየሉ ዝነበረት እዋን፡ መስርሕ መረጻ ደው ኣቢልናዮ ኣለና ኢሎም።

እቶም ወተሃደራት፡ "ደገፍ ሓደ ፍሉጥ ነጋዳይ ዕጸ-ፋርስ" ዝነበሮም ስሞም ዘይተጠቕሰ ፖለቲከኛታት ርግኣት እታ ሃገር ንምዝራግ ዝዓለመ ውዲት ንምፍሻል ይሰርሑ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ዶባታ ከም ዝተዓጽወ ኣፍሊጦም። ሰዓት እቶ እቶ እውን ኣዊጆም።

ኣብ መንጐ ሰኔጋልን ጊኒን እትርከብ ንዕልዋ መንግስቲ እትቃላዕ ሃገር ጊኒ ቢሳው፡ ኣብ 1974 ካብ ፖርቱጋል ናጽነት ካብ እትረክብ ጀሚራ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጽልዋ ዘለዎ ዕሉል ማእከል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ተባሂላ እያ ትፍለጥ።

ውጽኢት መረጻ ሓሙስ ክንገር ትጽቢት ይግበር ነይሩ፣ ክልቲኦም ኤምባሎን ናይ ቀረባ መወዳድርቱ ፈርናንዶ ዲያስን ዓወት ኣመዝጊቦም ነይሮም።

ዲያስ ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዶሚንጎስ ፐረራ ዝተደገፈ ኰይኑ፡ ካብ ውድድር ተኣልዩ።

ብረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ኤምባሎ ምስ ፍራንስ 24 ኣብ ዝገበሮ ናይ ተሌፎን ቃለመጠይቕ፡ "ካብ ስልጣነይ ተኣልየ፡" ኢሉ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ምንጭታት መንግስቲ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ዲያስ፡ ፐረራን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ቦትቸ ካንደን እውን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ይፍለጥ።

እቶም ዓመጽቲ ንሓላፊ ሰራዊት ጀነራል ቢያጉ ና ንታንን ምክትሉ ጀነራል ማማዱ ቱረን እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተውዎም እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።

ኣብ ቢሳው ዝርከቡ መሰኻኽር ኣቐዲሞም፡ ከባቢ ድሕሪ ቀረሪ ተዅሲ ተሰሚዑ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ተዅሲ መን ከም ዝተሳተፈን ዝዀነ ጉድኣት እንተሃልዩን ግን ንጹር ኣይኮነን።

ብእግሮምን ብመካይንን ኣብ ጎደናታት ዝነበሩ ኣማኢት ሰባት ድማ ክሃድሙ ከም ዝተራእዩ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ድሒሩ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ሓላፊ ወተሃደራዊ ቤተሰብ ጀነራል ደኒስ ንካንሃ እቶም ወተሃደራት ስልጣን ከም ዝተቘጻጸሩ ዝእውጅ መግለጺ ኣንቢቡ።

ንሱ፡ መኮንናት "ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ንምምላስ" ስርዓት ከም ዘቘሙን፡ ህዝቢ "ሃዲኡ ክጸንሕ" መምርሒ ከም ዝሃቡን ገሊጹ።

ፖርቱጋል ቅዋማዊ ስርዓት ናብ ቦታኡ ክምለስ ጸዊዓ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ድማ "ኵሎም እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ካብ ዝዀነ ትካላዊ ወይ ዜግነታዊ ዓመጽ ክቝጠቡ" ተማሕጺኑ።

ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፖርቱጋል ዝነበረት ጊኒ ቢሳው፡ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ብውሕዱ ትሽዓተ ዕልዋ መንግስቲ ወይ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ርእያ እያ።

ኤምባሎ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ዝተፈላለየ ፈተነታት ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝደሓነ ገሊጹ። ይዅን እምበር፡ ነቐፍቱ፡ ነቲ ተቓውሞ ንምጭፍላቕ ኢሉ ቅልውላው ከም ዝፈጠረ ይገልጹ።

እዚ ወዲ 53 ዓመት ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ንኻልኣይ ግዜ ተኸታታሊ ስልጣን ዘረጋገጸ እንኮ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ታሪኽ ክሰርሕ ትጽቢት ነይሩዎ።

ንሱ ኣብ መጀመርታ ንኻልኣይ ግዜ ክወዳደር ከም ዘይደሊ ገሊጹ ነይሩ።

ቅድሚ እቲ ዝተደናጐየ መረጻ ሕጋውነቱ ኣብ ሕቶ ኣትዩ ከም ዝነበረን፡ ተቓወምቲ ስልጣኑ ኣብ ለካቲት 2025 ብወግዒ ክውዳእ ከም ዝነበሮን ገሊጾም ነይሮም።

ጊኒ ቢሳው ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም እያ።

ገማግም ባሕራ ብዙሓት ሰብ ዘይብለን ደሴታት ስለ ዘለዋ፡ ንነጋዶ ዕጸፋርስ ምቹኣት ኰይነን እየን።

ምኽንያቱ ካብ ላቲን ኣመሪካ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ንዝመጽእ ኮኬይን ቀንዲ መተሓላለፊ ስለ ዝዀነት ድማ፡ ሕቡራት ሃገራት "ናርኮ-ስቴት" ኢሉ ሰምይዋ።