ሮቦት ሰራሕተኛ ገዛ፡ ይስሃቕን ሚሞን ገዛኹም ከጽርዩ ምፈቐድኩምሎምዶ?

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ንዓሰርተታት ዓመታት፡ እቲ ኣድካሚ ስራሕ ገዛ ክሰርሕ ዝኽእል ተመሓዛዊ ሮቦት ክህልወና ኣለዎ ዝብል እምነት ጸኒሑ እዩ።

ሕጂ፡ ምስጋና ንኪነታዊ ብልሒ እዚ ዝግሃድ ዘሎ ይመስል።

ኣብዚ ዓመት፡ ማለት 2026፡ እቶም ናይ መጀመርታ ብዙሕ ናይ ገዛ ስራሕ ክሰርሑ ዝኽእሉ ሮቦታት ናብ ገዛውትና ክኣትዉ ክጅምሩ እዮም።

እዚኦም፡ ኣብ ሲሊኮን ቫሊ ዝተሓጽበ ኽዳን ክዓጽፉ፡ ዝሕጸብ ክዳን ናብ ማሽን ከእትው፡ ደድሕረና ክኣ ከጽርዩ ንምልማድ ይስልጥኑ ኣለዉ።

እቶም በዚ ፍናን ዝስምዖም ዘሎ መሃዝቶም ክኣ፡ ዓበይቲ መብጽዓታት ይኣትዉልና ኣለዉ።

ግን ብሓቂ፡ ሮቦት ሰራሕተኛ ገዛ ክህሉ እዩ ዝብል ሓሳብ ክሳብ ክንደይ ክውንነታዊ'ዩ?

ነዚ ንምምዛን፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ምስ ኤጊ፡ ኔኦ፡ ይስሃቕን ሜሞን ተራኺቡ።

ሓደ ካብዞም ብኸፊል ሰብ መሰል (እግሪ ዘይብሎም) ሮቦታት ናብ ሓደ ገዛ ክኣትው ከለው ፍሽኽ ዘይምባል ኣይከኣልን እዩ።

ሓፈሻዊ ኵነታቶም ንምግላጽ ዝኣክል፡ ሕጂ ብዙሓት ካብኣቶም ብዙሕ ኣገደስቲ (ከምኡ'ውን ኣድካሚ) ዕዮ ገዛ ንምፍጻም ቅልጡፋት፡ ተሃዋስያንን ውሕሉላትን ምዃኖም እዩ።

ኤጊ- እቲ ሮቦት- ብተዛማዲ ፍሩይ ጀማሪ ትካል 'ታንጂብል ኤ.ኣይ' ዝሰርሖ ኰይኑ፡ ጃኬት ተቐቢሉ ከንጠልጥል፡ ዓራት ከንጽፍን ኣብ ክሽነ ዝፈሰሰ ማይ ከጽርን ከሎ ተዓዚብና።

ግን ቀስ ኢሉ እዩ ዝሰርሖ።

ብተመሳሳሊ ኒዮ - 1X ዝሰርሖ- ቀስ ኢሉ ግን ከኣ ብውጽኢታዊ መገዲ ኣብ ዙርያ ናይ ፈተነ ክሽነ ናይቲ ትካል ብእግሩ ክዘውር ክኢሉ።

ንኣትክልቲ ማይ ኣስትዩ፡ ንጋዜጠኛና ማይ ኣምጺእሉን ኩባያታትን ሸሓነን ኣጽሪዩ (ብዝተወሰነ ደረጃ ብሰብ እናተሓገዘ)።

ናይ ግዜ ጕዳይ እንተዘይኰይኑ፡ ንኤጊ ወይ ኒዮ ዝመስል ሮቦት ስራሕ ገዛ ክዓዩልካ ምርኣይ ኣዝዩ ሓጋዚ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማት ይከኣል።

ኔኦን ኤጊን ግን ምስጢራዊ ኣጽዋር ኣለዎም - ሰባት ኦፕሬተራት እዮም ዝቈጻጸርዎም ዘለው።

እዚ እቲ እቶም ናይ ምልላይ ቪድዮታት ዘየርእይዎ ነገር እዩ - እተን ዝበጻሕናየን ኩባንያታት ሲሊኮን ቫሊ ድማ ነዚ ከነኣእስኦ ይደልያ።

መስራቲት ታንጂብል ኤኣይ ዝዀነት ቢፓሻ ሰን፡ እቲ ቴክኖሎጂ ቅልጡፍ ምምሕያሽ ይገብር ከም ዘሎ ትዛረብ።

"ሎሚ ሰባት ክልተ ባህጊ ኣለዎም - መኪናን ገዛን። ኣብ መጻኢ ሰለስተ ባህግታት ክህልዎም'ዩ - መኪና፡ ገዛን ሮቦትን፡" ትብል ፍሽኽታ ብዝተሓወሶ ኣገላልጻ።

1X ካብ ማይክሮቺፕ ዝሰርሕ 'Nvidia' ሓዊሱ ካብ ናይ ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ዓቢ ፋይናንሳዊ ደገፍ ዘለዎ ኩባንያ እዩ።

ኣብቲ ዋና ቤት ጽሕፈቱ፡ ከም ኒዮ ዝበሉ ሮቦታት ዝስርሑሉ፡ ዝፍተኑሉን ዝጽገኑሉን ቦታ በጺሕና።

ኖርወጃዊ ኣካያዲ ስራሕ በርንት ቦርኒች፡ ኒዮ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ገዛ ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑን፡ ስድራኡ ምስ ወጽኡ ኣብ ምጽራይ ከም ዝነጥፍ ብምግላጽ፡ እዚ ድማ፡ ብርእሰ ምርኰሳን ብሰብ እናተኣለየን ዝገብሮ'ዩ ይብል።

"ብዙሕ መረዳእታ -ዳታ- ስለ ዘለና ብዙሕ ኣብ ገዛይ ዘሎ ነገራት ኣውቶማቲክ ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ግን በብእዋኑ ሓደ ሰብ ኣትዩ ይሕግዝ፡" ይብል።

እዞም ሮቦታት ኣብቲ ብዙሕ ዘይጽፉፍ ነገራት ዝመልኦ መንበሪ ገዛውትና ከመይ ጌሮም ከም ዝላመዱን ዝመሃሩን መረዳእታ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ሓደ ክፋል 1X ንሓንጎል ኤኣይ ኒዮ ንምምሕያሽ ዝሓንጸጾ መደብ፡ ሎሚ ዓመት ናብ ገዛውቲ ክኣቱ ምግባር እዩ።

1X ሳላ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ምዕባለታት ኤኣይ ኒዮ ንባዕሉ ኣዝዩ ዝያዳ ዓቕሚ ከም ዝህልዎ ርግጸኛ እዩ።

ግን ዝዀነ እቲ ቦት ንባዕሉ ክሓስብ ኣይርኣናን ዘለና።

እቲ ቀዳማይ ማዕበል፡ዓማዊል ምናልባት ኣዝዩ ዓቕሊ ክገብሩን፡ እቲ ሮቦት ሰባት ብርሑቕ ኰይኖም ስለ ዘመሓድሩዎም ክጋገ እንከሎ፡ ብዛዕባ ብሕትውና ክጭነቑን ክግደዱ እዮም።

ኒዮ ኣብ ወርሒ ክሳብ ከባቢ 20 ሽሕ ስለ ዝውድእ እውን ሃብታማት ክዀኑ ኣለዎም።

"ብዙሓት ካብቶም ቀዳሞት ዓማዊልና ብሓቂ ካብዚ ብዙሕ ክረብሑ'ዮም፤ ሰባት እንተዀነ ሓቀኛ ዓማዊል ምርካብ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ነዞም ዘገርሙ ቀዳሞት ዓማዊል ነዚ ንኽንሰርሕ ክሕግዙና ክንጥቀመሎም ንኽእል ኢና፡" ይብል ቦርኒች።

እዚ ንቴክኖሎጂ ሓድሽ ዝዀነ ነገር፡ መብዛሕትኡ ወፍርን ኣብ ዙርያ ሮቦታት ገዛ ዝግበር ምትዕብባይን፡ እቲ ዕድላት ናብ ጀመርቲ ትካላት ዝኸይድ ይመስል።

ቴስላ ንሰብ ዝመስል መሳርሒ ይሃንጽ እዩ ዘሎ፤ እንተዀነ ናብ ኣየናይ ዕዳጋ ዝዓለመ ምዃኑ ንጹር ኣይኰነን - ፋብሪካታት ወይ ገዛውቲ።

ኣካያዲ ስራሕ ኤሎን ማስክ ግን ዓቢ ዕዳጋ ከም ዝህልዎም ርግጸኛ'ዩ' - ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ሓደ ሚልዮን ሮቦታት ክሸይጥ መደብ ኣለዎ።

ግን ቅልጡፋት ጀመርቲ ሲሊኮን ቫሊ እዮም መጀመርታ ነቲ ዕዳጋ ንምሓዝ ዝበለጸ ዕድል ዘለዎም ይመስሉ።

ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ኣብ ዝርከብ ኖዌ ቫሊ፡ ካልእ ኩባንያ ሮቦት፡ መረዳእታ ንምእካብ ሓደ ሮቦት ኣዋፊሩ ኣሎ።

ዊቭ ሮቦቲክስ ኣብ መላእ ከተማ ዝተዘርግሑ ሸውዓተ ይስሃቕ ዝተባህሉ ሮቦታት ኣለዉዎ፤ እዚኦም ክዳውንቲ ምዕጻፍ እዩ ስርሖም።

እዚ ድማ፡ ኣብ ከባቢ 90 ሰከንድ ማልያ ብጥንቃቐ ክዓጽፍ ተዓዚብናዮ፤ መሃዚ እዚ ሮቦት ግን ይቕልጥፎ ነይሩ።

ሓባራዊ መስራቲ እቲ ኢቫን ዋይንላንድ፡ እቲ ስትራተጂ እዞም ሮቦታት ኣብ ገሃድ ዓለም "ምውፋር" እዩ ይብል።

እቲ ኩባንያ ኣብዚ ዓመት ንኣባይቲ ዝኸውን ሓፈሻዊ ዕላማ ዘለዎ ስሪት ይስሃቕ ከቕርብ መደብ ኣለዎ፣ ክንደይ ዕማማት ርእሱ ክኢሉ ክሰርሕ እዩ ዝብል ግን ንጹር ኣይኰነን።

ካልእ ሳንደይ ኤኣይ ዝተባህለ ትካል፡ ነቲ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝሰርሕ ዝመስል ብድሆ ምእካብ ዳታ ጽፉፍ መፍትሒ ኣምጺኦም ኣለዉ።

ሓደ ሮቦት ቀስ ኢሉ ግን ከኣ ብዘይ ገለ ጸገም ቡን የዳሉ፣ ካልሲ ክዓጽፍንን ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ሓደገኛ ስብርባር ብርጭቆታት ከጽርዮን ተዓዚብና።

እዚ ልዑል ዓቕሚ ዘለዎ ቦት ከይተረፈ ግን ሓደ ጌጋ ፈጺሙ - ኣብ ቀዳማይ ፈተነኡ ብርጭቆ ወይኒ ሰቢሩ።

እቶም ሮቦታት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናብ ዕዳጋ ክልኣኹ ከለው፡ እቲ ዝተሰርሐ ጓንቲ ሓጺን ከም ዝኸውን መሃንድሳት ይረዛቡ።

"ነዞም ጓንቲ ሰሪሕናዮም፤ ሰባት ድማ ኣብ ገዝኦም ይለብስዎምን መረዳእታ ይእክቡልናን። እዚ ድማ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ይህበና፡ ምኽንያቱ ሕጂ 500 ገዛውቲ ኢና ንርኢ ዘለና። ኣብዚኦም ድማ ሰባት ዝተፈላለየ ኣገባባት ዕዮ ገዛ ከም ዘለዎመንርኢ ኣለና፡" ይብል ሓባራዊ መስረቲ ቶኒ ዛኦ።

እዚ፡ ኣብ ዓለም ዘለው ስርዓታት ኤኣይ ከመይ ካብ ሰባት ከም ዝመሃሩ ዘዘኻኽር እዩ።

ናይ ኤኣይ ቻች ቦት ምምሃር፡ ብመንጽር እዚ ቀሊል እዩ፤ ምኽንያቱ ንሳቶም ቢልዮናት ገጻት መርበብ ሓበሬታ፡ መጻሕፍትን ፊልምታትን ክውከሱ ስለ ዝኽእሉ በላሕቲ ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ።

እታ ናይ መወዳእታ ዝበጻሕናያ ትካል፡ ክውንነት እቲ ናይ ውሽጢ ገዛ ስራሕ ዝሰርሕ ሮቦት ንምርግጋጽ ፍጹም ዝተፈልየ ኩርናዕ እያ ትጥምት። እዚ፡ ዓባሳት ሮቦታት በላሕቲ ዝገብር ሓንጎል ምምዕባል እዩ።

መሃንድሳት ንዝዀነ ሮቦት ሃርድዌር ዝኸውን ሶፍትዌር ኤኣይ ንምምዕባል ኵሉ ዓይነት ዝተፈላለዩ ሮቦታዊ ቅልጽም፡ ኣእዳውን ኣካላትን ይጥቀሙ ኣለዉ።

"ንዝዀነ ዓይነት ኣካላዊ መልክዕ፡ ሰብ ዝመስል ሮቦት ወይ'ውን ናብ መሳርሒ ዝቐርብ ነገር ከይተረፈ፡ ብልሒ ክህልዎ ክንገብር ኢና ንደሊ፡" ትብል ሓባራዊት መስራቲት ቸልሲ ፊን።

እዚ፡ መስራቲ ኣማዞን ጀፍ ቤዞስን ኦፐንኤይን ሓዊሱ ብዙሓት ኣውፈርቲ ይድግፉዎ ኣለው።

ኣብዚ ቴክኖሎጂ ዓቢ ወፍሪ ይግበር ኣሎ።

ሲሊኮን ቫሊ ማእከል እዚ ምህዞታት እኳ እንተዀነ፡ ካብ ቻይና ግን ከቢድ ንሕንሕ የጋጥሞ ኣሎ።

ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ሮቦቲክስ፡ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ሮቦታት ተቐባልነት ንክረኽቡ ብውሑድ 20 ዓመት ክወስድ ከም ዝኽእል ይግምት።

ጠለብ ናይቶም ሮቦታት ክሳብ ክንደይ ክህሉ እዩ ዝብል ሕቶታት እውን ኣሎ።

መጻወቲ ሃብታማት ጥራይ ድዮም ክዀኑ ወይስ ኵሉ ክቀጥመሎም ብዝኽእል ሕሱር ዋጋ ክቐርቡ'ዮም?

ነቶም ኣብዚ ቴክኖሎጂ ዘለዉ መሃንድሳት ግን ብሓቂ ኵላትና ኣብ ገዛውትና እንደልዮ መጻኢ ሮቦት ሰራሕተኛ ይሃንጹ ከም ዘለዉ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎም ይመስል።