እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጳጳስ ማር ማሪ፡ ነቲ ብኻራ ዝወግኦም መንእሰይ 'ይቕረ' ኢሎም
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ብኻራ ዝተወግኡ ጳጳስ፡ "ብቕልጡፍ ይሓዊ ኣለኹ" ብምባል ነቲ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ 'ይቕረ' ከምዝበሉሉ ገሊጾም።
ጳጳስ ማር ማሪ ኣማኑኤል፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ድምጺ መልእኽቲ፡ ሕብረተሰብ ክረጋጋእ ጸዊዖም ኣለዉ።
እቲ ብቐጥታ ዝተመሓላለፈን ኣርባዕተ ሰባት ዝቘሰሉሉን መጥቃዕቲ ብሃይማኖት ዝተደፋፍአ ተግባር ራዕዲ ምንባሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብ ልዕሊ እቶም ጳጳስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኣፍደገ እታ ሕርቃን ዝመልኦም ደገፍቲ እቶም ጳጳስ ዝተኣከቡላ ቤተክርስትያን ‘ዘ ጉድ ሸፐርድ’ ናዕቢ ኣበጊሱ ነይሩ።
ምስቲ ፍጻመ ብዝተሓሓዝ ንርእሱ’ውን ዝቘሰለ ወዲ 16 ዓመት ትሕቲ ዕድመ ኰተቴ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ኳ እንተሃለወ፡ ዛጊት ግን ብዝዀነ ገበን ኣይተኸሰሰን። ሰብመዚ’ውን እምነት ናይቲ ጥርጡር ወዲ ክገልጹ ኣይደለዩን።
ሓላፊ ትካል ስለያ ጸጥታ ኣውስትራልያ ማይክ በርገስ፡ እቲ ጥርጡር ብቋንቋ ዓረብ ዓው ኢሉ፡ ንስም “ነቢይ" ክጽውዕን ዘርእዩ ቪድዮታት ብሰብመዚ ይምርመር ከምዘሎ ገሊጹ።
መልእኽቲ እቶም ጳጳስ
ጳጳስ ማር ማሪ ኣማኑኤል፡ ኣብቲ ብሓሙስ በታ ቤተክርስትያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ኣርባዕተ ደቓይቕ ዝንውሓቱ ክሊፕ "እዚ ተግባር ንዝፈጸመ ይቕረ" ከም ዝበሉዎ ይዛረቡ።
"ኵሉ ግዜ ድማ ምእንታኻ ክጽሊ እየ። ነዚ ንኽትገብር ንዝለኣኹኻ’ውን ብስም የሱስ ይቕረ እብሎም ኣለኹ" ኢሎም።
ወሲኾም፡ "ደሓን ይኸውን ኣለኹ፤ ምጭናቕ ወይ ምሕሳብን ኣየድልን" ክብሉ ኣፍሊጦም።
ፖሊስ ኒው ሳውዝ ወልስ፡ እቶም ጳጳስ ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣብ ዝፍጽሙሉ እዋን ካብ ዘጋጠሞም መጥቃዕቲ፡ "ብህይወት ምትራፎም ዕድለኛ እዮም" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ብሰኑይ ምሸት ነቲ መጥቃዕትን ብድሕሪኡ ዝነበረ ኵነታትን ዘርኢ ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ምስ ተዘርግሐ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ናብታ ቤተክርስትያን ተኣኪቦም ነይሮም።
ዓመጽ ዝመልኦ ናዕቢ ተወሊዑ ድማ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ቈሲሎም። 10 መካይን ፖሊስ ክዓንዋ ከለዋ ሓገዝ ወሃብቲ ሓካይም ከኣ ንድሕነቶም ብምፍራሕ ኣገልግሎት ክህቡ ኣይከኣሉን።
ፖሊስ፡ እቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ኣካላት ከምዝተሓዙን ከምዝኽሰሱን ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ብረቡዕ ምሸት ከኣ ፈላማይ ተጠርጣሪ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ።
ወጥሪታት ብምጕህሃሩ፡ ምልባዕ ዘረባታት ካልእ ዓመጽ ከየበግስ ንሰበስልጣንን መራሕቲ ማሕበረሰብን ስክፍታታት ኣሕዲርሎም ነይሩ።
ጳጳስ ኣማኑኤል፡ ኣብ ዘሕለፍዎ ህዝባዊ መልእኽቶም ደገፍቶም ምስ ፖሊስ ክተሓባበሩ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።
"ከም ክርስቶስ ክትኰኑ እደሊ። ጐይታ የሱስ ባእሲ ምሂሩና ኣይፈልጥን። ጐይታ የሱስ ሕነ ክንፈዲ ምሂሩና ኣይፈልጥን" ኢሎም።