እስራኤል ኣብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝተነቕፈትሉ፡ ነታንያሁ ኣብ መደቡ ይጸንዕ

ኣምባሳደራት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ኲናት ንምቍራጽ "ዝበለጸ መንገዲ" ምዃኑ ዝገለጾ እስራኤል ንወሽመጥ ቓዛ "ክትቈጻጸር" ዝብል መደብ ብትሪ ኰኒኖም።

ነታንያሁ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ "በርቃውን ንቓዛ ካብ ሓማስ ሓራ ዘውጽእን፡" ምዃኑ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን "እቶም እንኮ ብደይ-መደይ ዝጠምዩ ዘለዉ፡" ምዃኖም ብምግላጽ፡ እስራኤል ኮነ ኢላ ንቓዛውያን ተጥምዮም ኣላ ንዝብል ክሲ ነጺጉ።

እስራኤል ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከቢድ ነቐፌታ እዩ ወሪዱዋ። ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝርከብአን ሃገራት፡ እቲ ውጥን "ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዝጥሕስ" ሓደጋ ከም ዘለዎ ኣጠንቂቐን።

ምስ ዴንማርክ፡ ግሪኽን ስሎቨንያን ብምዃን ድማ እቲ ውጥን ክስሓብ ጸዊዐን፣ "ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ናብ ገዛኦም ንምምጻእ ከም ዘይሕግዝን ንህይወቶም ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ከም ዝኽእልን፡" ገሊጸን።

ካልኦት ኣባላት ቤትምኽሪ እውን ዘለወን ተመሳሳሊ ስግኣት ኣስሚዐን። ቻይና ኣብ ልዕሊ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሰባት ዘሎ "ጃምላዊ መቕጻዕቲ" ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ክትገልጽ ከላ፡ ሩስያ ድማ "ብዘይ ግቡእ መንገዲ ተጻብኦታት ከይሕይል፡" ኣጠንቂቓ።

ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ሚሮስላቭ ጀንካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ውጥናት እንተ ተተግቢሩ፡ ኣብ ቓዛ ካልእ መዓት ከበግስ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ክልሕምን ተወሳኺ ግዱድ ምዝንባል፡ ቅትለትን ዕንወትን ከስዕብ'ዩ፡" ኢሉ።

ካብ ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ራሜሽ ራጃሲንግሃም፡ ኣብ ቓዛ ዝርአ ዘሎ ቅልውላው ጥሜት ድሮ ከቢድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "እዚ ጥሜት እዩ - ጻልጣ ሓቅን ቀሊልን፡" ኢሉ።

ኣመሪካ ግን ንእስራኤል ተኸላኺላ።

ኣምባሳደር ዶሮቲ ሺያ፡ ኣመሪካ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ሓራ ንምውጻእን ኲናት ንምቍራጽን "ብዘይሕለል" ክትሰርሕ ከም ዝጸንሐት፡ እቲ ኣኼባ ድማ ነቶም ጻዕርታት ዝሕግዝ ከም ዘይኰነ ገሊጻ።

ንሳ ወሲኻ፡ "ሓማስ ነቶም ጅሆታት እንተ ፈቲሑ፡" እቲ ኲናት፡ "ሎሚ ክውዳእ ይኽእል እዩ፡" ኢላ። ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣኼባ ተጠቒመን "ንእስራኤል ብጃምላዊ ቅትለት ክኸስኣ፡" ቅቡል ከም ዘይኰነ ወቒሳ።

ቤትጽሕፈት ነታንያሁ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ መደባት እስራኤል ከም ዝተዘራረበ ብሰንበት ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ነቲ መደብ መንግስቲ ንምቅዋም ንህይወት ናይቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከየእቱ ብምስጋእን ናብ ጐደናታት ወጺኦም።

ነታንያሁ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛን ከባቢ ኣልማዋሲ ዝርከብ ማእከላይ ከባቢን "ክልተ ዝተረፉ ዕርድታት ሓማስ" ክፈርስ መምርሒ ከም ዝተዋህቦ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ቓዛ ሓገዝ ንምዕባይ ዝዓለመ ሰለስተ ደረጃታት ዝሓዘ ውጥን ኣቐሚጡ። እዚ ድማ ንሰብኣዊ ሓገዝ ውሑስ መስመራት ምፍጣር ከምኡ'ውን ብሓይልታትን መሻርኽትን እስራኤል ካብ ነፈርቲ ሓገዝ ምድርባይ የጠቓልል።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ካብ መወዳእታ ግንቦት ጀሚሩ፡ ብእስራኤልን ኣመሪካን ዝድገፍ ትካል (GHF) ሓገዝ ምክፍፋል ካብ ዝጀመረሉ እዋን፡ 1,373 ፍልስጤማውያን መግቢ ንምርካብ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ ነይሩ።

ነታንያሁ፡ ሓማስ "ነተን ናይ ረድኤት መካይን ብዓመጽ ከም ዝዘመተን" ብምግላጽ፡ ብዛዕባ ኣብ ቦታታት GHF ዝተቐትሉ ፍልስጤማውያን ምስ ተሓተተ ድማ፡ "ብዙሕ ካብቲ ተዅሲ ብሓማስ ዝተገብረ እዩ፡" ኢሉ።

ብዛዕባ እቶም ኣብ ቓዛ ዝተረፉ እስራኤላውያን ጅሆታት ምስ ተሓተተ ነታንያሁ፡ "ዋላ ሓንቲ እንተ ዘይገይርና ከነውጽኦም ኣይኰናን፡" ኢሉ።

እቲ መራሒ እስራኤል፡ ንዓለምለኻዊ ፕረስ እውን ነቒፉ፣ ፕሮፖጋንዳ ሓማስ ተቐቢልናዮ ኣለና ኢሉ። ኣብ ቀዳማይ ገጻት ጋዜጣታት ዝተዘርግሑ ብስእነት መግቢ ዝማሰኑ ህጻናት ዘርኢ ገለ ኣሳእል፡ "ናይ ሓሶት" ኢሉዎ።

ኣብ እዋን ኲናት ዓለምለኻውያን ጋዜጠኛታት ናብ ቓዛ ብናጽነት ጸብጻብ ከቕርቡ ኣይተፈቕደሎምን። ነታንያሁ፡ ወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት ናብ ውሽጢ ክኣትዉ ካብ ዝፍቀድ ክልተ መዓልታት ኣቝጺሩ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ካብ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ሓሙሽተ ሰባት ብሰንኪ ጥምየትን ሕጽረት መግቢን ሞይቶም፣ ጠቕላላ ሞት 217 ከም ዝበጽሐ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

እቲ ምኒስትሪ ብተወሳኺ፡ እስራኤል ኣብ 2023 ንመጥቃዕቲ ሓማስ ስዒባ ወፍሪ ካብ እትጅምር ልዕሊ 61,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይገልጽ።