ወናኒ ፌስቡክ ንማዕከናት ዜና ሩስያ ኣጊዱ

ቭላድሚር ፑቲን (ጸጋም) - ማርክ ዛከርበርግ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/Reuters

ወናኒ ፌስቡክ-ሜታ፡ መደናገሪ ስልትታት ብምጥቃም ጽልዋ ንምፍጣር ተዋፊሮም ንዝበሎም ብዙሓት ማዕከናት ዜና ሩስያ፡ ካብ ዘመሓድሮም መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ይእግድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሜታ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ልዕሊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ጥንቃቐ ዝመልኦ ስጕምቲ ወሲድና። ሮሽያ፣ ኣርቲን ካልኦትን ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ካብ መተግበሪታትና ኣጊድናዮም ኣለና” ኢሉ።

እዚ እገዳ፡ ኣብ ዝመጹ ሒደት መዓልታት ተግባራዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ዋሽንግተን ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ፡ ኣርቲ፡ ራሽያ ቱደይን ስፖትኒክን ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ማዕከናት ዜና ሩስያ ኣብ ፖለቲካ ምዕራባውያን ጽልዋ ንምፍጣር ይፍትና ኣለዋ ብዝብል፡ ልዑል ክትትል ይግበረለን ኣሎ።

ሕጂ ድማ ኣመሓዳሪ ፌስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ዋትስኣፕን ትሬድስን ዝዀነ ሜታ ነዚ ስጕምቲ ወሲዱ።

ሜታ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት እውን ተበጻሕነት ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነና ማዕከናት ዜና ንምግታእ ስጕምትታት ከም ዝወሰደ ይፍለጥ።

ኲናት ዩክረይን-ሩስያ ካብ ዝውላዕ ንደሓር ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዩክረይንን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ግዝኣተን ማዕከናት ዜና ሩስያ ክዕጸዋ ኣለወን ክብላ ጸኒሐን እየን።

ኣመሪካ፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ተለቪዥን ኣርቲ ንሓደ ትካል 10 ሚልዮን ዳላር ብምኽፋል ሕቡእ መልእኽቲ መንግስቲ ሩስያ ከሕልፍ ፈቲኑ ብዝብል ከሲሳ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ድማ ኣመሪካ ብሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣቢላ ማዕከን ዜና ኣርቲ ኣካል ስለላ ሩስያ’ዩ ብምባል ማዕቀብ ኣንቢራ።

ብሊንከን፡ ኣርቲ ካብ መንጐ ብመንግስቲ ሩስያ ዝድገፉ ማዕከናት ዜና ከም ዝዀነ ብምሕባር፡ “ምስ ትካል ድሕነት ሩስያ ርክብ ዘለዎን ሳይበራዊ ልኡኽ ዝተወሃቦን’ዩ” ኢሉ።

ኣርቲ፡ ንዘረባ ኣንቶኒ ብሊንከን ብኤክስ ብቐጥታ ዝፈነዎ ኰይኑ፡ “ሓድሽ ውዲት ኣመሪካ” ክብል ገሊጽዎ።