እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢቢሲ ብትራምፕ ከቢድ ሕጋዊ ሙጕት ገጢምዎ'ሎ፤ ብሕጂ እንታይ'ዩ ክስዕብ ዝኽእል?
ቢቢሲ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ይቕሬታ ምሕታቱ፡ ነቲ ትራምፕ ናብ ክሲ ከምርሕ ምዃኑ ዝገልጾ ምፍርራሕ ደው ከብሎ ይኽእል'ዩ ኢሉ ዝሓሰብ ሰብ እንተሎ፡ ብግልጺ ክዛረብ እንተዀይነ፡ ተደናጊሩ እዩ ትብል ኤዲተር ባህልን ሚድያን ቢቢሲ ካቲ ራዛል።
ኣቦ መንበር ቢቢሲ ሰሚር ሻህ ምናልባት ኣብቲ ዋና ዳይረክተርን ዋና ኣካያዲት ስራሕ ቢቢሲ ኒውስን ካብ ስልጣኖም ድሕሪ ምልቃቖም ኣብ ዝሃበኒ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊልዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ነቲ ፕረዚደንት "ብጻይ ፈታዊ ምጕት" እዩ ኢሉዎ።
ትራምፕ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ኵባንያታት ሚድያ ኣመሪካ ዘቅረቦ ብዙሕ ሕጋዊ ጕዳያት ሓደ መርኣያ'ዩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ምስ ማዕከን ዜና ጂቢ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ በቲ ቢቢሲ ዝሰርሖ ቪድዮ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተጐደአ፡ ንቢቢሲ ድማ ክኸሶ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ዝሓቶ ካሕሳ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኢልዎ ዝነበረ ክብ ኣቢልዎ ኣሎ።
ትራምፕ ብዓርቢ ናብ ነፋሪት ኤየር ፎርስ ዋን እናተሰቐለ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝሓቶ ካሕሳ "ካብ 1 ቢልዮን ዶላር ክሳብ 5 ቢልዮን ዶላር" ክኸውን'ዩ ኢሉ።
ነዚ ኣብ ዝያዳ ብሩህ ብዝዀነ ነገር ንምቕማጥ ምስ ኣታዊ ቢቢሲ ንምንጽጻርን፡ ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ምሉእ ዓመት ጠቕላል ካብ ክፍሊት 'ላይሰንስ' ዝረኸቦ ኣታዊ 3.8 ቢልዮን ፓውንድ'ዩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዓርቢ "ካብ ኣፈይ ዝወጽእ ዝነበረ ቃላት ቀይሮም"'ዩ ኢሉ።
ቢቢሲ ፓኖራማ ንምንታይ ክልተ ክሊፓት መደረኡ ብሓባር ኣርቲዖም "ፍጹም ዝተፈላለየ ትርጉም" ከም ዝህልዎ ምግባሮም ክፈልጥ ከም ዝደሊ'ዩ ገሊጹ።
እቲ ዘጋጠመ ብዘይ ፍላጥ እዩ ዝብል መልሲ ቢቢሲ ዶናልድ ትራምፕ ኣይተቐበሎን።
እዚ ኣብ ታሪኽ ቢቢሲ እቲ ኣዝዩ ወሳኒ ወይ ዕቱብ ህሞት እዩ።
ምኽንያቱ ምስቲ ኣብ ዓለምና ዝሓየለ ሰብ ናብ ኣዝዩ ክቡር ሕጋዊ ምጕት ኣትዩ'ዩ ክገጥም።
ስለዚ ካብዚ ናበይ'ዩ ክኸይድ?
እቲ ፕረዚደንት ናብ ሕጊ ከምርሕ ምዃኑ ከፈራርሕ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ቢቢሲ ንትራምፕ ካሕሳ ክህቦ ከም ዘይሓሰበ ንጹር'ዩ ነይሩ።
ቢቢሲ፡ ዋላ ጌጋ እንተተፈጸመ፡ ብፕሮግራም ፓኖራማ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝወረድ ዝዀነ ዓይነት ጉድኣት ከም ዘየሎ'ዩ ዝኣምን።
እቲ ብዛዕባ ዶናልድ ትራምፕ ዝገልጽን ናብዚ ክብጻሕ ምኽንያት ዝዀነን መደብ ምስ ተዘርገሐ፡ ዶናልድ ትራምፕ ነዊሕ ከይጸንሐ ፕረዚደንት ኰይኑ ተመሪጹ።
እቲ መደብ'ውን ኣብ እቲ መደብ ዝዀነ ናይ ኣመሪካ ቻነላት ኣይተመሓላለፈን ይብል።
ካብዚ ብምብጋስ'ዩ ቢቢሲ እቲ መደብ ከመይ ገይሩ'ዩ ንዶናልድ ትራምፕ ዝጐድኦ ዝብል።
ሓደ ላዕለዋይ ኣካያዲ ስራሕ ቢቢሲ ነበር ከም ዝገለጸለይ፡ ቢቢሲ ካሕሳ ምሃብ ምንጻጉ "ቅኑዕ'ዩ" ድሕሪ ምባል እቲ ፕረዚደንት ክኸስስ እንተድኣ ወሲኑ ግን ቢቢሲ "ንኽስዕር፡ ኣብ ፍሎሪዳ እቶም ዝበለጹ ጠበቓታት ክረክብ" ከም ዘለዎ'ውን ገሊጹ።
ሕጂ ቢቢሲ 100% ኣብቲ ብዛዕባ ምሕዳስ ቻርተር ዝግበር ዘተታት ከተኩር ኣብ ዝግብኣሉ እዋን፡ ኣብ ዝተናውሐን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን ናይ ቤት ፍርዲ ውግእ ዝኣቱ'ዩ ዝመስል።
ድሮ እቲ ነዚ [ዘተታት ብዛዕባ ምሕዳስ ቻርተር] ክመርሖ ዝነበሮ ዋና ዳይረክተር ቢቢሲ ቲም ዳቪ ብሰንኪ እዚ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ተላዒሉ ዘሎ ምጕት ብገዛእ ፍቓዱ ካብ መዝነቱ ተሰናቢቱ'ዩ።
ስሊዚ ናብ ሕጊ ክእቶ ዘይተርፍ እንተኰይኑ እቲ ናይ ሕጊ ክፍሊት ጥራይ ኣዝዩ ክቡር ክኸውን ይኽእል እዩ።
ገለ መውጽኢ መገድታት ግን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም
ቢቢሲ ንመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብድሕሪት ጣልቃ ክኣቱ ክሓትት ይኽእል ድዩ?
ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኬር ስታርመር ክመጽእ ዝኽእል ምሕጽንታኸ ንትራምፕ ሓሳቡ ክቕይር ከእምኖ ይኽእል ድዩ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኬር ስታርመር ኣብዚ ጉዳይ ኣትዩ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ መኽሰብ ክረክብ ይደሊ'ዶ ይኸውን?
እቲ ሕቶታት ብዙሕ'ዩ፡ ንግዜኡ ግን ቅጽበታዊ መልሲ ዝርከቦ ኣይኰነን።
ዶናልድ ትራምፕ ንቢቢሲ "ካብ ናይ ሓሶት ዜና ዝኸፍአ" ክብል'ዩ ገሊጽዎ ዘሎ።
ብተወሳኺ ቢቢሲን ጋዜጠኛታቱን ብልሽዋት ምዃኖም'ውን ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ቃልሲ ብሓቒ ተጀሚሩ'ዩ።