እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያ ሽክናታት ርእሲ ጸረ-ባዕዳውያን ተቓለስቲ ናብ ዚምባብዌ ክትመልስ’ያ
ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተወሲዶም ዝነበሩ ቅሪተ-ኣካላት ንምምላስ ምስ መንግስቲ ዚምባብዌ ብሓባር ከምዝሰርሑ ሃገራዊ ቤተመዘክር ታሪኽ ለንደንን ዩኒቨርስቲ ካምብርጅን ኣፍሊጦም።
እዚ ዝግለጽ ዘሎ ጉጅለ ልኡኽ ዚምባብዌ ምስ ክልቲኦም ትካላት ድሕሪ ምዝርራቦም’ዩ።
እቶም ቅሪተ ኣካላት ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘበን ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምቅላስ ናይ ዝፍለጡ ተጋደልቲ ናጽነት’ዮም።
እቶም ቅሪተ ኣካላት ኣብ ብሪጣንያ ከምዝርከቡ ይእመን።
ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢንግሊዝ ኣብ ዝተገበረ ቃልሲ፡ ነቲ ተጋድሎ ይመርሑ ናይ ዝነበሩ ፍሉጣት ሰባት ኣስከሬናት ናብ ብሪጣንያ ከምዝተወሰደ ሰበ ስልጣን ዚምባብዌ ይኣምኑ።
እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ብልክዕ ኣበይ ከምዘለዉ ብንጹር ኣይፍለጥን።
እቲ ኣብ 1890ታት ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ‘ፈርስት ቺሙሬንጋ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ።
ነዚ ምንቅስቓስ ይመርሑ ካብ ዝነበሩ ሰባት ሓንቲ ሙቡያ ኔህንዳ ኮይና ቅሪተ ኣካሎም ካብ ዝጠፍኡ መራሕቲ’ውን እያ።
ንሳ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሃራሬ ክትቕተል እንከላ፡ ካብ ሃገራውያን ጀጋኑ ዚምባብዊ ሓንቲ እያ።
ሃገራዊ ቤተመዘክር ታሪኽ ለንደን ብዘካየዶ መጽናዕቲ “ካብ ዚምባብዊ መጺኦም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም” ዝተብሃሉ ዓሰርተ ሓደ ቅሪተ ኣካላት ረኺቡ’ሎ።
እንተኾነ ግን ሙቡያ ኔህንዳ ኣብ መንጎኦም ኣይተረኽበትን።
ካብቶም ዝተረኸቡ ዓሰርተ ሓደ ቅሪተ ኣካላት፡ ኣብ 1893 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን ካብ ርእሰ ከተማ ዚምባብዌ ነበር ቡልዋዮ ናይ ዝተወሰዱ ሰለስተ ሽክና ርእሲ ይርከቦም።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኬምብሪጅ ዝርከብ ቤተ ፈተነ ደክወርዝ ካብ ዚምባብዌ ዝተወሰዱ ውሑዳት ቅሪተ ኣካላት ጥራይ’ዮም ተረኺቦም” ኢሉ።
እቶም ዝተረኸቡ ቅሪተ ኣካላት ኣባላት ተቓለስቲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረስት ቺሙሬንጋ ምዃኖምን ዘይምዃኖሙን ከምዘይተረጋገጸ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ቤተመዘክር ታሪኽ፡ 25 ሽሕ ቅሪተ ኣካላት ክርከቡ እንከለው፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ ፈተነ ድማ 18 ሽሕ ቅሪተ ኣካላት ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዓውደ ኵናት ናይ ዝሞቱ ሰባት ክፍሊ ኣካላት ይውሰድ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ ገሊኡ ካብ ኣስከሬን ካብ መቓብር ተፋሒሩ ይውሰድ ነይሩ።
እዚ ድማ ከም ናይ ዋንጫ ዓወት ወይ ከዓ ‘ንምርምር’ ተባሂሉ ከምዝግበር ይግለጽ።