ንኽልተ ዓበይቲ ሃገራት ተሰሓሕብ ዘላ ህጻን

ኣእጋር ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናይ ህንዲ መግቢ እያ ትፈቱ።

ኣብቶም ወለዳ ዘካፍሉዎም ቪድዮታት ኣብ ሕቚፊ ስድርኣ ብምዃና ሕጒስቲ ኰይና እያ ትርአ።

እታ ጌና ህጻን ሓደ ዓመትን መንፈቕን ዝዀነት ቈልዓ ‘ኤም’ ብዝብል ሽም እያ ክትጽዋዕ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እታ ህጻን ኣብ ጀርመን ጥቃ ከተማ በርሊን ኣብ ዝርከብ ማእኸል ፍሉይ ክንክን ዘድልዮም ህጻናት ከም እትርከብ ኣዲኣ ትዛረብ።

እታ ህጻን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ወለዳ ካብ ወለዳ ምስተወሰደት ኣብ ማእከል ኣብ ሞንጐ ጀርመንን ህንድን ዓሲሉ ዘሎ ወጥሪ ተቐርቂራ ትርከብ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ቈልዓ ሸውዓተ ወርሒ እያ ነይራ።

እቶም ህንዳውያን ስድራ፡ ብግህሰት ቈልዓ ምስ ተኸሰሱ መንግስቲ ጀርመን ኣሕዲጕዎም።

ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ በርሊን ዝርከብ ቤት ፍርዲ መሰል ወለዲ ኣዲኣ ዲያን በዓል ቤታ ኣሚትን [ብምኽንያት ሕጋዊ ጉዳያት ሓቃዊ ኣስማቶም ኣይክንጥቀምን] ክቋረጽ ገይሩ።

እታ ህጻን ናብ ህንዲ ንምምላስ ዝቐረበ ሕቶ ወለዲ ብምንጻግ፡ እታ ህጻን ድማ ንቤት ጽሕፈት ድሕነት መንእሰያት ጀርመን ክትወሃብ ወሲኑ።

ወለዲ ነዚ "መታለሊ ፍርዲ" ኢሎም ብምንቃፍ፡ ይግባይ ኢሎም ኣለዉ።

እዛ ስድራ ኣሚት ኣብኡ ስራሕ ምስ ረኸበ ኣብ 2018 እያ ናብ በርሊን ግዒዛ።

ህጻን 'ኤም' ድማ ብ2 ለካቲት 2021 ተወሊዳ።

ብመሰረት ሰነዳት ቤት ፍርዲ ኤም ጓል ሸውዓተ ወርሒ እንከላ ኣብ ከባቢ ብልዕታ ዘጋጠማ መጉዳእቲ ኣሎ።

ሓደ ሓኪም "ኣብ ዕሸል ከምዚ ዝበለ ከቢድ መጉዳእቲ ብልዕቲ ርእይና ኣይንፈልጥን" ብምባል፡ ጥባሕቲ ከም ዘድልያ ገሊጹ።

ኣገልግሎት ሓለዋ ህጻናት፡ እታ ህፃን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተፈፀማ ከም ዝጥርጥር ብምግላጽ እዩ ወሲድዋ።

እቶም ስድራ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጉዎ።

እቲ ዝተሓከመትሉ ሆስፒታል ድሒሩ ከም ዘጻረዮ ግን፡ ሓካይም ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተፈፀመ ዝሕብር ዝዀነ "ጭብጢ ከም ዘየለ" ኣረጋጊጾም።

ፖሊስ ድማ ነቲ መዝገብ ክሲ ዓጽይዎ።

እቶም ወለዲ፡ እቲ መጉዳእቲ ብሓደጋ ከም ዝተፈጸመ ከም ዝኣምኑ ይዛረቡ።

ንሕክምናዊ ሰነዳት ናይታ ህጻን ዝርኣዩ ክልተ ነጻ ሓካይም ኣመሪካን ህንድን'ውን፡ ምስቲ ገምጋም እቶም ሓካይም ይስማምዑ።

"እቲ መጉዳእቲ ብሓደጋ ዝተፈጥረ ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ወለዲ ኰነ ኢሎም ብተደጋጋሚ መጉዳእቲ ኣውሪዶምላ፤ ድሕሪኡ ናብ ሕክምና ብቕልጡፍ ክወስድዋ ዘይመስል እዩ" ክብሉ ኣብቲ ንቤት ፍርዲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ገሊጾም።

ወሲኾም፡ "ብሰንኪ እቲ ጽዑቕ መርመራታት እቲ ዘጋጠማ መጉዳእቲ ክገድድ ክኢሉ ከም ዝኸውን" ዝብል ግምት ከም ዘለዎም’ውን ገሊፆም።

ሰብመዚ ሓለዋ ህጻናት ግን፡ እቲ ገዛ ንህፃን ‘ኤም’ ውሑስ እዩ ኢሎም ከም ዘይሓሰቡ ገሊጾም - ቤት ፍርዲ ድማ በዚ ተሰማሚዑ።

ስለዚ፡ ሕጂ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ መዕበዪ ህጻናት ኣሕሊፋቶ ኣላ።

ወለዳ ድማ ምስኣ ብዙሕ ርክብ ክገብሩ ከም ዘይተፈቕደሎም ይዛረቡ።

እቶም ክናብዩዋ ዝተመደቡ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ግን ነቶም ስድራቤት፡ "ፈቃራትን ሓለይትን ወለዲ” ኢሎም ከም ዝገልፅዎምን: እታ ህፃን ምስኣቶም ክትራኸብ እንከላ ኣዝያ ሕጉስቲ ከም እትኸውን'ውን ይዛረቡ ።

ሓደ ብቤት ፍርዲ ዝተመዘዘ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ እውን፡ ካብቶም ወለዲ ሓደ ምስ ህጻን ኤም ኣብ ሓደ ብኣላዪ ሰብ ዝተሰነየ ማእከል ክነብር ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን እቲ ማእከል፡ ነቶም ወለዲ “ምስ ጓሎም ዝግበር ምብጻሕ ኩሉ ከም ዝተሰረዘ" ገሊፁሎም።

ወለዲ፡ ነታ ህጻን ብቪድዮ ክድውሉላ እኳ ከም ዘይተፈቕደሎም ይኸሱ።

ኣዶ ናይታ ህጻን

ኣብዚ እዋን’ዚ ነታ ህጻን ናብ ህንዲ ንምምላስ ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ደልሂ እትርከብ ኣዲኣ ዲያ፡ ብዛዕባ ጓላ ምስ ቢቢሲ ከተውግዕ እንከላ እንከላ፡ ንብዓት ይቕድማ ነይሩ።

"ካብ መዕበዪ ህጻናት፡ ናብ ማእከል ፍሉይ ድሌት ዘለዎም ህጻናት ካብ እትግዕዝ ንደሓር መን ይከናኸና ከምዘሎ ዝኾነ ሓበሬታ የብልናን። ኣብ ዙርያ ውላድና ዘሎ ምስጢር ፍጹም ዝገርም'ዩ" ትብል ዲያ።

ዲያ፡ ንሰበስልጣን ጀርመን "ብሰንኪ ባህላዊ ፍልልያትን ግጉይ ርክብን ንውላደይ መንጢሎምኒ" ክትብል ትኸስስ።

ቋንቋ ጀርመን ክትዛረብ ከም ዘይትኽእልን እቲ ዝተዋህባ ተርጓሚ ድማ ሂንዲ ይዛረብ ከም ዝነበረን ግን ቋንቋ ‘ጉጃራቲ’ ከም ዘይርዳእ ትዛረብ።

ቢቢሲ ነቲ ማእከል [ጁጀንዳምት] ዘቕረቦ ሕቶ፡ መልሶም ይጽበ ኣሎ።

ጉዳይ ህጻን ኤም ኣብ ህንዲን ጀርመንን ብዙሕ ኣቓልቦ ረኺቡ ።

ንወለዲ እታ ህጻን ድጋፍ ዝገልጹ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ህንዲን ብዲያስፖራ ህንዲን፡ ኣብ ፍራንክፈርት ሓዊሱ ተቓውሞታት ተኻይዶም።

ዲያ፡ ምስ ሰበስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ (MEA) ተራኺባ፡ ነታ ቆልዓ ናብ ህንዲ ንምምላስ ናብ ኣምባሳደር ጀርመን ፊሊፕ ኣከርማን ደብዳበ ንክሰዱ ድማ ንዓሰርተታት ኣባላት ባይቶ ጸቕጢ ገይራ።

ሓደ ኣባል ባይቶ፡ መንግስቲ ንምምላስ እታ ህፃን ዘድሊ ስጉምቲ ኩሉ ክወስድ ኣተሓሳሲቡ።

ካልእ ፖለቲከኛ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ፡ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ንዋዕላ ጉጅለ 20 ናብ ደልሂ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ነቲ ጉዳይ ከልዕለሉ ሓቲቱ።

ጉዳይ ህጻን ኤም ኣብ ህንዲን ጀርመንን ብዙሕ ኣቓልቦ ረኺቡ - ኣብ ሓያሎ ከተማታት ህንዲን ብዲያስፖራ ህንዲን፡ ኣብ ፍራንክፈርት ሓዊሱ፡ ተቓውሞታት ተኻይዱ፡ ንወለዲ ድጋፉ ይገልፅ ኣሎ።

ዲያ እውን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢዱ ከእቱ ጻውዒት ኣቕሪባ ኣላ።

"ሕጂ እቲ እንኰ ተስፋይ ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ እዩ። ኢዱ እንተኣእትዩ ጓለይ ክትምለስ ትኽእል እያ" ትብል።

ኣብ ደልሂ ዝርከብ ወሃቢ ቃል ኤምባሲ ጀርመን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።

ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ምንጭታት መንግስቲ ግን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ስለ ዘሎን፡ ካብ ኢዶም ወጺኡን ከም ዝዀነ ብምሕባር፡ ነቲ ጉዳይ ፍታሕ ንምርካብ ምስ መንግስቲ ህንዲ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ሰብመዚ ህንዲ ኣብ ጉጃራት ፡ እታ ስድራቤት እትነብረሉ ምዕራባዊት ግዝኣት ህንዲ፡ ህጻን ኤም ኣብ መዕበዪ ህጻናት ክትቅመጥ እትኽእለሉ ኩነታት ከም ዘለለዩ ይዛረቡ።

ኣባል ኮሚተ ድሕነት ህጻናት መንግስቲ ደልሂ ነበር፡ ዶክተር ኪራን ኣጋርዋል፡ እታ ህጻን ምስ ወለዳ ክትከውን ከም ዘለዋ ትዛረብ።

"ህንዲ ኣዝዩ ድልዱል ሕጊ ሓለዋ ህጻናት ኣለዋ፡ ቤት ፍርዲ ጀርመን ናብ ሃገራ እንተመሊሱዋ ድማ ህንዲ ክትከናኸና ትኽእል እያ" ኢላ።

ዲያ፡ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ በብቑሩብ ‘ውላደይ እስእን ኣለኹ’ ዝብል ስክፍታ ከም ዝሓደራ ትዛረብ።

"ቋንቋ ኣዲኣ ጉጃራቲ ክትመሃር ኣይትኽእልን ኣላ። ጀርመንኛ ጥራይ እያ ትዛረብ፡ ከመይ ገይረ ከዛርባ እኽእል?" ኢላ ትሓትት።

እታ ስድራቤት፡ ነቲ ንመዕበዪ ህጻናትን ወጻኢታት ቤት ፍርድን ክውዕል ዝተኣዘዘቶ 9 ሚልዮን ሩፒ [$108,477 ዶላር] ንምኽፋል'ውን ትቃለስ ኣላ።