ኤርትራውያን ዝርከብዎም 320 ስደተኛታት፡ ካብ መተማ ናብ ካናዳ ግዒዞም

ንኤርትራውያን ስደተኛታት ፍሉይ በረራ ዘወሃሃዱ ኣካላት

ምንጪ ስእሊ, Joshua Tabah ኣምባሳዶር ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ

ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ ካብ ሱዳን ተመዛቢሎም ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዝጸንሑ ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ካብ መዓስከር ስደተኛታት መተማ ናብ ካናዳ ከም ዝገዓዙ ትካል ስደተኛታት ዓለም ኣፍሊጡ።

እቶም መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ዛዚሞም ዝጸንሑ 320 ስደተኛታት፡ ካብ መዓስከር መተማ - ክልል ኣምሓራ ኢትዮጵያ - ብፍልይቲ ነፋሪት እዮም ናብ ካልጋሪ ካናዳ ኣትዮም።

እዞም ብሓሙስ ናብ ካናዳ ዝገዓዙ ስደተኛታት ብመስርሕ 'ጕጅለ 5': ብኣብያተ ክርስትያናትን ማሕበራትን ድጋፍ ዝተገብረሎም ኰይኖም ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ግጭት ናብ መተማ ሃዲሞም ዝጸንሑ ምዃኖም ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ኣምባሳደር ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብምትሕብባር ኣይ ኦ ኤምን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያን ትካል ኣይ ኣር ሲሲ - ካናዳን ከምኡ'ውን ሰብሞያን ሰበስልጣንን ኢትዮጵያውያን፡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲን ዝተገብረ ውሁድ ጻዕሪ ንኢዱ።

እቲ ኣምባሳደር ኣብቲ ‘ካብ መዓስከር መተማ ናብ ካልጋሪ’ ብዝብል ኣብ ኤክስ ዝዝርግሖ ሓበሬታ፡ "ልዕሊ 320 ስደተኛታት ኣብ ካናዳ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር በቒዖም ኣለዉ፡” ኢሉ።

ብሰንኪ'ቲ ኣብ ሚያዝያ ዝጀመረ፡ ጠንቂ ሞትን ምፍንቓል ኰይኑ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ፋሕ ኢሎም እዮም።

ብዙሓት ድማ ኣብ ዶብ ሱዳን- ኢትዮጵያ ናብ እትርከብ ከተማ መተማ ተዓቝቦም፡ ዝጀመርዎ መስርሕ ሕቶ ዑቕባን ምስግጋር ናብ ሳልሳይ ሃገርን ከከታተሉ ጸኒሖም እዮም።

ሓያለ ካብቶም ካብ ሱዳን ዝተፈናቐሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብ ደቡብ ሱዳን፡ ገሊኦም ድማ ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ኬንያን ናብ ዩጋንዳን ይሰግሩ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ጕዕዞኦም ከቢድ መሰናኽላት፡ ማእሰርቲ፡ መጭወይቲን ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ሓደጋታትን የጋጥሞም ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብኬንያ ኣቢልካ ናብ ዩጋንዳ ኣብ ዝግበር ምስጋር፡ ብሓለዋ ዶብ ኬንያ ዝተታሕዙን፡ ገለ'ውን ብሰንኪ ዝናብን ብኣሰጋገርቲ ዝግበር ጥልመትን ምትላልን፡ ኣብ መገዲ ዛሕዛሕ ኢሎም ብህዝቢ ዝተረኽቡ ወይ ባዕላቶም ናብ ፖሊስ ዝኣተዉ ኣማ'ኢት ኤርትራውያን ኣብ ኣብያተ ማ'እሰርቲ ኬንያ ከምዘለዉ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

እቶም ካብ ሃገሮም ወጺኦም ዝሓሸ ናብራ ዘናድዩ ኤርትራውያን፡ ዘይተኣደነ ገንዘብ ንደላሎን ኣሰጋገርትን ከፊሎም ንምኽፋል ይዅን፡ ንዝተፈላለየ ሓደጋታትን ግህሰታትን ከምዝቃልዑ ይገልጹ።

እዚ ንዝተፈላለዩ፡ ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ዜጋታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተዋሂቡ ዘሎ ዕድል፡ ነቶም ኣብ ግዚያዊ መዓስከር መተማ ንዝጸንሑ ጥራይ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዅን ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያ ኰይኖም ምስግጋር ንዝጽበዮ ዘለዉ፡ እቲ መስርሕ ክቕጽል ትሽቢት ይግበር።