እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ንምንታይ በቲ ካብ ኣመሪካ ናብ ጀርመን ዝለኣኽ 'ክሩዝ ሚሳይላት' ተቘጢዓ?
ነዊሕ ርሕቐት ዝውንጨፉ ሚሳይላት ኣመሪካ ድሕሪ ዝሑል ኲናት ንፈለማ እዋን ካብ 2026 ጀሚሩ ናብ ጀርመን ክለኣኹ እዮም።
እዚ ውሳነ ኣብ መበል 75 ዓመት ጉባኤ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ እዩ ወግዓዊ ኰይኑ ዘሎ።
ቶማሃዋክ ክሩዝ፡ኤስኤም-6 ን ሃይፐርሶኒክ ዝበሃሉ ሚሳይላት ልዕሊ'ቶም ኣብዚ እዋን ዘለዉ ሚሳይላት ነዊሕ ርሕቐት ክጓዓዙ ዝኽእሉ ከም ዝዀኑ ኣመሪካን ጀርመንን ኣብ ዝሃባኦ ሓባራዊ መግለጺ ኣፍሊጠን።
ከምዚኦም ዓይነት ሚሳይላት ብመሰረት እቲ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየት ነበርን ዝተኸተመ ስምምዕ-1988 ክእገዱ እኳ እንተነበሮም፤ እቲ ውዕል ግን ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ምፍራሱ ይፍለጥ።
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ሪያብኮቭ፡ ሞስኮ “ነዚ ሓድሽ ስግኣት ወተሃደራዊ ምላሽ” ከም ትህበሉ ኣጠንቂቝ'ሎ።
እቲ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ “እዚ ኣብቲ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ከም መላግቦ’ዩ” ብምባል ንኔቶን ኣመሪካን ንሩስያ ብምፍርራሕ ከሲሱ።
እዚ “ተኸታታሊ” ምውፋር ሚሳይላት ኣብ ፈለማ ከም ግዝያዊ ተራእዩ ምንባሩ ዘመልከተ ሓባራዊ መግለጺ ኣመሪካን ጀርመንን ደሓር ግን ቀዋሚ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝተሳለጠ ጉባኤ ኔቶ ዝተዛረበ ሚኒስተር ምክልኻል ጀርመን ቦሪስ ፒስቶርየስ፡ "ዕላማ እዚ ናይ ኣመሪካ መደብ፡ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ኣብ ምምዕባልን ምውናንን ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዙ ሚሳይላት ወፍሪ ንኽገብራ ንምትብባዕ’ዩ" ኢሉ።
ግዝያዊ ምውፋር ኣጽዋር ኣመሪካ መሓዙት ኔቶ ንኽዳለዋ ግዜ ዝህብ ምዃኑ ብምሕባር "ኣብዚ ብዛዕባ ኣብ ኣውሮጳ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ክፍተት ዓቕሚ ኢና ንዛረብ ዘለና" ክብል ኣረዲኡ።
ቦሪስ ፒስቶርየስ፡ ምስ ናይ ፈረንሳ፡ ኢጣልያን፡ ፖላንድን መዘናታቱ ብምዃን ኣብ ኣውሮጳ ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዙ ሚሳይላት ንምፍራይ ዝሃቀነ ሰነድ ፈሪሙ ኣሎ።
ከምዚኦም ዝበሉ ሚሳይላት ኣብ መወዳእታ ዝሑል ኲናት ብዝተኸተመ ውዕል ሓይልታት ማእከላይ ርሕቐት ኑክሊየር- 'ኣይኤንኤፍ' ተኣጊዶም ነይሮም'ዮም።
እዚ ውዕል ኣብ መንጐ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየት ነበርን ዝተኸተመ ኰይኑ፡ ካብ 500 ክሳብ 5500 ኪ.ሜ ርሕቐት ንዝጓዓዙ ሚሳይላት ዝቈጻጸር እዩ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን እዚ ውዕል ኣዝዩ ቀያዲ ከም ዝዀነ ተሰሚዕዎ ነይሩ። ኣብ 2014 ድማ ኣመሪካ፡ ፑቲን ኑክሌራዊ ዓቕሚ ብዘለዎም ሓደስቲ ክሩዝ ሚሳይላት ብምትካእ ነቲ ውዕል ከም ዝጠሓሶ ከሲሳ።
በዚ ድማ ኣመሪካ ኣብ 2019 ካብቲ ውዕል ኣንሳሒባ፤ ሩስያ’ውን ስዒባታ።