መረጻ ሩዋንዳ፡ ፓል ካጋመ ብሰፊሕ ከምዝተዓወተ ከፊላዊ ውጽኢት ኣመላኺቱ

ካጋመ ካብ 2000 ጀሚሩ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ኰይኑ እናመርሐ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ካጋመ ካብ 2000 ጀሚሩ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ኰይኑ እናመርሐ ይርከብ

ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ ን24 ዓመታት ዝጸንሐ ስልጣኑ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ክቕጽል ዘኽእሎ ድምጺ ከምዝረኸበ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተኻየደ መረጻ፡ ዓብላሊ ድምጺ ምርካቡ ስዒቡ እዩ እዚ ዝንገር ዘሎ።

ኣስታት 79 ሚእታዊት ድምጺ ዝተቖጸረ ኰይኑ ብኮሚሽን መረጻ ዝተገልጸ ከፊላዊ ውጽኢት ከኣ ካጋመ ክሳዕ ሕጂ 99.15 ሚእታዊት ድምጺ ከምዝረኸበ የመልክት።

እዚ ወዲ 66 ዓመት መራሒ ትርጉም ዘለዎ ተቓውሞ ኣየጋጠሞን፤ መራሕቲ ተቓወምቲ ድማ ተኣጊዶም እዮም።

ክልተ ተቓወምቱ ትሕቲ 1 ሚእታዊት ድምጺ እራይ እዮም ረኺቦም።

ካጋመ፡ ሩዋንዳውያን ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሰልፉ ሩዋንዳ ፓትሪዮቲክ ፓርቲ (RPF) ኣብ ዝሃቦ መደረ ንዘርአይዎ እምነት ኣመስጊኑ።

“እዚኦም ኣሃዛት ጥራይ ኣይኰኑን፡ ዋላ 100 ሚእታዊት እንተዝኸውን፡ እዚኦም ቁጽሪ ጥራይ ኣይኰኑን። ነቲ ምትእምማን ዘርእዩ’ዮም። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ድማ ንሱ እዩ" ኢሉ።

ተቓወምቱ ዝዀኑ ተጣባቒ ከባቢ ፍራንክ ሃቢነዛን ጋዜጠኛን ኣማኻሪ መንግስትን ነበር ፊሊፕ ምፓይማናን፡ ብቕደም ሰዓብ 0.53ን 0.32ን ሚእታዊት ድምጺ ረኺቦም ኣለዉ።

ምሉእ ግዝያዊ ውጽኢት ክሳዕ 20 ሓምለ፡ ናይ መወዳእታ ድማ ክሳዕ 27 ሓምለ ክግለጽ እዩ።

እቲ ክሳዕ ሕጂ ዝተገለጸ ውጽኢት ግን ዘገርም ኣይኰነን።

ነቲ ኣብ 2017 ዝተኻየደ ውጽኢት መረጻ ዘንጸባርቑ እዮም። ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ተመሳሳሊ ሕጹያት ተሳቲፎም ካጋመ ብ98.8 ሚእታዊት ከምዝተዓወተ ይዝከር።

ዳያን ሩዊጋራ ዝተበሃለት ንካጋመ ብግልጺ እትነቅፍ እትርቦም ብውሑዱ ሰለስተ ሕጹያት ካብቲ ውድድር ተኣልዮም እዮም።

ኮሚሽን መረጻ፡ ካብቶም ልዕሊ 9.5 ሚልዮን ብቑዓት መራጽቲ፡ 98 ሚእታዊት ኣብቲ መረጻ ከምዝተሳተፉ የመልክት።

እቲ መረጻ ንሓደ ፕረዚደንትን ን53 ኣባላት ባይቶን ዝምልከት እዩ ነይሩ።

ንደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያትን ኣካለ ጉድኣትን ንዝምልከት 27 ፍሉያት መናብር ዝግበር መረጻ ሰሉስ ክካየድ እዩ።

ካጋመ ካብ መወዳእታ 1994 ጀሚሩ ብጭቡጥ መራሒ ሩዋንዳ ኰይኑ ካብ 2000 ጀሚሩ ድማ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ።

ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር መሰል ናጽነታት ከምዘጉደለ ክኸሱዎ እንከለዉ፡ ደገፍቱ ድማ ንቁጠባዊ ዕብየት ከምዝመርሐን ብሄራዊ ምፍልላይ ንምውጋድ ከምዝተቓለሰን ይገልጹ።